SlideShare a Scribd company logo
1 of 2
Download to read offline
ሕታም ቁጽሪ 2/2013ሕታም ቁጽሪ 2/2013
ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን
ትሕዝቶ
1. መስቀል፡ መልክዕ ጽባቐ...
2. ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ
3. ተስፋ ኣብ ክርስቶስ
4.ኣሰርኤጳፍራስ
5.ካብዝን ካብትን
ብዛዕባ ጽባቐ ክዝረብ
እንከሎ፡ ሓደ ነገር
ኣቐዲምናክንፈልጦ ይግብኣና’ዩ
ዝብሎ ነገር እንተሎ፡ ንመልከዕ ጽባቐ
ሚዛን ሂቡ፡ እዚ ጽቡቕ’ዩ
ወይ’ዉን እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን
ኢልካ ክትፈላልዮ ዘኽእለካ መለክዒ ከምዘሎን ከከም ከባቢኡን
ባህሉን ልምዱን ድማ ዝፈላለ ምዃኑን ምግንዛብ እዩ። ኣብዚ
ዘለናዮ ዘመን፡ ንመስቀል ከም ሓደ መመልክዒ ተወሲዱ ኣብ
ክሳድ ክንጥልጠልን ኣብ ኣካላት ከም ጽሕፈት ማሕተም
( ክውቀጥን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ
ዝበልናዮ ሓሊፉ’ውን ክሳዕ ኣብቲ ክትርእዮ ዘንውር ዝኾነ ክፋል ኣካላት
ሰብ ተሳኢሉን ተንጠልጢሉን ይርአ። ከምዚ ምግባር ድማ “ስልጣኔ’ዩ
ዝበሃለሉ ጊዜ በጺሕና ምህላውና እዩ። እንተኾነ ግና መስቀል ከምቲ
ክግበር ንርእዮ ዘሎና ከምኡ ድዩ ትርጉሙ᎒ ክንጥልጠል ወይ ክሰኣል’ከ
ንቡር ድዩ᎒ ነዝን ካልእን ንምምላስ ንኣመጻጽኣን ኣበጋግሳን መስቀል
ክንርኢኢና።
ቅድመ ክርስትና፦ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ መስቀል ቅድመ ክርስትና
ምንባሩ ኣስፊሖም እዮም ዝገልጹልና። እዚ ማለት ክርስቶስናብዛ ምድሪ
ቅድሚ ምምጽኡ መስቀል ዝብል ኣምር ከምዝነበረ ታሪኽ ጭብጡ ወይ
መርቶዖታቱ ብምሃብ የብርሃልና። ኣብዚ እንገልጾ ዘሎና ጊዜ፡ መስቀል
ከም መመላኽዕን ከም ምልክት ናይ ኣምልኾን ኮይኑ ይቐርብ ምንባሩ ኢና
እነንብብ። ንኣብነት ኣብ ቤተ መዘክር እንግሊዝ ናይ ንጉስ ኣሶር ሳምሲ-
ቫል ወዲ ሻልማንሰር ምስሊ ይርከብ። ኣብ ከባቢ ክሳዱ ንጹር ዝኾነ
መስቀል ኣለዎ። ከምኡ ድማ ምስኡ ኣብቲ ስእሊ ተስኢሉ ዝርከብ ኣሹር-
ናስር-ፓል ዝበሃልውን ከምቲ ናይቲ ንጉስ ሓደ ዓይነት ዝኾነ ናይ መስቀል
ምስሊ ኣብ ክሳዱ ወድዩ ኣብቲ ምስሊ ይርአ። ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ
ዝነበረት ድያና እትብሃል ጣኦትውን ልክዕ ከምቲ ናይ ማእከላይ ዘመን
ሰኣልቲ ንድንግል ማርያም ጌሮም ዝስእልዋ ኣብ ርእሳ መስቀል ጌይራ
ተስኢላ ትርከብ። ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ወይኒ ተባሂሉዝፍለጥ ባቹስ ድማ
ብመስቀል ዝወቀበ መጎልበቢ ወድዩተሳኢሉይርከብ። ልክዕ ከም ሂንዱስ
ግብጻውያንውን ንመስቀል ከም ምልክት( ብብዝሒ ምጥቃም
እተፈልጡ እዮም። እምበኣር ካብዚ ኩሉ ክንብሎ ዝጸናሕና እንርድኦ
እንተሎ መስቀል ቅድመ ክርስትና ከምዝነበረ እዮ።
ጅማሬ መስቀል ከም ምልክት ክርስትና፦ እቲ ዝገርም መስቀል ከም
ምልክት ክርስትና ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ይፍለጥ ዘይምንብሩ
እዩ። ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ምስ ምልዋጥ ንጉስ ኮንስታንቲን ናብ ክርስትና
ዝተለምደ ልማድ ድማ እዩ። ኮንስታንቲን ድሕሪ ብወግዒ ንክርስትና ከም
ሓደ ካብ እምነታት ክኸውን ምእዋጁ፡ ንመስቀል፡ ከም ቀንዲ ምልክት ናይ
ክርስትና ክኸውን ኣቖሞ። ብፍላይ ከኣ ድሕሪ እቲ ካብ ኣምላኽ ከም
ዝተቐበሎ ምዃኑ ዝተዛረበሉ ራእይ፡ ማለት ኣብ ሰማይ ዝረኣዮ ምልክት
መስቀልን በቲ ምልክት ድማ ክስዕር ምዃኑ ዝሰምዖ ድምጽን፡ መስቀል
ኣብ ክርስትና መሪሕ ምልክት ናይቲ እምነት(ሃይማኖት) ክኸውን
ብሰፊሑ ተራዕመ። ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ’ውን ዝርጋሐኡ እናሰፈሐ
ከደ እሞ፡ ብመጠን እቲ ዝረኸቦ ዝርጋሐ ድማ መልክዓቱ እናቐያየረ
ናብ’ዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና መልክዕ ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ።ስለዚ ድማ
እዩ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣብ ኣባይቲ ክስርትያናትን ኣብ ኣካላት
ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን ብዝተፈላለየ መልክዑ ክጥቀምሉ
ዝርአ። ብኸምዚ ዝማዕበለ ልማድ
መልክዑ ቀይሩን ቀንዲ ትርጉምን ዕላማን
ክርስትያናዊ መስቀል ሃሲሱ ይርከብ።
እምበኣርስከ ዕላማን ትርጉምን
ክርስትያናዊ መስቀል እንታይ እዩ፧
ብኸመይ መልክዕ’ከ ወይ ኣረዳድኣን
ኣተሓሳስባን’ከ ክንግንዘቦ ይግባእ፧ዝብል
ሕቶ ብምልዓል ነቲ ሓቀኛ ትርጉሙን
መልእኽቱን ክንርድኦ ክንፍትን ኢና።
ናብ 3ይ ገጽ ይቅጽል..............
(ካልኣይ ክፋል)
2. ህይወት መዝገብ እያ
ነዚ ሓሳብ ንምርዳእ ብክልተ መንገዲ ክንርእዩ ጽቡቕ
እዩ።
1. ህይወት ብዝዝገብ ነገርን
2. ህይወት ብምልኣት ልብን
1.ህይወት ብዝዝገብ ነገር፦
ኣብ ራእ20፣11-12 ክንርእይ ከለና ብዛዕባ እቲ መወዳእታ መንበር
ፍርዲ ክዛረብ እንከሎ ክልተ ዓይነት መጽሓፍቲ ከምዘሎ የርእየና።
ንሳተን ድማ መጽሓፍትን መጽሓፍ ህይወትን እየን፣፣ ኣብዘን
መጽሓፍቲ ዝጸሓፍ ድማ ኩሉ እቲ እንገብሮ ግብርታት እዩ፣፣ እቲ
ዝገርም ግና እግዚኣብሄር ንናይ ነፍሲ ወከፍና ተግባር ክጽሕፍ
ዝውዕል ኣይኮነን። የግዳስ መጽሓፍ ኣምላኽ ሕልና ወዲ ሰብ እዩ።
እታ መጽሓፍ ህይወት እታ መጽሓፍ ናይቲ ገንሸል እያ። እተን
መጽሓፍቲ ድማ ልቢ የሕዋትና እየን። ኣብዘን ክልተ ዓይነት
መጽሓፍቲ እንዝግቦ እምበኣር መዝገብ ህይወት ይኾነና። እምበኣር
ኣብ መዝገብ ልቢ የሕዋትና እንታይ ዘጊብና ንኸይድ ንህሉ
ክንጥንቀቕ ኣገዳሲ እዩ፣፣
2. ህይወት ብምልኣት ልቢ
“መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፣ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ”ማቴ 6፣19-21
ኣብቲ ኣሎኒ እትብሎ ልብኻ ኣብኡ እዩ ዝዓርፍ እሞ ልብኻ ዝዓርፈሉ
መዝገብካ ኣበይ ኣሎ፧ ነቲ ኣብ ልብኻ ዝመልአ ክትረክብ ዘይትገብሮ
ነገር ኣይክህልወካን እዩ። ንህይወት ድማ ከም ምልኣት ልብኻ
ክትርእያን ክትነብራን ትጅምር።
ናብ 2ይ ገጽ ይቅጽል.........................
ምኽንያት እናሃበ ከይትነግር ወንጌል
ሓራ ከይተውጽኦም ካብ ናይ ዓለም
ዓንኬል
ጽቡቕ’ኻ እናበለንበይንኻ ጥራይ ዝለል
ስቕ ክትብሎ ንሓውኻ ‘ናኸደ ንሲኦል
እሞ ደኣ እንታይ ትገብር ንመን ትጽበ
ነቢይ ከተንስኣልካ ብዛዕባኻ ዝንበ
ሓለፋ ቃሉ በየን እሞ ክዝረበ
ነስተውዕል ደኣ ንሱ’ዩ ዝነጸረ።
ደጊም ሽለል ኣይትበልተንስእተበራበር
ብናይ ድያብሎስ ሓሶት ከይትብል
ደንበርበር
ኣገልግሎትካ ኣይትደርቢ ብዝኾነ ነገር
ዓስቢ ኣሎ ትቕበሎ ካብ
እግዚኣብሄር።
ብሳራ ገብረስላሴ
ሕዳር 11-2013 ሕዳር 11-2013
ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ
ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን
ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18
ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ
ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን
ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18
መልእኽቲ
መስቀል
ክርስትያናዊ
ህይወት
14
4 1
መስቀል፡ መልክዕ ጽባቐ ስጋ’ዶ᎒ መልክዕ ጽባቐ ህይወት᎒
ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ
ዓምድታት
መልእኽቲ መስቀል
ክርስትያናዊ ህይወት
ኣሰር ኤጳፍራስ
ካብዝን ካብትን
ዓምድታት
መልእኽቲ መስቀል
ክርስትያናዊ ህይወት
ኣሰር ኤጳፍራስ
ካብዝን ካብትን
ሸለል ኣይትበል
ሸለል ኣይትበሎ ዕዮኻ
ኣጽኒዕካ ተዓጠቕ ሕቖኻ
ኣሳእን ወንገል ኣእቱ ኣብ ኣእጋርካ
ክጸነዕ ጉዕዞኻ ኣሰር የሱስ ስጓሜኻ
ክትነቅሕ ዝጸልእ ጸላኢ ኣሎካ
ክትድቅስ ክትታኽስ ዝጽበየካ
ከይተንብብ ከይትጽሊ ዘባዕዝዘካ
ከይተስተወዕል ቃሉ ከይበርሃልካ
ኣስሊኹ ምፍልላይ ዘእቱ
ፍቕሪ ዝጸልእ ዕግርግር ዝፈቱ
ክገብሮ ዝደሊ ንጉያኻ ከንቱ
ከይብለጸልካ ኣይትስሓቶ ውዲቱ
ኣብ
ቀረባ መዓልታት
ሕቶታት ንህጻናት
1. ኣዕሩኽ ዳኒኤል ክንደይ እዮም፧ ስመዮም።
2. ካብተን ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘለዋ ማሕበራት እተን
ዝተናእዳ ክንደይ እየን፧ ስመየን።
3. ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም መን ይበሃል፧
4. እዛ ኣብ ትሕቲ ካርቱን ዘላ ጥቕሲ ንመን እተዘርበት ቃል
እያ፧
5. እግዚኣብሄር ንዮናስ ናበየነይቲ ከተማ ለኣኾ፧
መልሲ
1)ሰለስተእዮም።ኣስማቶምከኣ፦ሲድራቕ፡ሚስራቕንዓብደኔጎን
ይበሃሉ።
2)ክልተእየን።ኣስማተንከኣ፦ማሕበራትፊላደልፍያንሰሚርናን
እየን።
3)ወዲሓዉንኣብርሃምሎጥይበሃል።
4)ንቃኤልእተዘርበትቃልእያ።
5)እግዚኣብሄርንዮናስናብተርሰስእትበሃልከተማለኣኾ።
ካብዝን ካብትን
ህይወት ልዕሊ ካልእ መግለጺታት ብሕብረት
መዝገብ ሙሴ እንተድኣ ርኢናዮ መዝገቡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ገይሩ፡
ስለዚ ድማ ካብ መዝገብ ግብጺ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዚዩ ብዙሕ ሃብቲ
ጌሩ ቆጸሮ ይብለና። እብ11፡ 24-27
መዝገብ ሃብታም መንእሰይ እንተድኣ ተመልኪትና ድማ መዝገብ ኣብ
ሰማይ ክትዝግብ ዘሎካ ሽጥ እሞ ንድኻታት ሃብ ኣብ ዝተባለሉ እናጎሃየ
ክኸይድ ኢና እንርእዮ።ማቴ19።16-22
የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምስላ ክምስላ ከሎ ከም ኣብ ሓደ ግራት
እተሓብአ ሃብቲ ወይ መዝገብ እሞ ሰብ ረኺቡ ብታሕጓስ ዘለዎ ኩሉ
ሸይጡ ዝዕድጋ ብምባል ይምስላ።ከምኡ ውን ጽቡቕ ዑንቂ ክረክብ
ሃሰው ኢሉ ዝደሊ ንጋዳይ አሞ ምስ ረኸባ ብታሕጓስ ዘለዎ ሸይጡ
ዚዕድጋ ብምባል ይምስላ። ብሉጽ መዝገብ እዩ እሞ ዘለዎ ሸይጡ
ንምዕዳግ ይጓየይ። ሉቃ12፡33-34, 1ጢሞ6፡17-19
መዝገብ ጳውሎስከ እንታይ ነበረ፧ ኣብ 2ቆሮ5፡1 ጳውሎስ ዝጽበያ ቤት
ከምዘላቶ ይዛረብ። ንኽረኽባ’ውን ብዙሕ ናፍቖትን ምድፍናቕን
ከምዝነበሮ ይገልጽ። እዚ ናፍቖትን ምድፍናቕን ድማ ንምልኣት ልቡ
ዝገልጽ እዩ። በዚ ድማ መዝገቡ ኣበይ ከምዘሎ የርኢ። ኣብ ፊሊ፡3-9
ክገልጽ እንከሎ እቲ ኣሎኒ ዝብሎ ኩሉ ገዲፉ ወይ ጉሒፉ ነቲ ናይ
ክርስቶስ ናተይ ክብሎ ንርኢ።
እምበኣርሲ ኩሉ ምልኣት ልብና ኮይኑ ልብና ዝገዝእ መዝገብና ኣበይ
ኣሎ፧
ይቕጽል
ብሓው ሮቤል ኣብርሃ
ሞት ዝብል ቃል ምስ እትሰምዕ ገለ ኣብ ዉሽጥኻ ሰገጥ
ዘብል ስምዒት ኣሎዶ፧ እዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ኣብ
ውሽጥኻ ብዛዕባ ሞት ከይተንብብ ይዓግተካዶ፧ መልስኻ ነዘን
ሕቶታት እወ እንተ ኾይኑ፡ ብትኽክል መልእኽቲ እዛ ጽሕፍቲ ንዓኻ
እዩ። እቲ መስታ ባህልናን ባህሪናን ምስ ሞት ምትሕሓዝ ዘለዎ ዘይምቹእ
ሓሳባት ከይቃላሓን ክጠፍእን እዩ ዝጽዕት። ግናኸ ሞት ሓደ ዘይተርፍ
ዘይፍሕሹው ክውነት እዩ፡ ነዚ ኩነት ክንርስዕ ወይ ክንሓብእ ኣይግባእን፡
ነዚ ክዉንነት እዚ ዝሓብእ ርኢቶታት ድማ መደናግርን ካብ ሓቂ ዝራሓቐ
መግለጺን እዩ። ነቲ ዘይምእምእ(ኣሰቃቒ) ክውንነት ሞት ዝስዕር ምላሽ
ዘይብሉ ፍልስፍና ወይ ሃይማኖት ንደቂ ስባት ብቑዕ ኣይኮነን ።
ንክርስትና ካብ ካልኦት እምነታት ፍልይ ዘብሎ፡ እተፈተነ እወታዊ
ንሞት ዝገጥምን ምላሽ ስለዘለዎን እዩ። ዘመናዊ ሕክምና ንዝኾነ ኣካላዊ
ሕማም ምስ ዘጓንፍ ስለስተ ናይ ቃል መግለጺታት ክህብ ይድረኽ፡
እዞም መግለጺታት ድማ መርመራዊ መግለጺ (ሳዕቤን ሕማም)፡ ቅድመ
ገምጋም (ኣማዓባብላን መጻኢ እቲ ሕማምን)፡ ፈውስን(መድሃኒትን)
እዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ስለ ርእሰ-ነገር(ብዛዕባ) ሞት እዞም ሰለስተ
መግለጺታት ይህበና። ስለ ሳዕቤን ሞት መጽሓፍቅዱስ ከምዚ ይብል
“ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡
ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ
ሐለፈ ሮሜ 5:12። ስለዚ ሞት ብሰሪ ሓጢኣት እዩ መጺኡ። ሓጢኣት
እንተ ዘይፍጸም፡ ሞት ድማ ኣይምመጸን ነይሩ፣ ግናኸ ኩሎም ደቂ ሰብ
ስለ ዝሓጥኡ፡ ሞት ድማ ናብ ኩሎም ሓለፈ።
ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን
ስለ ምዕባለን መጻኢን እዚ ሕማም(ሞት) መጽሓፍቅዱስ ስለስተ
ተኸታተልቲ ደረጃታት ከም ዘለዎ ይዛረብ። ካብዞም ደረጃታት እቲ
ቀዳማይ መንፈሳዊ ሞት እዩ። እግዚኣብሄር ንኣዳም እቲ ቀዳማይ ሰብ
ካብታ ኦም ፍልጠት ሕማቕን ጽቡቕን ከይበልዕ ክምዚ ኢሉ ኣጠንቀቆ
“ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ
መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ
አዘዞ። “ዘፍ 2:17። ኣብዚ እግዚኣብሄር ንኣዳም “ካብኣ ምስ እትበልዕ
መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ ኢሉ ክዛረቦ ከሎ ንርኢ። ግናኸ ኣዳም
ብድሕሪ ምብላዕ ፍረ እታ ኦም 900 ዓመታት ከም ዝነበረ ንምልከት።
እዚ እኮ እንተኾነ ኣዳም ምስ እግዚኣብሄር ዝነበሮ ዝምድና ልክዕ ካብታ
ኦም ምስ በልዐ እዩ ተቋሪጹ። ኣብቲ ጊዜ ድማ እዩ ኣዳም መንፈሳዊ ሞት
ሞይቱ። ጳዉሎስ ንክርስትያናት ኤፌሶን “ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን
ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም ኤፌ2:1-2 ኢሉ
ብዛዕባ ቅድሚ ንክርስቶስ ምፍላጦም ዝነበርዎ ኩነታት ከዘኻኽሮም ከሎ
ንርኢ። ጳዉሎስ ኣብዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞት እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ሞት
ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ። ሓንሳብ ሰብ መንፈሳዊ ሞት ምስ ሞተ ንገለ
ዓመታት ብስጋ ይነብር እሞ ስጋዊ ሞት ይመውት፡ እዚ ማለት ስጋዊ
ህይወቱ ልክዕ ከም ዝምላእ ባተሪ እዩ( ።
መንፈሱ ድማ ከም እቲ ነቲ ባተሪ ዝመልእ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝስከም
ገመድ እዩ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ እዩ።
ሰብ መንፈሳዊ ሞት ስለ ዝሞተ ስጋዊ ሓይሊ ህይወቱ ዳግም ክመልእ
ኣይእልን። በተን ዝተረፈኦ ሓይሊ ስጋዊ ህይወቱ ንገለ ዓመታት ይነብር።
እቲ ካልኣይ ደረጃ ከኣ ስጋዊ ሞት እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ
ሓሳብውን፣ ሳዕቤን እዚ ሞት ድማ፣ መንፈሳዊ ሞት (እቲ ቀዳማይ ደረጃ
ሞት) እዩ። እዚ ሞት እዚ ነፍሲ ሰብ ካብ ስጋኡ ምስትፍለ እዩ ዝኸውን።
ድሕርዚ ግሁድ ዝኾነ ምቡኽባኽ እቲ ስጋ ሰብ ይርአ። እታ ነፍሲ ካብ
ስጋ ሰብ ምስ ተፈለየት ግና ዝኾነ ምቅይያር ኣብ ፍጥረታዊ ክዉንነታ
ኣይተርእን። እቲ ሳልሳይ ደረጃ ሞት ድማ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ካልኣይ
ሞት ዝብሎ እዩ። እዚ ደረጃ ሞት ግና ብምግላጽ እዛ ጥቅሲ ሞትን
ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡
ማለት ቀላይ ሓዊ ራኢ 20:14-15 ክንሪኦ ኢና። እዛ ጥቅሲ ብምርዳእ
ክንስእላ ከሎና፡ ቀዳማይ እዚ ሳልሳይ ደርጃ ሞት ወይ ድማ ካልኣይ ሞት
ዝብሃል ዘሎ መፈጸምታውን ዘለኣለማውን ዘይቅየር ሞት ከም ዝኾነ
ንርኢ። እዚ ግድፈት ሰብኣዊ መረዳእታ ህላውነት ኣይኮነን (
፡ ማለት ኣብዚ ደረጃ ሞት ዝረከባ ነፍሳት
ምርዳእ ርእሳዊ ህላውነት ኣለወን ግናኸ ህላውነተን ኣብቲ ቀላይ ሓዊ
እዩ።
እምብኣርከስ ፈውሲ ናይዚ ሕማም(ሞት) የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ።
እወ እቲ ስሌና ሞይቱ ካብ ኢድ ሰይጣን ሕነ- ፈድዩ ዝተበጀወና! እዚ
ድማ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብሞቱ ሞትና ብምውሳድ፡ ዕዳ ፍርድናውን
ብምኽፋል ካብ ፍርሃት ሞት ሓራ ኣውጺኡና። ወንጌል ዮሃንስ 10
ሰይጣን ክሰርቕን ክሓርድን ከጥፍእን ዝመጸ ሰራቒ ከምዝኾነ፡ የሱስ ግና
ህይወት ምስ ተረፉ ክንረክብ ከም ዝመጸ ይዛረብ። ስለዚ የሱስ ርስትና
መሊሱልና፡ ካብቲ ምስኡ ዘለና መንፈሳዊ ዝምድና ዝተላዕለ ድማ ኣብ
ቅድሚ ኣምላኽ ዘሐጉሱን ቅቡላትን ንኸውን። ብክርስቶስ የሱስ ኩነኔ
የብልናን፡ ፍርሃት የብልናን። ስለዝኾነ ሓቢርና ምስ ሃዋርያ ዮሃንስ
“ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ
ክንብል ንኽእል። 1ዮሃ 2:18 ኣብ ዝመጽእ ሕታም ይቕጽል
ብፓስቶር ዴሪክ ፕሪንስ
ትርጉም ብኣገልጋሊ ኣዳም ፍጹም
ዕላመት መስቀል ኣብ ክርስትና፦ ብቐንዱ መስቀል (ከም
ዕንጨይቲ) ንክርስትና ይውክልዶ ክንብል ኣገዳሲ እዩ። ካብ መሰረቱ
ክንዛረብ እንከሎና፡ መስቀል ከም ዕንጨይቲ ንክርስትና ዝውክል
