SlideShare a Scribd company logo
1 of 3
Download to read offline
ሕታም ቁጽሪ 1/2014ሕታም ቁጽሪ 1/2014
ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail..comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱምሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን
ትሕዝቶ
1. መስቀል፡ጥበብኣምላኽ
2. ህይወት ብዓይኣምላኽ
3. ተስፋ ኣብ ክርስቶስ
4ኣሰርኤጳፍራስ
6.ካብዝን ካብትን
ከም ኣዘራርባ ሰብ ንዕዮ
መስቀል ካብ መጀመርትኡ
ክሳዕ መወዳእትኡ ምስ እንምልከቶ፡
ንኣእምሮና ካብ ምኽባዱ እተላዕለ፡
ስለምንታይ እዚ ኩሉ፡ ካልእ መገዲ
ኣይነበረን ድዩ፧ ዝብል ሕቶ ብምልዓል፡
ኣብቲ ዕዮ፡ ምኽሪ ወይ ርእይቶ ክንህብ
ትንዕ ንብል ወይ ድማ ንምድሓን ዝኸውን ካልእ መገዲ ከምዘሎ
ከነርኢ፡ እጅገና ሰብሲብና እቲ ቁኑዕ እዚ እዩ ኔሩ እናበልና፡ ንርእይቶና
ከነስምረሉ፡ ምሉእ ሓይልን ትብዓትን ክሳዕ ዝህልወና ንኸውን። ከምዚ
ዚዓይነቱ ኣመለኻኽታ ብምሓዝና ድማ ነቲ መስርሕ ዕዮ መስቀል፡
ብተግባርናን ብምኽርናን መገዲ ዕሽነት ከም ዚብሃል ንገብሮ። እቲ
ዘገርም ግን ደቂ ሰባት ከምዚ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣረዳድኣ ብምሓዝና፡
እግዚኣብሄር ዝድነቕ ኣይኮነን። ከምኡውን እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበልና፡
ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣረዳድኣ ክንሰምዕን ክንርእን እንከሎና፡ ከም ሓደ
ሓድሽ ዝኾነ ነገር ኴንና ክንግረም ዝግባእ ኣይኮነን። እቲ ምንታይሲ
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንምኽሪ እቶም ብርእሶም ጠቢባን ዝኾኑ ከጥፍእ፡
ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከንቱ ክገብር ኢሉ እዩ፡ ነዚ
ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ መገዲ ዝመረጸ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንጦስ
ብምኽንያት ዝነበሮም ምፍልላይ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ክጽሕፈሎም
እንከሎ፡ ብኸመይ ዝበለ ጽውዓ ከምእተጸውዑ ከብርሃሎም ምስ ደለየ፡
ንልዕለት ምኽሪ ኣምላኽ ምስ ሓሳብ ደቂ ሰብ እናኣነጻጸረ፡ እቲ ንዓለም
ዕሽነት ብኣምላኽ ግና ጥበብ ዝኾነ ረዚን ውዕለት ከብራሃሎም እንከሎ
ኢና ነስተውዕል። ነዚ ኩሉ ፍልጠት ብምስትውዓል ክርድኦ
ዝኽአልውን መን ምዃኑ ብምግላጽ ድማ ንሕብረቶም ዝኸውን ሰረት
ክስርቱ ብምምዓድ ትምህርቱ የቕርብ። ስለዚ እምበኣር ንልዕለት ምኽሪ
ወይ ሓሳብ ኣምላኽ፡ ንፍሉይነት ኣሰራርሓኡን እቲ ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ
ጥበብ ኣምላኽን ከፋፊልና ክንርእዮ።
1.ልዕለትምኽሪ ኣምላኽ ወይ ሓሳብ ኣምላኽ፦ ሓደ እዋን
እስራኤላውያን ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም እንከለዉ እግዚኣብሄር ካብ
ዮርሳሌም ብነቢይ ኤርምያስ “ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ
እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ
ኣይኰነን፡ ኤር29:11 ብዝብል ቃል ተዛረቦም። እቲ ዝገርም ኣብ ምርኮ
እንዳሃለኻ፡ እቶም ነፍስኻ እተኣመነቶም ነብያት ንዓኻ ጽቡቕ ዝመስል
ነገር ክንበዩልካ እንክለዉን፡ ብኣንጻር ናይ’ዚ ድማ ኩሉ ነገር ክትረክብ
እንከሎኻ ዝስመዓካ ስምዒት ከመይ ከም ዝመስል ንዝንግዖ ኢና
ኣይብልን እየ። እቲ ኮይኑ እቲ ግና ልዕልና ምኽሩ ካብቲ ኩሉ በቲ
ህዝቢ ዝወሃብ ዝነበረ ትንቢታትን መልእኽትታትን ከም ዝበልጽ
ምእንቲ ከርኢ ብደብዳበ መልእኽቲ ተዋህቦም። እቲ ትሕዝቶ ናይቲ
ደብዳበ ብሰፊሑ ኣብቲ ሙሉእ መጽሓፍ ኤርምያስ 29 ንረኽቦ እኳ
እንትኾንና ንምግላጹ ዝኣክል ግና፦
ሀ, ቤት ክሰርሑ እሞ ክነብርሉ
ለ, ኣታኽልቲ ክተኽሉ እሞ ፍሪኡ ክበልዑ
ሐ, ኣንስቲ ከእትዉ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን ክወልዱ
መ, ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣተኣታትዮም ከኣ ክፈርዩን ክበዝሑን
ሰ, ናይ እታ ዝነብሩላ ከተማ ደሓና ክደልዩን ስሊኣ ክልምኑን
ቀንዲ ምኽንያት ናይ እዘን ክገብርወን ዝተቐበልወን ሓሙሽተ
መምሪሕታት፡ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦን ዝመኸሮ ምኽርን ስለ ዘለዎ
እዩ። እዚ ድማ ኣባታቶም ዝመደቦ መደብ ወይ ዝመኸሮ ምኽሪ
እንተኔሩ ን70 ዓመት ኣብታ ከተማ ከምዝቕመጡ ኣቐዲሙ
ስለዝገበሮም እዩ። ወዮ ደኣ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ምርኮ ኴንካ
ኣይተስተውዕሎን ኢኻ ወይ ኣይምችኣካን እዩ እምበር፡ ንሓሳብ ወይ
ምኽሪ ኣምላኽ ብኹሉ ወገን ሓንጎፋይ ኢልካ ክትቅበሎ ኣዝዩ ሰናይ
እዩ። ኣብ ቦታ እዞም ኣብ ምርኮ ዘለዉ እስራኤላውያን ኮይነ ክሓስቦ
እንከለኹ፡ ነዚ ብነቢይ ኤርምያስ እተላእከ መልእኽቲ ኣምላኽ
ንኽቕበልዎ ዘኽእሎም ምቹእ ሃዋህው ኣሎ ኣይብልን እየ። እቲ
ምንታይ፡ ቀዳማይ ኣብ ምርኮ ኣብ ዘይዓድኻ ክትህሉ ጣዕሚ ዝህብ
ኣይኮነን። እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ምርኮ ሓራ ስለ ምውጽኦም
ዝንበዩን ራእይ ዝርእዩን ከምኡውን ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኾም
ናብ ሳልሳይ ገጽ ይቕጽል ..........