ኣይኮነን። እቲ ምንታይ መስቀል ኣመጻጽእኡ ከምዝተመልከትናዮ
ንእምነት ክርስትና ዝውክል ኣይነበረን። ከምኡውን መስቀል ከም
መስቀሊ ንመቕጻዕቲ ደኣ እምበር ከም ንመኹርዕን መፈከርን ዝኸውን
ዕላመት ኣይኮነን። ንመስቀል ኣብዚ እዋንዚ ምስጢረ ትርጉሙን
ዕላማኡን ክትርእዮን ክትርድኦን እንተዘይክኢልካ ካብ ሃይማኖታዊ
መፈለጥታን ስምን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህበካ ኣይክእልን
እዩ።እንታይ ደኣ እዩ እቲ ቁም ነገሩ፧ መስቀል ከም ምልክት ኣብ
ክርስትና ትርጉም ክህልዎ እንተኾይኑ ነቲ ኣብ ልዕሊ መስቀል እተፈጸመ
ዕዮ ምስ እትርድኦ ጥራይ እዩ።ናይ ሓቂ መልክዕ ሂቡ ንጽባቐኻ ከድምቖ
እንተደኣ ኮይኑ ክንዮ’ቲ ኣብ ክሳድካ ተንጠልጢሉ ዘርእዮ ውቃበ፡ ነቲ
ኣብ ውሽጥኻ ዝፈጥሮ ብመልክዕ ኣምልኽ እተገብረ ብሉጽ ሰብ ዝያዳ
ክትግደስን ክትሓስብን ክትርእዮን ምስ እትኽእል ጥራይ እዩ። ዕዮ
መስቀልውን ብቐንዱ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝስራሕ ፍጻመ እዩ ዝያዳ
ዝገልጽ። ስለዚ እዩ እምበኣር የሱስ ነቶም ደጊኦም ኣጸቢቖም ውሽጦም
ግና ዘየዐረዩ ፈሪሳውያን ኣብ ማቴ23 ክነቕፎም እንከሎ ንዕዘብ።ከምዚ
ብምባል፡ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን
ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡
ወይለኹም። ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ
ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። ኣቱም ግቡዛት
ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና
ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ
አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ
ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓምጻን
ምሉእእዩ”።ማቴ23:25-28
ስለዚ መስቀል እምበኣር፡ ልዕሊ እቲ ንደገና(ስጋና) ክህቦ ዝኽእል
መልክዕ ጽባቐ ንውሽጥና ዝህቦ መልክዕ ዝያዳ ይዓዝዝ። እንታይ እዩ ግና
እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝግለጽ መልክዑ ዝወቀበ ጽባቐ፧ እስከ ኣብ ካልእ
ክፍሊ ጽሑፍ ከይከድና ነቲ ንጽሓፍትን ንፈሪሳውያንን ክገብርዎ
ዝግብኦም እሞ ዘይገበርዎ ንምንቃፎም መሰረት ዝኾነ ነገር ንርአ። ኣብ
ማቴ23፡23 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡
ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡
ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ
ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ ይብል። ኣብዚ ጥቕሲ ሓደ ኣገዳሲ
ነገር ኢና ንመሃር፡ ማለት ክልተ ክነጻጸል ወይ ክፈላለ ዘይግብኦ ነገር፡
ንሱ ድማ ምእካብ ዕሽርን ምግባር እቲ ኣውራ ነገርን ማለት ፍርዲ፡
ምሕረት፡ እምነት። እቲ ነዞም ሰባት ከም ዝንቀፉ ዝገበረ ብደጊኦም
ጽቡቓት ብውሽጦም ግና እቲ ኣውራ ነገር ምግባር ስለ ዝረሰዑ እዩ።
ስለዚ እምበኣር፡ ውሽጥኻ ክርስትያን ዘይኮነ ክነሱ ብደገኻ ግና
ክርስትያን ከስምየካ ዝኽእል ነገር እንተ ገበርካ እንታይ እዩ᎒ ውሽጥኻ
ብዕዮ መስቀል ዘይዳሓነ ክነሱ አብ ክሳድካ ይኹን አብ ካልእ አካላትካ
መስቀል እንተገበርካ እንታይ እዩ᎒ ሓደ እዋን ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ
እቶም ብኣይሁድነቶም ዝምክሑ ዝነበሩ ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል
“ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ….፡ እቲ ብውሽጡ
ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ ሮሜ2:28-29። ስለዚ ኣብ
ውሽጥኻ ክርስትያን ምዃን እዩ ክርስትያን ዘብለካ። ሃዋርያ ጴጥሮስውን
ኣብ 1ጴጥ3:5 ነተን ደቂ ኣንስትዮ ክመኽረን እንከሎ ከምዚ ብምባል
ማለት፡“ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ
ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ
ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን
ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ
ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን
እተሰለማ ይብል። ስለዚ እንታይ ደኣ እዩ እቲ ኣብ ውሽጥና ዝግለጽ
ጽባቐ እሞ ብደጌና ኣንጸባሪቕና ክንርአ ዝገብረና፧ እቲ ኣብ መስቀል
እተገልጸ ፍቕሪ፡ ተስፋ፡ እምነት፡ ቅድስና፡ ጽድቂ፡ ሰላም፡ ዕረፍቲ፡
ምድሓንን ካልእ ነዚ ዝመስል ነገርንዶ ኣይኮነን እዩ፧ ብእኡዶ
ኣይኮነን’ከ ደቂ መዛሙርቲ ምዃንና ከምዝምስከርልና
ዝተባህለልና፧“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡
ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ
እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ
ደቀመዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ ዮሃ13:34-35።
እምበኣር ኣሕዋተይ መጀመርታ ዝስራዕ መጀመርታ ንስራዓዮ እሞ
ደሓር እቲ ካልኣዊ ነገራት እንተገበርና ከምሕረልና እዩ። ስለዚ
እምበኣር ንመስቀል ከም መግለጺ ጽባቐ ክንርእዮ እንከሎና፡ ንደጋዊዶ
ወይስ ንውሽጣዊ መልክዕ ዝያዳ ይገልጽ ንዝብል ሕቶ ክንምልስ
ፈቲንና ኣሎና። በዚ ድማ ነቲ ከም መበገሲ ዘልዓልናዮ መዘራረቢ
ነጥቢ ብሕጽር ዝበለ ክንገልጾ ክኢልና ኣሎና። ኣብ መወዳእታ፡
መስቀል ኣብ ክሳድካ ብምውዳይካ ወይ ኣብ ኣካላትካ ክሰኣል
ብምግባርካ ወይውን ኣብ መናድቕ ናይ ቤትካ ብምግባርካ ትርጉም
ክህበካ ዝኽእል ነቲ እቲ መስቀል ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት
ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቃል፡ ኣብ ህይወትካ ክዉን ብምግባርካ ጥራይ እዩ።
ነቲ ኣብ መስቀል እተገልጸ ፍቕርን ምሕረተን ኣምላኽ እንተደኣ
ተቐቢልካ እሞ በቲ እተቐበልካዮ ምሕረትን ፍቕርን ንምንባር ቀዳማይ
ባህግኻ ጌርካዮ ንስኻ ናይ ብሓቂ ክርስትያን ኢኻ እሞ ንመስቀል ኣብ
መናድቕ ናይ ቤትካ እንተስቐልካ የምሕረልካ እዩ። ኣንታ ነቲ ብናይ
ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተገብረ ሓድሽ ሰብ
ዝለበስካ፡ ንስኻ እቲ ቅኑዕ ነገር ጌርካ ኢኻ እሞ ኣብ ደረት ኣፍልብኻን
ኣብ ገጻት ቀላጽምካን ምልክት መስቀል እንተኣንጠልጠልካን
እንተሰኣልካን፡ ኣብ መጀመርታኻ ኣይተጋገኻን እሞ ጽቡቕ ገበርካ።
ብሓው ሮቤል ኣብርሃ
እዚ ግዜ’ዚ ዝያዳ ኩሉ ነገር ቤት ኣምላኽ ብኹሉ
ነገር ወቂባ እትረኣየሉ ግዜ እዩ እሞ፡ ልብና ንምስራሕ ቤቱ
ብኹሉ ነገር ክንነቅሕን ብኹሉ ትግሃት ከነርእን ንጸሊ
ሃጌ1:1-15
ብኹሉ ሓይሊ ወንጌል ሰፊሑ ክርከብ እሞ ብቑጽሪ ዝድሕና ነፍሳት
ዕዙዛት ክንከዉን፡ ኣምላኽ’ውን ብሓይልን ብምርዳእ መንፈስ
ቅዱስን ብስም የሱስ ክርስቶስ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን
ተኣምራትን ኪኸውን ኢዱ ኪዝርግሕ፡ ንባሮቱ ድማ ብኹሉ ትብዓት
ቃሉ ክንዛረብ ክህበና ንጽሊ። ግብ 4:23-31 ግብ 2:43 ግብ 5:12-14
ግብ10:38።
ስለ እቲ ብብዙሕ መከራን ሽግርን ዝሓልፍ ዘሎ ህዝብናን ስለ እታ
ብኹሉ ሕማቕ ጥራሕ እትፍለጥ ዘላ ሃገርናን ንጸሊ።
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ስለ ስም ጎይታና የሱስ ክርስቶስ መከራ ዝጸግቡ
ዘልዉ ቅዱሳን ኣብ ዘለዉዎ ስፍራ ኣምላኽ ዝድሕኑ ነፍሳት
ኪህቦምን ማእሰርቶም ብጎይታ ምዃኑ’ውን ክግለጽ ንጸሊ። ፊል 1:12-
14 ከምኡ’ውን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቀልጢፎም ክወሃቡና ክፍትሑ
ንጸሊ። ግብ12:1-19
ኣሰር
ኤጳፍራስ
32
32 ......ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ .......ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ
ህይወት ብዓይኒ .........
ተስፋ ኣብ ክርስቶስ
ክርስትያናዊ
ህይወት
መስቀል፡ መልክዕ ጽባቐ ስጋ’ዶ᎒ .........
ኣርእስቲ ጸሎት ወርሒ ሕዳር