(ሳልሳይ ክፋል)
3.ህይወት ጉዕዞ እያ
ህይወት ኣብ መዓልቲዊ ናብራ ዝካየድ ጉዕዞ እያ። ጉዕዞ ከም
ምዃና መጠን ድማ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዋ እያ። ንህይወት
ከም ኣብ ማእከል ባሕሪ እትጓዓዝ መርከብ ክንምስላ ንኽእል። ኣብ
እብ11፡7 ኖህ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ሰርሐ ይብለና። በዛ
መርከብ ጌሩ ድማ ነታ ናብ ጥፍኣት ናብ ሞት እተምርሕ ዝነበረት
ዓለም ኮነና። ጳውሎስ ህይወት ጉዕዞ ምዃና ተረዲኡ ንጉዕዝኡ
ከመይ ከምዝወድኦ ክዛረብ እንከሎ ኣብ2ጢሞ4፡7-8 ጽቡቕ ጌሩ
ይገልጸልና። ጳውሎስ ይግዕዝ ኣለኹ ብምባሉ ክበጽሖ ዝጽበዮ
ከምዘለዎ የብርሃልና። እዚ ድማ ክንዮ እዚ ምድራዊ መዕለቢኡ ወይ
መፈጸምትኡ ካልእ ክንዮ እዚ ዘለዎ መዕለቢ ወይ መፈጸምታ ይጽበን
ተስፋ ይገብርን ኔሩ። ኣብ ፊል3፡12-16 ድማ ኣብ ህይወት ንጉዕዝኡ
ንምፍጻም ዝጠቕሙ ኣገደስቲ ነገራት ይጠቅስ።
ሀ,መበገሲ ጉዕዞ ህይወቱ፦ ኣብ ፍቕዲ12 ጳውሎስ ከምዚ ብምባል
ይጅምር፡- “ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ
ምእንቲ ክረኽቦ፡ ወይ ኣብ ሓት “ክርስቶስ የሱስ ናቱ ስለ
ዝገበረኒ።… ብምባል ይግልጽ። እምበኣር ጳውሎስ መበገሲኡ ካብቲ
ብየሱስ ክርስቶስ ምርካቡ ከምዝጅምር የብርህ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ
ካብ መስቀል ዝጅምር ርኽበት ምኻኑ ርዱእ እዩ። የሱስ ክርስቶስ
ንዓና ኣብ መስቀል እዩ ወሊዱና፡ ንሕናውን መበገሲናን ኣድራሻናን
ኣብ መስቀል እዩ ዝጅምር።
ናብ ካልኣይ ገጽ ይቕጽል.....
ጥሪ 1-2014 ጥሪ 1-2014
ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ
ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን
ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18
ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ
ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን
ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18
መልእኽቲ
መስቀል
14
4 1
መስቀል፡ ጥበብ ኣምላኽ ንምድሓን
ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ
ዓምድታት
መልእኽቲ መስቀል
ክርስትያናዊ ህይወት
ካብዝን ካብትን
ዓምድታት
መልእኽቲ መስቀል
ክርስትያናዊ ህይወት
ካብዝን ካብትን
ክርስትያናዊ
ህይወት
.....ካብ ካልኣይ ገጽ ዝቐጸለ
ተስፋ ኣብ .............
እምነት ንተስፋ ትቅድማ ንእምነት ድማ ፍቅሪ ትቅድማ 1ይቆሮ 13:13 ”
ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡
ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ። ተስፋን እምነትን ክህልዉና ናይ
ግድን እዩ፡ ግናኸ ኣብ ናብራና ግቡእ ቦቶኦም ከነትሕዞም ይግባእ፡ ማለት
ተስፋን እምነት ብተዛማዲ መገዲ ብሓደ እዮም ዝሰርሑ፡ ብዘይ እምነት
ተስፋ ርጉጽ ኣይኮነን ብዘይ ተስፋ እምነት ኣይቅጽልን ። ብዘይ ተስፋ
ምንባር ክትቅጽል ኣይክኣልን እዩ ሮሜ 15፡13 “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ
ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ
ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም”። እግዚኣብሄር ኣምላኽ
ሓጎስ፡ ስላም፡ ሓይሊ፡ ጽድቂ ጥራሕ ኣይኮነን ኣምላኽ ተስፋ’ውን እዩ።
ስለዚ በምእማንካ ብሓጎስን ሰላምን ክትመልእ ከለኻ ከምኡ ድማ ብተስፋ
መሊኡ ክፈሰካ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ኤፌ 2:12 “በቲ ዘመን እቲ
ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ
ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ
ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ኣብዚ እቶም ዝጠፍኡ ብዘይ ኣምላኽ፡
ብዘይ ክርስቶስን ብዘይ ተስፋን እዮም። እምበኣርከስ ተስፋ ካብ
ምድሓንና ዘይንጸል መንፈሳዊ ባእታ እዩ። ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ
ሰብ ቆሎሴ 1:27 ብዛዕባ ዝተረድኦ ሚስጢር ውንጌል ክዛረብ ከሎ
ጳውሎስ ከምዚ ይብል “ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ
እንታይ ምዃኑ ኼፍልጥ ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡
ተስፋ ኽብሪ እዩ። ወንጌል ብምሉኡ ንነብያት ፡ ለባማትን ዓበይቲ ናይ
ቅድም ዘመናት ተሰዊሩ ዘነበረ ዓብይን ግሩምን ምስጢር ዘማእከለ እዩ፡፡
እዚ ሚስጢር ድማ ክርስቶስ ኣባና ምህላውን ንሱውን (ክርስቶስ) ተስፋ
ክብርና ምዃኑን እዩ። እዚ ተስፋ ፍጻሜኡ ኣብ መጻኢ እዩ፡ እቲ ክርስቶስ
ዘለዎ ሰብ ንመጻኢ ተስፋ ኣለዎ፡ እወ ክቡር፡ ብሩህን ርጉጽን ትጽቢት
ዘልኣለማዊ ክብሪ ምስ እግዚኣብሄር ኣለዎ። ኣብ እብራውያን ብዛዕባ
ርጉጽነት ተስፋ እምነትና ከምዚ ይብል “በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን
ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ
ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። ንሳ ድማ
ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም
መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ
ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ አላትና።” እብ
6:18–20። እወ ተስፋና ጽኑዕን ርጉጽን መልህቕ ነፍስና እዩ፡ እዚ
መልህቕ ንግዜን ዝመናትን ሓሊፉ ኣብ ዘልኣለማውነት ናብ ክርስቶስ እቲ
ርእሰ ማኣዝን ዘመናት ፡ ሊቀ ካህናን ሓባሪ መጻኢን ዘብጽሓና እዩ።
መርከብ መልህቕ የድልያ ንምንታይሲ ኣብ ዘይርጉእ ማያት ስለ ተንሳፍፍ፡
እዚ መልህቕ ድማ ነቲ ዘይርጉእ ማያት ሓሊፉ ናብቲ ጽኑዕ ከውሒ ምድሪ
ባሕሪ ይወርድ በዚ ድማ እታ መርከብ ጸኒዓ ትሃድእ ። ልክዕ ከምዚ ድማ
መልህቕካ(ተስፋኻ) ካብ ማይ(ግዜ) ኣሕሊፍካ ናብ ከውሒ
(ዘልኣለማውነት) ምድሪ ባሕሪ ምስ እትሰዶ ውሑስ ተስፋ ትኸዉን ።
ርእስኻ ናብቲ ምስ የሱስ ዘሎካ ዝምድና ምስ ተውፍራ ፡ መልህቕካ
(ተስፋኻ) ናብቲ ናይቲ ዘመናት ከውሒ ርእሰ ማእዝን ኢኻ ተቁርን ዘለኻ
እሞ ኩሉሞ ነፋሳትን ማዕበላትን ካብዚ ከውሒ (ክርስቶስ) ክፈልዩኻ
ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ኩሉ ሳዕ ርእስና ከነተስፉ ይግባእ፡ ኣብ ሂወተይ
ብተስፋ ክኸዉን ከለኹን ካብ ተስፋ ክጎድል ከሎኹን ፍልልዩ ከም
መዓልትን ለይትን እዩ። ንርእሰይ ብክርስቶስ ከተስፉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ
ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ዉጽኢቱ ድማ ዓቢ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።ንገዛእ
ርእስኻ ምትስፋዉ ከተለማምዳ፡ ኩሉ ሳዕ ኣእምሮኻ ብቃል ኣምላኽ
ምግዛእ ይሓትት። ስለዚ ቁራዕ ርእሲ(ቁራዕ ተስፋ) ንከደን፡ ሓሳብትና
ንሓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ነግዝኣዮ።
ትርጉም፡ ኣገልጋሊ ኣዳም ፍጹም
1. ኣቦ ኣብርሃም መን እዩ፧
2. ንጢሞቴዎስ ኣዲኡን ዓባዩን መነ መን ይበሃላ፧
3. ንያቆብ ካልኣይ ስሙ እንታይ እዩ፧
4. እቲ ንሰብ ተሰሎንቄ ምሉኣትን ብኹሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን
ክኾኑ ብጸሎቱ ዝጋደለሎም ዝነበር መን ይበሃል፧
ሕቶታት ንህጻናት
መልሲ
1.ታራ
2.ኣዲኡኤውኒቄ፡ዓባዩከኣሎኢስይበሃላ።
3.እስራኤል
4.ኤጳፍራስ
መአረምታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና መልሲ ናይ ሕቶ ቁ.5 ተርሰስ ዘይኮነስ ነነዌ ምዃኑ
ምስናይ ይቕሬታ ንሓትት።
ሕታም ቁጽሪ 1/2014ሕታም ቁጽሪ 1/2014
ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail..comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱምሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን
ትሕዝቶ
1. መስቀል፡ጥበብኣምላኽ
2. ህይወት ብዓይኣምላኽ
3. ተስፋ ኣብ ክርስቶስ
4ኣሰርኤጳፍራስ
6.ካብዝን ካብትን
ከም ኣዘራርባ ሰብ ንዕዮ
መስቀል ካብ መጀመርትኡ
ክሳዕ መወዳእትኡ ምስ እንምልከቶ፡
ንኣእምሮና ካብ ምኽባዱ እተላዕለ፡
ስለምንታይ እዚ ኩሉ፡ ካልእ መገዲ
ኣይነበረን ድዩ፧ ዝብል ሕቶ ብምልዓል፡
ኣብቲ ዕዮ፡ ምኽሪ ወይ ርእይቶ ክንህብ
ትንዕ ንብል ወይ ድማ ንምድሓን ዝኸውን ካልእ መገዲ ከምዘሎ
ከነርኢ፡ እጅገና ሰብሲብና እቲ ቁኑዕ እዚ እዩ ኔሩ እናበልና፡ ንርእይቶና
ከነስምረሉ፡ ምሉእ ሓይልን ትብዓትን ክሳዕ ዝህልወና ንኸውን። ከምዚ
ዚዓይነቱ ኣመለኻኽታ ብምሓዝና ድማ ነቲ መስርሕ ዕዮ መስቀል፡
ብተግባርናን ብምኽርናን መገዲ ዕሽነት ከም ዚብሃል ንገብሮ። እቲ
ዘገርም ግን ደቂ ሰባት ከምዚ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣረዳድኣ ብምሓዝና፡
እግዚኣብሄር ዝድነቕ ኣይኮነን። ከምኡውን እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበልና፡
ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣረዳድኣ ክንሰምዕን ክንርእን እንከሎና፡ ከም ሓደ
ሓድሽ ዝኾነ ነገር ኴንና ክንግረም ዝግባእ ኣይኮነን። እቲ ምንታይሲ
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንምኽሪ እቶም ብርእሶም ጠቢባን ዝኾኑ ከጥፍእ፡
ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከንቱ ክገብር ኢሉ እዩ፡ ነዚ
ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ መገዲ ዝመረጸ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንጦስ
ብምኽንያት ዝነበሮም ምፍልላይ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ክጽሕፈሎም
እንከሎ፡ ብኸመይ ዝበለ ጽውዓ ከምእተጸውዑ ከብርሃሎም ምስ ደለየ፡
ንልዕለት ምኽሪ ኣምላኽ ምስ ሓሳብ ደቂ ሰብ እናኣነጻጸረ፡ እቲ ንዓለም
ዕሽነት ብኣምላኽ ግና ጥበብ ዝኾነ ረዚን ውዕለት ከብራሃሎም እንከሎ
ኢና ነስተውዕል። ነዚ ኩሉ ፍልጠት ብምስትውዓል ክርድኦ
ዝኽአልውን መን ምዃኑ ብምግላጽ ድማ ንሕብረቶም ዝኸውን ሰረት
ክስርቱ ብምምዓድ ትምህርቱ የቕርብ። ስለዚ እምበኣር ንልዕለት ምኽሪ
ወይ ሓሳብ ኣምላኽ፡ ንፍሉይነት ኣሰራርሓኡን እቲ ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ
ጥበብ ኣምላኽን ከፋፊልና ክንርእዮ።
1.ልዕለትምኽሪ ኣምላኽ ወይ ሓሳብ ኣምላኽ፦ ሓደ እዋን
እስራኤላውያን ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም እንከለዉ እግዚኣብሄር ካብ
ዮርሳሌም ብነቢይ ኤርምያስ “ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ
እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ
ኣይኰነን፡ ኤር29:11 ብዝብል ቃል ተዛረቦም። እቲ ዝገርም ኣብ ምርኮ
እንዳሃለኻ፡ እቶም ነፍስኻ እተኣመነቶም ነብያት ንዓኻ ጽቡቕ ዝመስል
ነገር ክንበዩልካ እንክለዉን፡ ብኣንጻር ናይ’ዚ ድማ ኩሉ ነገር ክትረክብ
እንከሎኻ ዝስመዓካ ስምዒት ከመይ ከም ዝመስል ንዝንግዖ ኢና
ኣይብልን እየ። እቲ ኮይኑ እቲ ግና ልዕልና ምኽሩ ካብቲ ኩሉ በቲ
ህዝቢ ዝወሃብ ዝነበረ ትንቢታትን መልእኽትታትን ከም ዝበልጽ
ምእንቲ ከርኢ ብደብዳበ መልእኽቲ ተዋህቦም። እቲ ትሕዝቶ ናይቲ
ደብዳበ ብሰፊሑ ኣብቲ ሙሉእ መጽሓፍ ኤርምያስ 29 ንረኽቦ እኳ
እንትኾንና ንምግላጹ ዝኣክል ግና፦
ሀ, ቤት ክሰርሑ እሞ ክነብርሉ
ለ, ኣታኽልቲ ክተኽሉ እሞ ፍሪኡ ክበልዑ
ሐ, ኣንስቲ ከእትዉ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን ክወልዱ
መ, ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣተኣታትዮም ከኣ ክፈርዩን ክበዝሑን
ሰ, ናይ እታ ዝነብሩላ ከተማ ደሓና ክደልዩን ስሊኣ ክልምኑን
ቀንዲ ምኽንያት ናይ እዘን ክገብርወን ዝተቐበልወን ሓሙሽተ
መምሪሕታት፡ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦን ዝመኸሮ ምኽርን ስለ ዘለዎ
እዩ። እዚ ድማ ኣባታቶም ዝመደቦ መደብ ወይ ዝመኸሮ ምኽሪ
እንተኔሩ ን70 ዓመት ኣብታ ከተማ ከምዝቕመጡ ኣቐዲሙ
ስለዝገበሮም እዩ። ወዮ ደኣ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ምርኮ ኴንካ
ኣይተስተውዕሎን ኢኻ ወይ ኣይምችኣካን እዩ እምበር፡ ንሓሳብ ወይ
ምኽሪ ኣምላኽ ብኹሉ ወገን ሓንጎፋይ ኢልካ ክትቅበሎ ኣዝዩ ሰናይ
እዩ። ኣብ ቦታ እዞም ኣብ ምርኮ ዘለዉ እስራኤላውያን ኮይነ ክሓስቦ
እንከለኹ፡ ነዚ ብነቢይ ኤርምያስ እተላእከ መልእኽቲ ኣምላኽ
ንኽቕበልዎ ዘኽእሎም ምቹእ ሃዋህው ኣሎ ኣይብልን እየ። እቲ
ምንታይ፡ ቀዳማይ ኣብ ምርኮ ኣብ ዘይዓድኻ ክትህሉ ጣዕሚ ዝህብ
ኣይኮነን። እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ምርኮ ሓራ ስለ ምውጽኦም
ዝንበዩን ራእይ ዝርእዩን ከምኡውን ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኾም
ናብ ሳልሳይ ገጽ ይቕጽል ..........
(ሳልሳይ ክፋል)
3.ህይወት ጉዕዞ እያ
ህይወት ኣብ መዓልቲዊ ናብራ ዝካየድ ጉዕዞ እያ። ጉዕዞ ከም
ምዃና መጠን ድማ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዋ እያ። ንህይወት
ከም ኣብ ማእከል ባሕሪ እትጓዓዝ መርከብ ክንምስላ ንኽእል። ኣብ
እብ11፡7 ኖህ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ሰርሐ ይብለና። በዛ
መርከብ ጌሩ ድማ ነታ ናብ ጥፍኣት ናብ ሞት እተምርሕ ዝነበረት
ዓለም ኮነና። ጳውሎስ ህይወት ጉዕዞ ምዃና ተረዲኡ ንጉዕዝኡ
ከመይ ከምዝወድኦ ክዛረብ እንከሎ ኣብ2ጢሞ4፡7-8 ጽቡቕ ጌሩ
ይገልጸልና። ጳውሎስ ይግዕዝ ኣለኹ ብምባሉ ክበጽሖ ዝጽበዮ
ከምዘለዎ የብርሃልና። እዚ ድማ ክንዮ እዚ ምድራዊ መዕለቢኡ ወይ
መፈጸምትኡ ካልእ ክንዮ እዚ ዘለዎ መዕለቢ ወይ መፈጸምታ ይጽበን
ተስፋ ይገብርን ኔሩ። ኣብ ፊል3፡12-16 ድማ ኣብ ህይወት ንጉዕዝኡ
ንምፍጻም ዝጠቕሙ ኣገደስቲ ነገራት ይጠቅስ።
ሀ,መበገሲ ጉዕዞ ህይወቱ፦ ኣብ ፍቕዲ12 ጳውሎስ ከምዚ ብምባል
ይጅምር፡- “ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ
ምእንቲ ክረኽቦ፡ ወይ ኣብ ሓት “ክርስቶስ የሱስ ናቱ ስለ
ዝገበረኒ።… ብምባል ይግልጽ። እምበኣር ጳውሎስ መበገሲኡ ካብቲ
ብየሱስ ክርስቶስ ምርካቡ ከምዝጅምር የብርህ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ
ካብ መስቀል ዝጅምር ርኽበት ምኻኑ ርዱእ እዩ። የሱስ ክርስቶስ
ንዓና ኣብ መስቀል እዩ ወሊዱና፡ ንሕናውን መበገሲናን ኣድራሻናን
ኣብ መስቀል እዩ ዝጅምር።
ናብ ካልኣይ ገጽ ይቕጽል.....
ጥሪ 1-2014 ጥሪ 1-2014
ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ
ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን
ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18
ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ
ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን
ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18
መልእኽቲ
መስቀል
14
4 1
መስቀል፡ ጥበብ ኣምላኽ ንምድሓን
ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ
ዓምድታት
መልእኽቲ መስቀል
ክርስትያናዊ ህይወት
ካብዝን ካብትን
ዓምድታት
መልእኽቲ መስቀል
ክርስትያናዊ ህይወት
ካብዝን ካብትን
ክርስትያናዊ
ህይወት
.....ካብ ካልኣይ ገጽ ዝቐጸለ
ተስፋ ኣብ .............