More Related Content

What's hot

Bibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw finalBibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw finalEngidaw Ambelu
 
Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5senbet
 
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]Henok Eshetie
 
Gxawie zemene tnsae_4semun
Gxawie zemene tnsae_4semunGxawie zemene tnsae_4semun
Gxawie zemene tnsae_4semunsenbet
 
Gxawie zemene tnsae_2semun
Gxawie zemene tnsae_2semunGxawie zemene tnsae_2semun
Gxawie zemene tnsae_2semunsenbet
 

What's hot (11)

Orthodox christianfamilylesson12
Orthodox christianfamilylesson12Orthodox christianfamilylesson12
Orthodox christianfamilylesson12
 
Bibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw finalBibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw final
 
Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5
 
Benson commentary
Benson commentaryBenson commentary
Benson commentary
 
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
 
Orthodox tewahedomarriage7wb
Orthodox tewahedomarriage7wbOrthodox tewahedomarriage7wb
Orthodox tewahedomarriage7wb
 
Is issa jesus f
Is issa jesus fIs issa jesus f
Is issa jesus f
 
Orthodox tewahedo marriage 3 wb
Orthodox tewahedo marriage   3 wbOrthodox tewahedo marriage   3 wb
Orthodox tewahedo marriage 3 wb
 
Volume 1
Volume 1Volume 1
Volume 1
 
Gxawie zemene tnsae_4semun
Gxawie zemene tnsae_4semunGxawie zemene tnsae_4semun
Gxawie zemene tnsae_4semun
 
Gxawie zemene tnsae_2semun
Gxawie zemene tnsae_2semunGxawie zemene tnsae_2semun
Gxawie zemene tnsae_2semun
 

Similar to ጋዜጣ ቃል መስቀል ካልኣይ ሕታም

Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfTigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfFilipino Tracts and Literature Society Inc.
 