እምነት ንተስፋ ትቅድማ ንእምነት ድማ ፍቅሪ ትቅድማ 1ይቆሮ 13:13 ”
ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡
ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ። ተስፋን እምነትን ክህልዉና ናይ
ግድን እዩ፡ ግናኸ ኣብ ናብራና ግቡእ ቦቶኦም ከነትሕዞም ይግባእ፡ ማለት
ተስፋን እምነት ብተዛማዲ መገዲ ብሓደ እዮም ዝሰርሑ፡ ብዘይ እምነት
ተስፋ ርጉጽ ኣይኮነን ብዘይ ተስፋ እምነት ኣይቅጽልን ። ብዘይ ተስፋ
ምንባር ክትቅጽል ኣይክኣልን እዩ ሮሜ 15፡13 “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ
ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ
ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም”። እግዚኣብሄር ኣምላኽ
ሓጎስ፡ ስላም፡ ሓይሊ፡ ጽድቂ ጥራሕ ኣይኮነን ኣምላኽ ተስፋ’ውን እዩ።
ስለዚ በምእማንካ ብሓጎስን ሰላምን ክትመልእ ከለኻ ከምኡ ድማ ብተስፋ
መሊኡ ክፈሰካ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ኤፌ 2:12 “በቲ ዘመን እቲ
ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ
ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ
ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ኣብዚ እቶም ዝጠፍኡ ብዘይ ኣምላኽ፡
ብዘይ ክርስቶስን ብዘይ ተስፋን እዮም። እምበኣርከስ ተስፋ ካብ
ምድሓንና ዘይንጸል መንፈሳዊ ባእታ እዩ። ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ
ሰብ ቆሎሴ 1:27 ብዛዕባ ዝተረድኦ ሚስጢር ውንጌል ክዛረብ ከሎ
ጳውሎስ ከምዚ ይብል “ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ
እንታይ ምዃኑ ኼፍልጥ ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡
ተስፋ ኽብሪ እዩ። ወንጌል ብምሉኡ ንነብያት ፡ ለባማትን ዓበይቲ ናይ
ቅድም ዘመናት ተሰዊሩ ዘነበረ ዓብይን ግሩምን ምስጢር ዘማእከለ እዩ፡፡
እዚ ሚስጢር ድማ ክርስቶስ ኣባና ምህላውን ንሱውን (ክርስቶስ) ተስፋ
ክብርና ምዃኑን እዩ። እዚ ተስፋ ፍጻሜኡ ኣብ መጻኢ እዩ፡ እቲ ክርስቶስ
ዘለዎ ሰብ ንመጻኢ ተስፋ ኣለዎ፡ እወ ክቡር፡ ብሩህን ርጉጽን ትጽቢት
ዘልኣለማዊ ክብሪ ምስ እግዚኣብሄር ኣለዎ። ኣብ እብራውያን ብዛዕባ
ርጉጽነት ተስፋ እምነትና ከምዚ ይብል “በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን
ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ
ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። ንሳ ድማ
ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም
መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ
ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ አላትና።” እብ
6:18–20። እወ ተስፋና ጽኑዕን ርጉጽን መልህቕ ነፍስና እዩ፡ እዚ
መልህቕ ንግዜን ዝመናትን ሓሊፉ ኣብ ዘልኣለማውነት ናብ ክርስቶስ እቲ
ርእሰ ማኣዝን ዘመናት ፡ ሊቀ ካህናን ሓባሪ መጻኢን ዘብጽሓና እዩ።
መርከብ መልህቕ የድልያ ንምንታይሲ ኣብ ዘይርጉእ ማያት ስለ ተንሳፍፍ፡
እዚ መልህቕ ድማ ነቲ ዘይርጉእ ማያት ሓሊፉ ናብቲ ጽኑዕ ከውሒ ምድሪ
ባሕሪ ይወርድ በዚ ድማ እታ መርከብ ጸኒዓ ትሃድእ ። ልክዕ ከምዚ ድማ
መልህቕካ(ተስፋኻ) ካብ ማይ(ግዜ) ኣሕሊፍካ ናብ ከውሒ
(ዘልኣለማውነት) ምድሪ ባሕሪ ምስ እትሰዶ ውሑስ ተስፋ ትኸዉን ።
ርእስኻ ናብቲ ምስ የሱስ ዘሎካ ዝምድና ምስ ተውፍራ ፡ መልህቕካ
(ተስፋኻ) ናብቲ ናይቲ ዘመናት ከውሒ ርእሰ ማእዝን ኢኻ ተቁርን ዘለኻ
እሞ ኩሉሞ ነፋሳትን ማዕበላትን ካብዚ ከውሒ (ክርስቶስ) ክፈልዩኻ
ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ኩሉ ሳዕ ርእስና ከነተስፉ ይግባእ፡ ኣብ ሂወተይ
ብተስፋ ክኸዉን ከለኹን ካብ ተስፋ ክጎድል ከሎኹን ፍልልዩ ከም
መዓልትን ለይትን እዩ። ንርእሰይ ብክርስቶስ ከተስፉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ
ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ዉጽኢቱ ድማ ዓቢ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።ንገዛእ
ርእስኻ ምትስፋዉ ከተለማምዳ፡ ኩሉ ሳዕ ኣእምሮኻ ብቃል ኣምላኽ
ምግዛእ ይሓትት። ስለዚ ቁራዕ ርእሲ(ቁራዕ ተስፋ) ንከደን፡ ሓሳብትና
ንሓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ነግዝኣዮ።
ትርጉም፡ ኣገልጋሊ ኣዳም ፍጹም
1. ኣቦ ኣብርሃም መን እዩ፧
2. ንጢሞቴዎስ ኣዲኡን ዓባዩን መነ መን ይበሃላ፧
3. ንያቆብ ካልኣይ ስሙ እንታይ እዩ፧
4. እቲ ንሰብ ተሰሎንቄ ምሉኣትን ብኹሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን
ክኾኑ ብጸሎቱ ዝጋደለሎም ዝነበር መን ይበሃል፧
ሕቶታት ንህጻናት
መልሲ
1.ታራ
2.ኣዲኡኤውኒቄ፡ዓባዩከኣሎኢስይበሃላ።
3.እስራኤል
4.ኤጳፍራስ
መአረምታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና መልሲ ናይ ሕቶ ቁ.5 ተርሰስ ዘይኮነስ ነነዌ ምዃኑ
ምስናይ ይቕሬታ ንሓትት።
ህይወት ብዓይኒ........
......ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ
መበገሲና ምፍላጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ህይወት ካበይ ተበጊስካ ምስ
እትፈልጥ መቐረታ ኣዚዩ እዩ ዝርድኣካ። ኣብቲ ምብጋስካ ናበይ ኢኻ፧
ብኸመይከ ክትከይድ ኢኻ፧ ዝብሉ ናይ ጉዕዞ መሰረታዊ ሕቶታት
ክትምልስ የኽእለካ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ንእትህሉ መርከብ ካበይ ተብጊሳ
ብብሩህ ዝኾነ መንገዲ ከተነጽሮ ኣገዳሲ እዩ። ምስ እተነጽሮ ድማ ጉዕዞኣ
ብሩህን ንጽሩን ይኸውን። ናበይ ከምእትኸይድ ድማ ኣብ ምጅማራ እያ
እትፈልጥ።
ለ, ዕላማ ተልእኾ፡- ናበይ ገጽካ ትኸይድ ከምዘልኻ ምፍላጥ ካብቶም
ንጉዕዞ ህይወትካ ዕውት ካብ ዝገብርዎ ቀንዲ ረቛሒታት እዩ። መርከብ
ቅድሚ ምብጋሳ ናበይ ክትበጽሕ ትብገስ ምህላዋ ክትፈልጥ የድልያ።
መወዳእታ ናይ ህይወት ከይተረደኣ እትጓዓዝ ነፍሲ ብሃሰሰለባም እያ
እትኽይድ። ኣብ መንገዳ ድማ ዘጓንፋ ዘዝረኸባ እያ እትገብር። ንምንታይ
ትነብርውን ህይወት ነዛ ነብሲ ብርህቲ ኣይኮነትን። ጳውሎስ ንመንገዱ
ናበይ ገጹ እዩ፡ ከምኡ’ውን መወዳእትኡ ኣበይ ክበጽሕ እዩ ኣጸቢቑ
ይርዳእ ኔሩ። ነዛ መወዳእታ ክረኽባ ድማ ብኹሉ ጻዕሩ ይጎዪ ኔሩ።
ንሕና’ውን ኣሕዋተይ ካበይ ከምእተበገስና ብምርዳእ ናበይ እዩ
መወዳእታና ኩሉ እዋን ኣብ ልብና እናሰኣልናዮ ክንከይድ ከገድሰና እዩ።
ክርስትያናት ተብሂልና ክንስመ እንከለና እንታይ ክንረክብ ኢልና ኢና
ከም ክርስትያናት ንጓዓዝ ዘለና፧ ጳውሎስ ነዛ ሕቶ ክምልስ ከምዚ
ይብል፦ ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ
ክረኽቦ፡ንቕድሚት እደፍእ ኣለኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ከም ዝረኸብክዎ
ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከምዝኾንኩ ኣይኮነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ
ብርእሰይ ከምዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ
ድሕረይ ዘሎ እንረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ
ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ
ብክርስቶስ የሱስ እጎዪ ኣለኽ”ፊል3፡12-13። ከምኡ’ውን ኣብ 1ቆሮ9፡26,
“ስለዚ ኣነ እጎዪ ኣለኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጎዪ ኣይኮንኩን።
እምክት ኣለኹ፡ከምቲ ንንፋስ ዝወቅዕ ግና ኣይኮንኩን። ብምባል ንጹር
ዝኾነ ዕላማ ህይወት ከምዘለዎ የብርህ።
ሐ,ተልእኾ ጉዕዞ፦ እዚ ኣርእስቲ ነቲ ኣብቲ ጉዕዞ ኮይንና እንመላለሶ
ዓይነት ምምልላስ ዘመልክት እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ 2ጢሞ2፡3
-6 ከምዚ ብምባል ኣብ ህይወት ጉዕዞኡ ከመይ ኢሉ ክመላለስ ከምዘለዎ
ብተምሳልያዊ ኣብነት ይሕብሮ፡-
1.ንፉዕ ናይ የሱስ ክርስቶስ ዓቀይታይ ወይ ወትሃደር። መቸም ስለ ንፉዕ
ወትሃደር ተምሳሉ ዝያዳ ካልእ ከም ህዝቢ ንዓና ኣጸቢቑ ይርድኣና።
ካብተን ከም ወትሃደር ክኾነን ዘለዎ ኢሉ ክሕብሮ ከሎ ድማ፡-
1.1,ንመከራ ዝተዳልወ ይኸውን
ነቲ ዝዓቀዮ ከስምር ኩሉ እዋን ዝሕልን
ብናይ መነባብሮኡ ዘይጠላለፍ (ተወከስ- ዘዳ20፡5-8)
2,ኣብ ስፍራ መቃለሲ ኮይኑ ዚቃለስ ተቓላሳይ። እዚ ተቓላሳይ ከምቲ
ሕጊ ናይ ቃልሲ ጌሩ እንተዘይ ተቓለሰ ወላ ተዓዊተ ክብል እንተኸኣለ
ዓስቡ ግና ክቕበል ኣይክእልን እዩ። ካብ ሕጊ ወጻኢ ጌሩ ይቃለስ ስለዘሎ
ካብ ጸወታ ወጻኢ ተብሂሉ ካብ ጸወታ ከምዝእለ እዩ ዝግበር። ከምኡ ከኣ
ኣብ ህይወት ጉዕዞ ከምቲ ዝግባእ ኴንና ክንከይድ እንተዘይክኢልና
ኣብቲ መወዳእታ ዓስቢ ኣይክህልወናን እዩ። ጳውሎስ ነቲ ኣብ ስፍራ
መቃለሲ ኮይኑ ዝቃለስ ተቓላሳይ ከመይ ጌሩ ክቃለስ ከምዘለዎ ከብርህ
እንከሎ እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብኹሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ(ገዛእ
ርእሱ መሊኹ) እዩ፡ ይብለና።
ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን
3,ዝዓዪ ሓረስታይ( ። ጻዕራም ሓረስታይ
ቅድም ካብቲ ብብዙሕ ጽዒሩ ዝዓየዮ ዕዮ ተረባሒ ወይ በዓል ዓስቢ
ምዃኑ ተረዲኡ ብምልኣት ጻዕሩ ኣብቲ ሕርሽኡ እዩ ዘፍስስ። ከምኡ ድማ
ንሕና ተልእኾ ህይወት ብዝህቦ ረብሓ ወይ ዓስቢ ተረባሕቲ ምዃንና
ብምስትውዓል ንዕዮ እዚ ተልእኾ ክንጽዕትን ኣበርቲዕና ክንዓዪን ኣዝዩ
ከድልየና እዩ።
መ, መዕለቢ ወይ መፈጸምታ እቲ ጉዕዞ ፦ መዕለቢኡ ዘይፈልጥ ተጓዓዛይ
ጉዕዞኡ ክፍጽም እዩ ኢለካ ክትሓስብ መቸም ዝከኣል ኣይመስለንን።
ጳውሎስ ንኹሉ እቲ ጉዕዞ ህይወቱ ብጽቡቕ ወይ ብዓወት ክፍጽሞ ካብ
ዘኽኣሎ ምኽንያት ሓደ ናበይ ይኸይድ ምንባሩ ይፈልጥ ስለዝነበር እዩ።
ከምዚ ብምባል ከኣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ክረኽቦ ዝመጣጠሮ ዝነበረ ነገር