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...Filipino Tracts and Literature Society Inc.
 
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)YiftaleamZerizgi1
 

Similar to ጋዜጣ ቃል መስቀል ካልኣይ ሕታም (20)

Tigrinya - Testament of Dan.pdf
Tigrinya - Testament of Dan.pdfTigrinya - Testament of Dan.pdf
Tigrinya - Testament of Dan.pdf
 
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdfTigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
 
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfTigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
 
TIGRINYA - JUDE.pdf
TIGRINYA - JUDE.pdfTIGRINYA - JUDE.pdf
TIGRINYA - JUDE.pdf
 
Tigrinya - Testament of Asher.pdf
Tigrinya - Testament of Asher.pdfTigrinya - Testament of Asher.pdf
Tigrinya - Testament of Asher.pdf
 
Geez 1
Geez 1Geez 1
Geez 1
 
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdfTigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
 
Tigrinya - Testament of Joseph.pdf
Tigrinya - Testament of Joseph.pdfTigrinya - Testament of Joseph.pdf
Tigrinya - Testament of Joseph.pdf
 
Tigrinya - Tobit.pdf
Tigrinya - Tobit.pdfTigrinya - Tobit.pdf
Tigrinya - Tobit.pdf
 
Tigrinya - Judith.pdf
Tigrinya - Judith.pdfTigrinya - Judith.pdf
Tigrinya - Judith.pdf
 
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdfAmharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
 
Tigrinya - Book of Baruch.pdf
Tigrinya - Book of Baruch.pdfTigrinya - Book of Baruch.pdf
Tigrinya - Book of Baruch.pdf
 
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdfTIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
 
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
 
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdfTigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
 
Tigrinya - Dangers of Wine.pdf
Tigrinya - Dangers of Wine.pdfTigrinya - Dangers of Wine.pdf
Tigrinya - Dangers of Wine.pdf
 
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
 
Tigrinya - Honor Your Parents Your Father and Mother.pdf
Tigrinya - Honor Your Parents Your Father and Mother.pdfTigrinya - Honor Your Parents Your Father and Mother.pdf
Tigrinya - Honor Your Parents Your Father and Mother.pdf
 
Tigrinya - The Precious Blood of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The Precious Blood of Jesus Christ.pdfTigrinya - The Precious Blood of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The Precious Blood of Jesus Christ.pdf
 
Amharic - Prayer of Manasseh.pdf
Amharic - Prayer of Manasseh.pdfAmharic - Prayer of Manasseh.pdf
Amharic - Prayer of Manasseh.pdf
 