ይገልጾ፦ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ
ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጎዪ ኣለኹ”ፊሊ3፡14። ከምኡውን ኣብ
እብ11፡13-16 ንዘሎ ሓሳብ እንተድኣ ተመልኪትናዮ፡ እቶም ኣቦታት ናብ
ሓደ መዕለቢ ዘለዎ ይጓዓዙ ከምዝነበሩ ንርዳእ። መዕለቢኦም ድማ ካብዛ
ምድራዊ ዝበለጸት ከተማ፡ ዝበለጸ መዕረፍን ቦታን ናብ ዝረኽብሉ
እዮም ዝኸዱ ኔሮም። ኣምላኽ ዝበለጸት ከተማ ኣዳልዩሎም እዩ እሞ ናይ
ኣምላኽ ክበሃሉ ፈጺሞም ኣይሓፍሩን። ስለዚ ድማ ንርእስኦም ኣብዛ
ምድሪ ከም ግዚያውያን፡ ከምስደተኛታትን ኣጋይሽን ቆጺሮም ዝጓዓዙ
ዝነበሩ። እምበኣር ኣሕዋተይ ንርእስና፡ ንህይወት ጉዕዞና፡ ኣብቲ
ዘይጽምሉ ዘይረክስ ተስፋ ዘለዎ ቦታ ንግበረላ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካባና
ዘይፍለያ ኩሉ ግዜ ምሳና ክንማለአን ዘለና ወይ ምሳና ክህልዋ ዘለወን
ሰለስተ ነገራት ኣለዋ። እዘን ሰልስተ ነገራት ድማ ኣብ ፊሊ3፡12-21
ብጽቡቕ ተገሊጸን ንረኽበን። ንሳተን ድማ፡-
1.ተስፋ፦ ቁ. 14 ናብቲ ዓስቢ ዓወት። ቁ. 20-21 “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ
ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ
ኣሎና። ንሱ በቲ ንኹሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ
ምእንቲ ኺመሲል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።”
2.እምነት፦ቁ.13 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን
ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ
ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጥርኩ፡”
3.ፍቕሪ ፦ቁ. 15-16 እምበኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ኩሉና እዚ ንሕሰብ
ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተኾይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ
ኪገልጸልኩም እዩ። እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ
ንመላለስ።
ይቕጽል ብሓው ሮቤል ኣብርሃ
ተስፋ ኣብ ክርስቶስ
(ካልኣይ ክፋል)
ስለዚ ተስፋ ይሃሉኻ
ተስፋ ሓደ ካብቲ ግሩም ዝኾነ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ
።ኣብ ሮሜ 4:18 ኣብርሃም ካብ እግዚኣብሄር ተስፋ ዉሉድ ማለት
ይስሓቕ ከምተቐበለ ንርኢ፡ እዚ ተስፋ ድማ ኣብርሃም ምስ ብዓልቲ ቤቱ
ሳራን ኣሪጎም ስግኦም ደኺሙ ክወልዱ ኣብዘይክእልሉ ክፍሊ ዕድሚኦም
ከለው እዩ ተዋሂብዎ፡: ኣብርሃም ግና ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን
ብተስፋ ኣመነ”ሮሜ 4:18 ፡ ኣመነ ስለዚ ድማ ተስፋ ገበረ። ኣብዚ ቅድም
እምነት ድሕሪኡ ድማ ተስፋ ወይ ድማ ተስፋ ውጽኢት(ፍረ) ምእማን
ከም ዝኾነ ንርኢ፡ እዚ እብ እብ 11:1 “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ
ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ።” ግልጽ ኢሉ
ንርእዮ። ስለዚ እምነት መሰረት ርጉጽነት ተስፋ እያ፡ በዚ ድማ ተስፋ
ኣብ እምነት ትሙርከስ። ናብ ራብዓይ ገጽ ይቕጽል......
...........ጥበብ ኣምላኽ ንምድሓን
..........ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ
ሕልሚ ሓሊምና ኣለና እሞ ሓራ ምውጻእና ቀረባ እዩ ዝብሉ ነብያትን
ጠንቆልትን ብዙሓት ብምንባሮም እዩ። ኣብዚ ከምዚ እዋን እምበኣር እዩ
እቲ ልዑል ዝኾነ ሓሳብ ኣምላኽ እተገልጸ። ልዕልና ምኽሪ ኣምላኽ ካብ
ካልኦት ምኽርታት ወይ ሓሳባት ኣብ ብዙሕ ክዝርዘሩ ዝኽእሉ
ምኽንያታት ምርኩስ ከምዝገብር ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ጽሙቕ
ኣቢልና ግና ኣብ ሓቅነቱን ከኣልነቱን ወይውን እሙኑነቱን እዩ ሰረት
ዝገበር ኢልና ክንጥቕልሎ ንኽእል። ምናልባት ከም ኣዘራርባ ወይ
ኣጠማምታ ሰብ እሞ ኣብ ንስጋኻ ክምችኦ ዘይክእል ቦታ ኴንካ “ምኽሪ
ኣምላኽ ልዑል እዩ ክትብል ከቢድ እዩ። ግናኸ ሓቅነቱን እሙኑነቱን
እንተደኣ ተረዲኡካን ተገንዚብካዮን ንልዕልናኡ ክትገልጽ ወይ ክትእውጅ
ክቐለልካ እዩ። ስለዚ እምበኣር እዩ ዓለም ወይ እቶም ለባማት ኢና
በሃልቲ ንዕዮ መስቀል ንምድሓን “እዚ ምኽሪ ልዑል እዩ ብምባል
ንልዕልናኡ ክቕበሉ ዘየኽእሎም። ኣምሳይኡ ናይ ኩሉ ሰብ ሓጢያት ኣብ
ሓደ ሰብ ክትፍደዮ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል መርትዖታቶም የቕርቡ
እሞ ንሓሳብ መልእኽቲ መስቀልን፡ ንዕዮን ተግባርን መስቀል ከንቱ
ሙዃኑ ብትምህርታቶምን ተግባራቶምን ከርእዩ ብዙሕ ይጽዕሩ።
ብኣንጻሩ ግና፡ ንእተቐበሎ ዘበለ ኩሉ ብሓቂ ልዑል ምኽሪ እዩ እሞ