ጋዜጣ ቃል መስቀል ካልኣይ ሕታም

  • 1. ሕታም ቁጽሪ 2/2013ሕታም ቁጽሪ 2/2013 ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ትሕዝቶ 1. መስቀል፡ መልክዕ ጽባቐ... 2. ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ 3. ተስፋ ኣብ ክርስቶስ 4.ኣሰርኤጳፍራስ 5.ካብዝን ካብትን ብዛዕባ ጽባቐ ክዝረብ እንከሎ፡ ሓደ ነገር ኣቐዲምናክንፈልጦ ይግብኣና’ዩ ዝብሎ ነገር እንተሎ፡ ንመልከዕ ጽባቐ ሚዛን ሂቡ፡ እዚ ጽቡቕ’ዩ ወይ’ዉን እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን ኢልካ ክትፈላልዮ ዘኽእለካ መለክዒ ከምዘሎን ከከም ከባቢኡን ባህሉን ልምዱን ድማ ዝፈላለ ምዃኑን ምግንዛብ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ንመስቀል ከም ሓደ መመልክዒ ተወሲዱ ኣብ ክሳድ ክንጥልጠልን ኣብ ኣካላት ከም ጽሕፈት ማሕተም ( ክውቀጥን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ዝበልናዮ ሓሊፉ’ውን ክሳዕ ኣብቲ ክትርእዮ ዘንውር ዝኾነ ክፋል ኣካላት ሰብ ተሳኢሉን ተንጠልጢሉን ይርአ። ከምዚ ምግባር ድማ “ስልጣኔ’ዩ ዝበሃለሉ ጊዜ በጺሕና ምህላውና እዩ። እንተኾነ ግና መስቀል ከምቲ ክግበር ንርእዮ ዘሎና ከምኡ ድዩ ትርጉሙ᎒ ክንጥልጠል ወይ ክሰኣል’ከ ንቡር ድዩ᎒ ነዝን ካልእን ንምምላስ ንኣመጻጽኣን ኣበጋግሳን መስቀል ክንርኢኢና። ቅድመ ክርስትና፦ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ መስቀል ቅድመ ክርስትና ምንባሩ ኣስፊሖም እዮም ዝገልጹልና። እዚ ማለት ክርስቶስናብዛ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ መስቀል ዝብል ኣምር ከምዝነበረ ታሪኽ ጭብጡ ወይ መርቶዖታቱ ብምሃብ የብርሃልና። ኣብዚ እንገልጾ ዘሎና ጊዜ፡ መስቀል ከም መመላኽዕን ከም ምልክት ናይ ኣምልኾን ኮይኑ ይቐርብ ምንባሩ ኢና እነንብብ። ንኣብነት ኣብ ቤተ መዘክር እንግሊዝ ናይ ንጉስ ኣሶር ሳምሲ- ቫል ወዲ ሻልማንሰር ምስሊ ይርከብ። ኣብ ከባቢ ክሳዱ ንጹር ዝኾነ መስቀል ኣለዎ። ከምኡ ድማ ምስኡ ኣብቲ ስእሊ ተስኢሉ ዝርከብ ኣሹር- ናስር-ፓል ዝበሃልውን ከምቲ ናይቲ ንጉስ ሓደ ዓይነት ዝኾነ ናይ መስቀል ምስሊ ኣብ ክሳዱ ወድዩ ኣብቲ ምስሊ ይርአ። ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዝነበረት ድያና እትብሃል ጣኦትውን ልክዕ ከምቲ ናይ ማእከላይ ዘመን ሰኣልቲ ንድንግል ማርያም ጌሮም ዝስእልዋ ኣብ ርእሳ መስቀል ጌይራ ተስኢላ ትርከብ። ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ወይኒ ተባሂሉዝፍለጥ ባቹስ ድማ ብመስቀል ዝወቀበ መጎልበቢ ወድዩተሳኢሉይርከብ። ልክዕ ከም ሂንዱስ ግብጻውያንውን ንመስቀል ከም ምልክት( ብብዝሒ ምጥቃም እተፈልጡ እዮም። እምበኣር ካብዚ ኩሉ ክንብሎ ዝጸናሕና እንርድኦ እንተሎ መስቀል ቅድመ ክርስትና ከምዝነበረ እዮ። ጅማሬ መስቀል ከም ምልክት ክርስትና፦ እቲ ዝገርም መስቀል ከም ምልክት ክርስትና ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ይፍለጥ ዘይምንብሩ እዩ። ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ምስ ምልዋጥ ንጉስ ኮንስታንቲን ናብ ክርስትና ዝተለምደ ልማድ ድማ እዩ። ኮንስታንቲን ድሕሪ ብወግዒ ንክርስትና ከም ሓደ ካብ እምነታት ክኸውን ምእዋጁ፡ ንመስቀል፡ ከም ቀንዲ ምልክት ናይ ክርስትና ክኸውን ኣቖሞ። ብፍላይ ከኣ ድሕሪ እቲ ካብ ኣምላኽ ከም ዝተቐበሎ ምዃኑ ዝተዛረበሉ ራእይ፡ ማለት ኣብ ሰማይ ዝረኣዮ ምልክት መስቀልን በቲ ምልክት ድማ ክስዕር ምዃኑ ዝሰምዖ ድምጽን፡ መስቀል ኣብ ክርስትና መሪሕ ምልክት ናይቲ እምነት(ሃይማኖት) ክኸውን ብሰፊሑ ተራዕመ። ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ’ውን ዝርጋሐኡ እናሰፈሐ ከደ እሞ፡ ብመጠን እቲ ዝረኸቦ ዝርጋሐ ድማ መልክዓቱ እናቐያየረ ናብ’ዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና መልክዕ ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ።ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣብ ኣባይቲ ክስርትያናትን ኣብ ኣካላት ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን ብዝተፈላለየ መልክዑ ክጥቀምሉ ዝርአ። ብኸምዚ ዝማዕበለ ልማድ መልክዑ ቀይሩን ቀንዲ ትርጉምን ዕላማን ክርስትያናዊ መስቀል ሃሲሱ ይርከብ። እምበኣርስከ ዕላማን ትርጉምን ክርስትያናዊ መስቀል እንታይ እዩ፧ ብኸመይ መልክዕ’ከ ወይ ኣረዳድኣን ኣተሓሳስባን’ከ ክንግንዘቦ ይግባእ፧ዝብል ሕቶ ብምልዓል ነቲ ሓቀኛ ትርጉሙን መልእኽቱን ክንርድኦ ክንፍትን ኢና። ናብ 3ይ ገጽ ይቅጽል.............. (ካልኣይ ክፋል) 2. ህይወት መዝገብ እያ ነዚ ሓሳብ ንምርዳእ ብክልተ መንገዲ ክንርእዩ ጽቡቕ እዩ። 1. ህይወት ብዝዝገብ ነገርን 2. ህይወት ብምልኣት ልብን 1.ህይወት ብዝዝገብ ነገር፦ ኣብ ራእ20፣11-12 ክንርእይ ከለና ብዛዕባ እቲ መወዳእታ መንበር ፍርዲ ክዛረብ እንከሎ ክልተ ዓይነት መጽሓፍቲ ከምዘሎ የርእየና። ንሳተን ድማ መጽሓፍትን መጽሓፍ ህይወትን እየን፣፣ ኣብዘን መጽሓፍቲ ዝጸሓፍ ድማ ኩሉ እቲ እንገብሮ ግብርታት እዩ፣፣ እቲ ዝገርም ግና እግዚኣብሄር ንናይ ነፍሲ ወከፍና ተግባር ክጽሕፍ ዝውዕል ኣይኮነን። የግዳስ መጽሓፍ ኣምላኽ ሕልና ወዲ ሰብ እዩ። እታ መጽሓፍ ህይወት እታ መጽሓፍ ናይቲ ገንሸል እያ። እተን መጽሓፍቲ ድማ ልቢ የሕዋትና እየን። ኣብዘን ክልተ ዓይነት መጽሓፍቲ እንዝግቦ እምበኣር መዝገብ ህይወት ይኾነና። እምበኣር ኣብ መዝገብ ልቢ የሕዋትና እንታይ ዘጊብና ንኸይድ ንህሉ ክንጥንቀቕ ኣገዳሲ እዩ፣፣ 2. ህይወት ብምልኣት ልቢ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፣ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ”ማቴ 6፣19-21 ኣብቲ ኣሎኒ እትብሎ ልብኻ ኣብኡ እዩ ዝዓርፍ እሞ ልብኻ ዝዓርፈሉ መዝገብካ ኣበይ ኣሎ፧ ነቲ ኣብ ልብኻ ዝመልአ ክትረክብ ዘይትገብሮ ነገር ኣይክህልወካን እዩ። ንህይወት ድማ ከም ምልኣት ልብኻ ክትርእያን ክትነብራን ትጅምር። ናብ 2ይ ገጽ ይቅጽል......................... ምኽንያት እናሃበ ከይትነግር ወንጌል ሓራ ከይተውጽኦም ካብ ናይ ዓለም ዓንኬል ጽቡቕ’ኻ እናበለንበይንኻ ጥራይ ዝለል ስቕ ክትብሎ ንሓውኻ ‘ናኸደ ንሲኦል እሞ ደኣ እንታይ ትገብር ንመን ትጽበ ነቢይ ከተንስኣልካ ብዛዕባኻ ዝንበ ሓለፋ ቃሉ በየን እሞ ክዝረበ ነስተውዕል ደኣ ንሱ’ዩ ዝነጸረ። ደጊም ሽለል ኣይትበልተንስእተበራበር ብናይ ድያብሎስ ሓሶት ከይትብል ደንበርበር ኣገልግሎትካ ኣይትደርቢ ብዝኾነ ነገር ዓስቢ ኣሎ ትቕበሎ ካብ እግዚኣብሄር። ብሳራ ገብረስላሴ ሕዳር 11-2013 ሕዳር 11-2013 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 መልእኽቲ መስቀል ክርስትያናዊ ህይወት 14 4 1 መስቀል፡ መልክዕ ጽባቐ ስጋ’ዶ᎒ መልክዕ ጽባቐ ህይወት᎒ ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ ዓምድታት መልእኽቲ መስቀል ክርስትያናዊ ህይወት ኣሰር ኤጳፍራስ ካብዝን ካብትን ዓምድታት መልእኽቲ መስቀል ክርስትያናዊ ህይወት ኣሰር ኤጳፍራስ ካብዝን ካብትን ሸለል ኣይትበል ሸለል ኣይትበሎ ዕዮኻ ኣጽኒዕካ ተዓጠቕ ሕቖኻ ኣሳእን ወንገል ኣእቱ ኣብ ኣእጋርካ ክጸነዕ ጉዕዞኻ ኣሰር የሱስ ስጓሜኻ ክትነቅሕ ዝጸልእ ጸላኢ ኣሎካ ክትድቅስ ክትታኽስ ዝጽበየካ ከይተንብብ ከይትጽሊ ዘባዕዝዘካ ከይተስተወዕል ቃሉ ከይበርሃልካ ኣስሊኹ ምፍልላይ ዘእቱ ፍቕሪ ዝጸልእ ዕግርግር ዝፈቱ ክገብሮ ዝደሊ ንጉያኻ ከንቱ ከይብለጸልካ ኣይትስሓቶ ውዲቱ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሕቶታት ንህጻናት 1. ኣዕሩኽ ዳኒኤል ክንደይ እዮም፧ ስመዮም። 2. ካብተን ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘለዋ ማሕበራት እተን ዝተናእዳ ክንደይ እየን፧ ስመየን። 3. ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም መን ይበሃል፧ 4. እዛ ኣብ ትሕቲ ካርቱን ዘላ ጥቕሲ ንመን እተዘርበት ቃል እያ፧ 5. እግዚኣብሄር ንዮናስ ናበየነይቲ ከተማ ለኣኾ፧ መልሲ 1)ሰለስተእዮም።ኣስማቶምከኣ፦ሲድራቕ፡ሚስራቕንዓብደኔጎን ይበሃሉ። 2)ክልተእየን።ኣስማተንከኣ፦ማሕበራትፊላደልፍያንሰሚርናን እየን። 3)ወዲሓዉንኣብርሃምሎጥይበሃል። 4)ንቃኤልእተዘርበትቃልእያ። 5)እግዚኣብሄርንዮናስናብተርሰስእትበሃልከተማለኣኾ። ካብዝን ካብትን
  • 2. ህይወት ልዕሊ ካልእ መግለጺታት ብሕብረት መዝገብ ሙሴ እንተድኣ ርኢናዮ መዝገቡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ገይሩ፡ ስለዚ ድማ ካብ መዝገብ ግብጺ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዚዩ ብዙሕ ሃብቲ ጌሩ ቆጸሮ ይብለና። እብ11፡ 24-27 መዝገብ ሃብታም መንእሰይ እንተድኣ ተመልኪትና ድማ መዝገብ ኣብ ሰማይ ክትዝግብ ዘሎካ ሽጥ እሞ ንድኻታት ሃብ ኣብ ዝተባለሉ እናጎሃየ ክኸይድ ኢና እንርእዮ።ማቴ19።16-22 የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምስላ ክምስላ ከሎ ከም ኣብ ሓደ ግራት እተሓብአ ሃብቲ ወይ መዝገብ እሞ ሰብ ረኺቡ ብታሕጓስ ዘለዎ ኩሉ ሸይጡ ዝዕድጋ ብምባል ይምስላ።ከምኡ ውን ጽቡቕ ዑንቂ ክረክብ ሃሰው ኢሉ ዝደሊ ንጋዳይ አሞ ምስ ረኸባ ብታሕጓስ ዘለዎ ሸይጡ ዚዕድጋ ብምባል ይምስላ። ብሉጽ መዝገብ እዩ እሞ ዘለዎ ሸይጡ ንምዕዳግ ይጓየይ። ሉቃ12፡33-34, 1ጢሞ6፡17-19 መዝገብ ጳውሎስከ እንታይ ነበረ፧ ኣብ 2ቆሮ5፡1 ጳውሎስ ዝጽበያ ቤት ከምዘላቶ ይዛረብ። ንኽረኽባ’ውን ብዙሕ ናፍቖትን ምድፍናቕን ከምዝነበሮ ይገልጽ። እዚ ናፍቖትን ምድፍናቕን ድማ ንምልኣት ልቡ ዝገልጽ እዩ። በዚ ድማ መዝገቡ ኣበይ ከምዘሎ የርኢ። ኣብ ፊሊ፡3-9 ክገልጽ እንከሎ እቲ ኣሎኒ ዝብሎ ኩሉ ገዲፉ ወይ ጉሒፉ ነቲ ናይ ክርስቶስ ናተይ ክብሎ ንርኢ። እምበኣርሲ ኩሉ ምልኣት ልብና ኮይኑ ልብና ዝገዝእ መዝገብና ኣበይ ኣሎ፧ ይቕጽል ብሓው ሮቤል ኣብርሃ ሞት ዝብል ቃል ምስ እትሰምዕ ገለ ኣብ ዉሽጥኻ ሰገጥ ዘብል ስምዒት ኣሎዶ፧ እዚ ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ኣብ ውሽጥኻ ብዛዕባ ሞት ከይተንብብ ይዓግተካዶ፧ መልስኻ ነዘን ሕቶታት እወ እንተ ኾይኑ፡ ብትኽክል መልእኽቲ እዛ ጽሕፍቲ ንዓኻ እዩ። እቲ መስታ ባህልናን ባህሪናን ምስ ሞት ምትሕሓዝ ዘለዎ ዘይምቹእ ሓሳባት ከይቃላሓን ክጠፍእን እዩ ዝጽዕት። ግናኸ ሞት ሓደ ዘይተርፍ ዘይፍሕሹው ክውነት እዩ፡ ነዚ ኩነት ክንርስዕ ወይ ክንሓብእ ኣይግባእን፡ ነዚ ክዉንነት እዚ ዝሓብእ ርኢቶታት ድማ መደናግርን ካብ ሓቂ ዝራሓቐ መግለጺን እዩ። ነቲ ዘይምእምእ(ኣሰቃቒ) ክውንነት ሞት ዝስዕር ምላሽ ዘይብሉ ፍልስፍና ወይ ሃይማኖት ንደቂ ስባት ብቑዕ ኣይኮነን ። ንክርስትና ካብ ካልኦት እምነታት ፍልይ ዘብሎ፡ እተፈተነ እወታዊ ንሞት ዝገጥምን ምላሽ ስለዘለዎን እዩ። ዘመናዊ ሕክምና ንዝኾነ ኣካላዊ ሕማም ምስ ዘጓንፍ ስለስተ ናይ ቃል መግለጺታት ክህብ ይድረኽ፡ እዞም መግለጺታት ድማ መርመራዊ መግለጺ (ሳዕቤን ሕማም)፡ ቅድመ ገምጋም (ኣማዓባብላን መጻኢ እቲ ሕማምን)፡ ፈውስን(መድሃኒትን) እዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ስለ ርእሰ-ነገር(ብዛዕባ) ሞት እዞም ሰለስተ መግለጺታት ይህበና። ስለ ሳዕቤን ሞት መጽሓፍቅዱስ ከምዚ ይብል “ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ ሮሜ 5:12። ስለዚ ሞት ብሰሪ ሓጢኣት እዩ መጺኡ። ሓጢኣት እንተ ዘይፍጸም፡ ሞት ድማ ኣይምመጸን ነይሩ፣ ግናኸ ኩሎም ደቂ ሰብ ስለ ዝሓጥኡ፡ ሞት ድማ ናብ ኩሎም ሓለፈ። ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ስለ ምዕባለን መጻኢን እዚ ሕማም(ሞት) መጽሓፍቅዱስ ስለስተ ተኸታተልቲ ደረጃታት ከም ዘለዎ ይዛረብ። ካብዞም ደረጃታት እቲ ቀዳማይ መንፈሳዊ ሞት እዩ። እግዚኣብሄር ንኣዳም እቲ ቀዳማይ ሰብ ካብታ ኦም ፍልጠት ሕማቕን ጽቡቕን ከይበልዕ ክምዚ ኢሉ ኣጠንቀቆ “ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ። “ዘፍ 2:17። ኣብዚ እግዚኣብሄር ንኣዳም “ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ ኢሉ ክዛረቦ ከሎ ንርኢ። ግናኸ ኣዳም ብድሕሪ ምብላዕ ፍረ እታ ኦም 900 ዓመታት ከም ዝነበረ ንምልከት። እዚ እኮ እንተኾነ ኣዳም ምስ እግዚኣብሄር ዝነበሮ ዝምድና ልክዕ ካብታ ኦም ምስ በልዐ እዩ ተቋሪጹ። ኣብቲ ጊዜ ድማ እዩ ኣዳም መንፈሳዊ ሞት ሞይቱ። ጳዉሎስ ንክርስትያናት ኤፌሶን “ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም ኤፌ2:1-2 ኢሉ ብዛዕባ ቅድሚ ንክርስቶስ ምፍላጦም ዝነበርዎ ኩነታት ከዘኻኽሮም ከሎ ንርኢ። ጳዉሎስ ኣብዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞት እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ሞት ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ። ሓንሳብ ሰብ መንፈሳዊ ሞት ምስ ሞተ ንገለ ዓመታት ብስጋ ይነብር እሞ ስጋዊ ሞት ይመውት፡ እዚ ማለት ስጋዊ ህይወቱ ልክዕ ከም ዝምላእ ባተሪ እዩ( ። መንፈሱ ድማ ከም እቲ ነቲ ባተሪ ዝመልእ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝስከም ገመድ እዩ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ እዩ። ሰብ መንፈሳዊ ሞት ስለ ዝሞተ ስጋዊ ሓይሊ ህይወቱ ዳግም ክመልእ ኣይእልን። በተን ዝተረፈኦ ሓይሊ ስጋዊ ህይወቱ ንገለ ዓመታት ይነብር። እቲ ካልኣይ ደረጃ ከኣ ስጋዊ ሞት እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብውን፣ ሳዕቤን እዚ ሞት ድማ፣ መንፈሳዊ ሞት (እቲ ቀዳማይ ደረጃ ሞት) እዩ። እዚ ሞት እዚ ነፍሲ ሰብ ካብ ስጋኡ ምስትፍለ እዩ ዝኸውን። ድሕርዚ ግሁድ ዝኾነ ምቡኽባኽ እቲ ስጋ ሰብ ይርአ። እታ ነፍሲ ካብ ስጋ ሰብ ምስ ተፈለየት ግና ዝኾነ ምቅይያር ኣብ ፍጥረታዊ ክዉንነታ ኣይተርእን። እቲ ሳልሳይ ደረጃ ሞት ድማ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ካልኣይ ሞት ዝብሎ እዩ። እዚ ደረጃ ሞት ግና ብምግላጽ እዛ ጥቅሲ ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ ራኢ 20:14-15 ክንሪኦ ኢና። እዛ ጥቅሲ ብምርዳእ ክንስእላ ከሎና፡ ቀዳማይ እዚ ሳልሳይ ደርጃ ሞት ወይ ድማ ካልኣይ ሞት ዝብሃል ዘሎ መፈጸምታውን ዘለኣለማውን ዘይቅየር ሞት ከም ዝኾነ ንርኢ። እዚ ግድፈት ሰብኣዊ መረዳእታ ህላውነት ኣይኮነን ( ፡ ማለት ኣብዚ ደረጃ ሞት ዝረከባ ነፍሳት ምርዳእ ርእሳዊ ህላውነት ኣለወን ግናኸ ህላውነተን ኣብቲ ቀላይ ሓዊ እዩ። እምብኣርከስ ፈውሲ ናይዚ ሕማም(ሞት) የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ። እወ እቲ ስሌና ሞይቱ ካብ ኢድ ሰይጣን ሕነ- ፈድዩ ዝተበጀወና! እዚ ድማ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብሞቱ ሞትና ብምውሳድ፡ ዕዳ ፍርድናውን ብምኽፋል ካብ ፍርሃት ሞት ሓራ ኣውጺኡና። ወንጌል ዮሃንስ 10 ሰይጣን ክሰርቕን ክሓርድን ከጥፍእን ዝመጸ ሰራቒ ከምዝኾነ፡ የሱስ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ክንረክብ ከም ዝመጸ ይዛረብ። ስለዚ የሱስ ርስትና መሊሱልና፡ ካብቲ ምስኡ ዘለና መንፈሳዊ ዝምድና ዝተላዕለ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሐጉሱን ቅቡላትን ንኸውን። ብክርስቶስ የሱስ ኩነኔ የብልናን፡ ፍርሃት የብልናን። ስለዝኾነ ሓቢርና ምስ ሃዋርያ ዮሃንስ “ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ ክንብል ንኽእል። 1ዮሃ 2:18 ኣብ ዝመጽእ ሕታም ይቕጽል ብፓስቶር ዴሪክ ፕሪንስ ትርጉም ብኣገልጋሊ ኣዳም ፍጹም ዕላመት መስቀል ኣብ ክርስትና፦ ብቐንዱ መስቀል (ከም ዕንጨይቲ) ንክርስትና ይውክልዶ ክንብል ኣገዳሲ እዩ። ካብ መሰረቱ ክንዛረብ እንከሎና፡ መስቀል ከም ዕንጨይቲ ንክርስትና ዝውክል ኣይኮነን። እቲ ምንታይ መስቀል ኣመጻጽእኡ ከምዝተመልከትናዮ ንእምነት ክርስትና ዝውክል ኣይነበረን። ከምኡውን መስቀል ከም መስቀሊ ንመቕጻዕቲ ደኣ እምበር ከም ንመኹርዕን መፈከርን ዝኸውን ዕላመት ኣይኮነን። ንመስቀል ኣብዚ እዋንዚ ምስጢረ ትርጉሙን ዕላማኡን ክትርእዮን ክትርድኦን እንተዘይክኢልካ ካብ ሃይማኖታዊ መፈለጥታን ስምን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህበካ ኣይክእልን እዩ።እንታይ ደኣ እዩ እቲ ቁም ነገሩ፧ መስቀል ከም ምልክት ኣብ ክርስትና ትርጉም ክህልዎ እንተኾይኑ ነቲ ኣብ ልዕሊ መስቀል እተፈጸመ ዕዮ ምስ እትርድኦ ጥራይ እዩ።ናይ ሓቂ መልክዕ ሂቡ ንጽባቐኻ ከድምቖ እንተደኣ ኮይኑ ክንዮ’ቲ ኣብ ክሳድካ ተንጠልጢሉ ዘርእዮ ውቃበ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝፈጥሮ ብመልክዕ ኣምልኽ እተገብረ ብሉጽ ሰብ ዝያዳ ክትግደስን ክትሓስብን ክትርእዮን ምስ እትኽእል ጥራይ እዩ። ዕዮ መስቀልውን ብቐንዱ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝስራሕ ፍጻመ እዩ ዝያዳ ዝገልጽ። ስለዚ እዩ እምበኣር የሱስ ነቶም ደጊኦም ኣጸቢቖም ውሽጦም ግና ዘየዐረዩ ፈሪሳውያን ኣብ ማቴ23 ክነቕፎም እንከሎ ንዕዘብ።ከምዚ ብምባል፡ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓምጻን ምሉእእዩ”።ማቴ23:25-28 ስለዚ መስቀል እምበኣር፡ ልዕሊ እቲ ንደገና(ስጋና) ክህቦ ዝኽእል መልክዕ ጽባቐ ንውሽጥና ዝህቦ መልክዕ ዝያዳ ይዓዝዝ። እንታይ እዩ ግና እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝግለጽ መልክዑ ዝወቀበ ጽባቐ፧ እስከ ኣብ ካልእ ክፍሊ ጽሑፍ ከይከድና ነቲ ንጽሓፍትን ንፈሪሳውያንን ክገብርዎ ዝግብኦም እሞ ዘይገበርዎ ንምንቃፎም መሰረት ዝኾነ ነገር ንርአ። ኣብ ማቴ23፡23 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ ይብል። ኣብዚ ጥቕሲ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኢና ንመሃር፡ ማለት ክልተ ክነጻጸል ወይ ክፈላለ ዘይግብኦ ነገር፡ ንሱ ድማ ምእካብ ዕሽርን ምግባር እቲ ኣውራ ነገርን ማለት ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት። እቲ ነዞም ሰባት ከም ዝንቀፉ ዝገበረ ብደጊኦም ጽቡቓት ብውሽጦም ግና እቲ ኣውራ ነገር ምግባር ስለ ዝረሰዑ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ውሽጥኻ ክርስትያን ዘይኮነ ክነሱ ብደገኻ ግና ክርስትያን ከስምየካ ዝኽእል ነገር እንተ ገበርካ እንታይ እዩ᎒ ውሽጥኻ ብዕዮ መስቀል ዘይዳሓነ ክነሱ አብ ክሳድካ ይኹን አብ ካልእ አካላትካ መስቀል እንተገበርካ እንታይ እዩ᎒ ሓደ እዋን ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብኣይሁድነቶም ዝምክሑ ዝነበሩ ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል “ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ….፡ እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ ሮሜ2:28-29። ስለዚ ኣብ ውሽጥኻ ክርስትያን ምዃን እዩ ክርስትያን ዘብለካ። ሃዋርያ ጴጥሮስውን ኣብ 1ጴጥ3:5 ነተን ደቂ ኣንስትዮ ክመኽረን እንከሎ ከምዚ ብምባል ማለት፡“ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ ይብል። ስለዚ እንታይ ደኣ እዩ እቲ ኣብ ውሽጥና ዝግለጽ ጽባቐ እሞ ብደጌና ኣንጸባሪቕና ክንርአ ዝገብረና፧ እቲ ኣብ መስቀል እተገልጸ ፍቕሪ፡ ተስፋ፡ እምነት፡ ቅድስና፡ ጽድቂ፡ ሰላም፡ ዕረፍቲ፡ ምድሓንን ካልእ ነዚ ዝመስል ነገርንዶ ኣይኮነን እዩ፧ ብእኡዶ ኣይኮነን’ከ ደቂ መዛሙርቲ ምዃንና ከምዝምስከርልና ዝተባህለልና፧“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀመዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ ዮሃ13:34-35። እምበኣር ኣሕዋተይ መጀመርታ ዝስራዕ መጀመርታ ንስራዓዮ እሞ ደሓር እቲ ካልኣዊ ነገራት እንተገበርና ከምሕረልና እዩ። ስለዚ እምበኣር ንመስቀል ከም መግለጺ ጽባቐ ክንርእዮ እንከሎና፡ ንደጋዊዶ ወይስ ንውሽጣዊ መልክዕ ዝያዳ ይገልጽ ንዝብል ሕቶ ክንምልስ ፈቲንና ኣሎና። በዚ ድማ ነቲ ከም መበገሲ ዘልዓልናዮ መዘራረቢ ነጥቢ ብሕጽር ዝበለ ክንገልጾ ክኢልና ኣሎና። ኣብ መወዳእታ፡ መስቀል ኣብ ክሳድካ ብምውዳይካ ወይ ኣብ ኣካላትካ ክሰኣል ብምግባርካ ወይውን ኣብ መናድቕ ናይ ቤትካ ብምግባርካ ትርጉም ክህበካ ዝኽእል ነቲ እቲ መስቀል ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቃል፡ ኣብ ህይወትካ ክዉን ብምግባርካ ጥራይ እዩ። ነቲ ኣብ መስቀል እተገልጸ ፍቕርን ምሕረተን ኣምላኽ እንተደኣ ተቐቢልካ እሞ በቲ እተቐበልካዮ ምሕረትን ፍቕርን ንምንባር ቀዳማይ ባህግኻ ጌርካዮ ንስኻ ናይ ብሓቂ ክርስትያን ኢኻ እሞ ንመስቀል ኣብ መናድቕ ናይ ቤትካ እንተስቐልካ የምሕረልካ እዩ። ኣንታ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተገብረ ሓድሽ ሰብ ዝለበስካ፡ ንስኻ እቲ ቅኑዕ ነገር ጌርካ ኢኻ እሞ ኣብ ደረት ኣፍልብኻን ኣብ ገጻት ቀላጽምካን ምልክት መስቀል እንተኣንጠልጠልካን እንተሰኣልካን፡ ኣብ መጀመርታኻ ኣይተጋገኻን እሞ ጽቡቕ ገበርካ። ብሓው ሮቤል ኣብርሃ እዚ ግዜ’ዚ ዝያዳ ኩሉ ነገር ቤት ኣምላኽ ብኹሉ ነገር ወቂባ እትረኣየሉ ግዜ እዩ እሞ፡ ልብና ንምስራሕ ቤቱ ብኹሉ ነገር ክንነቅሕን ብኹሉ ትግሃት ከነርእን ንጸሊ ሃጌ1:1-15 ብኹሉ ሓይሊ ወንጌል ሰፊሑ ክርከብ እሞ ብቑጽሪ ዝድሕና ነፍሳት ዕዙዛት ክንከዉን፡ ኣምላኽ’ውን ብሓይልን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስን ብስም የሱስ ክርስቶስ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን ኢዱ ኪዝርግሕ፡ ንባሮቱ ድማ ብኹሉ ትብዓት ቃሉ ክንዛረብ ክህበና ንጽሊ። ግብ 4:23-31 ግብ 2:43 ግብ 5:12-14 ግብ10:38። ስለ እቲ ብብዙሕ መከራን ሽግርን ዝሓልፍ ዘሎ ህዝብናን ስለ እታ ብኹሉ ሕማቕ ጥራሕ እትፍለጥ ዘላ ሃገርናን ንጸሊ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ስለ ስም ጎይታና የሱስ ክርስቶስ መከራ ዝጸግቡ ዘልዉ ቅዱሳን ኣብ ዘለዉዎ ስፍራ ኣምላኽ ዝድሕኑ ነፍሳት ኪህቦምን ማእሰርቶም ብጎይታ ምዃኑ’ውን ክግለጽ ንጸሊ። ፊል 1:12- 14 ከምኡ’ውን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቀልጢፎም ክወሃቡና ክፍትሑ ንጸሊ። ግብ12:1-19 ኣሰር ኤጳፍራስ 32 32 ......ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ .......ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ ህይወት ብዓይኒ ......... ተስፋ ኣብ ክርስቶስ ክርስትያናዊ ህይወት መስቀል፡ መልክዕ ጽባቐ ስጋ’ዶ᎒ ......... ኣርእስቲ ጸሎት ወርሒ ሕዳር