ምድሓን ክህቦ ብቑዕ እዩ።
2.ፍሉይነት ኣሰራርሓ ኣምላኽ፦ ንፍሉይነት ኣሰራርሓ ኣምላኽ ካብ
ኩሉ ዓይነት ኣሰራርሓ ንምግላጽ ብብዙሕ ኣመላኻኽታን ስፍሕ ዝበለ
ቦታን ዘድሊ ምዃኑ ከይረሳዕና፡ ንምርድኡ ዝኣክል ግና ብሓንቲ መገዲ
ክንርኢ ኢና። ኣብ ኩሉ ዘመናትን ታሪኽን እተራእየ ናይ ፍልስፍና
መድረኻትን ብሓድሽ ቋንቋን ኣመለኻኽታን እተገልጸ እንተኔሩ የሱስ
ጥራይ እዩ። ተግባሩን ቋንቅኡን ብሓደ ዓይነት ስራሕን ድምጽን
ብዓውታን ብግሉጽን “ፍቕሪ ዝብል ዋሕዚ ናይ ህይወት ዘለዎ ሓረግ
ብምምጻእ ንልቢ ብዙሓት ኣረስረሰ። መግለጺ ፍቕሩ ክንዮ ቃላቱ
ተግባሩ ዓዚዙ፡ ተግባሩ ኣብ መስቀል ብርእዮ ብምዃኑ፡ ንፍጡር ዘበለ
ኣገረመ እሞ ስለ ተግባር ፍቕሩ ድማ ምስክሩ ንዘላለም ጽኑዕ ኮይኑ
ይነብር ኣሎ። ፍቕሩ ካብ ተግባራዊ ምዃኑ ሓሊፉ ዘይቅድመ-ኩነታዊ
ንኹሉ ስለዝኾነ፡ ኣብ መኣዲ ፍቕሩ ዝሓብሩ ብዙሓትን ካብ ዝተፈላለየን
እዮም። ንዘለኣም ዝኸውን ፍቕሪ ስለዘለዎ ድማ ብትብዓትን
ተኣማንነትን ኣብ ደምበ መጓሴኡ ብሓጎስን ብብቕዓትን ንምንባር ንኹሉ
የኽእሎ። ዘገርም ፍሉይ ኣሰራርሓ ምዃኑ ግዲ ተረዲኦም፡ ኣሕዋትና
ዘመርቲ ዮናታንን ሶስናን “ኣሰራርሓኻ ፍሉይ ብምባል ዝደረስሉ። እቶም
ኣብ ኣእጋር የሱስ ኮይኖም እተማህሩ ደቀ መዛምርቱ እንተኾኑውን
ብፍሉይነት ኣሰራርሓን ኣነባብራን መምህሮም ብፍሉይ ናይ ባህርን ናይ
ኣረዳድኣን ለውጢ ክገብሩ እንከለዉ ኢና እንዕዘብ። መን ኣሎ ብዳርባ
እምኒ እናተጨፍጨፈ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እናበለ ምሕረት ስለ
እቶም ቀተልቱ ናብ ኣምላኽ ዝልምን፧ መን ኣሎ ገበን ዘይብሉ ክንሱ ኣብ
መጋባኣያ እናተኾነነ ብታሕጓስ ገጹ በሪሁ ዝወጽእ፧ መን ኣሎ ተኸትኪቱ
ብመቑሕ ተኣሲሩ እናሃለወ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽ ዝስውእ፧ ብሓቂ
እቶም ንፍሉይነት ኣሰራርሓ ኣምላኽ እተረዱ ጥራይ እዮም። ክንዮ እዚ
ዝበልናዮ ብዙሕ ካልእ ክንብል ንኽእል ኔርና ኢና፡ እንተኾነ ከም መጠን
ዓቕሚ ትሕዝቶ ጋዜጣና በዛ ናይ ሃ.ጳውሎስ ስለ ኣሰራርሓ ኣምላኽ
መግለጺ ዝሃባ ንንኡስ ኣርእስትና ክንዛዝሞ፡ “ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ
ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡
ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ
መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ እሞ
ዝፍደዮ፧ ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ
ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን (ሮሜ11፡33-36)።
3.ጥበብ ኣምላኽ ዕሽነት ንዓለም፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ክልተ ዓይነት
ጥበብ ከምዘለዋ ይዛረብ። ንሳተን ድማ፡ እታ ቀዳመይቲ ኣምላኻዊት
ወይ ሰማያዊት ወይውን ናይ ላዕሊ ተብሂላ እትፍለጥ እያ። እታ
ካልኣይቲ ድማ ሰይጣናዊት ወይ ምድራዊት ወይውን ስጋዊት እያ
(ያእ3፡15-16)። ኣብታ ቀዳመይቲ ማለት ሰማያዊት ኴንካ ነታ
ካልኣይቲ ማለት ምድራዊት ንተግባራ ዕሽነት እዩ ኢልካ ክትኩንኖ
ቀሊል እዩ። ከምኡ ድማ ኣብታ ምድራዊት ኴንካ ነታ ሰማያዊት ዝኾነት
ጥበብ ናይ ሓቂ ጥበብ ኮይና ንምድሓን ክትኮነልካ ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣምላኽ ብኣሰራርሕእኡ ፍሉይ ስለዝኾነን ኩሉ ፍጥረቱ ኣብ
ኣሰራርሕእኡ ክእመን ስለዝደልዮን ካብ ትጽቢት ኩሉ ኣእምሮ ዝኾነ
መገዲ ክጥቀም ኢና ንርእዮ። ንኣብነት እቶም ብገዛእ ርእሶም ለባማትን
ፈላጣትን ምዃኖም ዝእመኑ፡ ንኽሓፍሩ፡ ኣምላኽ ንዓታቶም ዕሽነት
ብዝኾነ መገዲ ንናይ ምድሓን መስርሕ ከም ዝፍጽሞ ገበረ(1ቆሮ3፡18-
20, እዮ5፡13)። ብገዛእ ርእስኻ ጥበብኛ ከም ዝኾንካ ትሓስብ
እንተደኣ ኴንካ ንናይ ኣምላኽ መስርሕ ምድሓን ማለት መስቀል
ክትቅበል ክኸብደካ እዩ። ነዚ እዩ ሃ.ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝጸሓፈ፡
“ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ
ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም”(1ቆሮ2፡8)። ኣብ
ካልእ ጽሑፍውን ከምዚ ክብል ንርጉጽነት ናይዚ ንብሎ ዘለና ሓሳብ
ከስምረሉ ከሎ ንርኢ። ከምዚ ብምባል፦ “ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር
ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ
ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ ስለዚ ዓለም ብጥበባ
ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም
ዚኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ (1ቆሮ1፡20-21)
። ስለዚ ድማ እዩ እዚ ከምዚ ዝበለ ክብሩን ሰፊሕን ጥበብ ኣምላኽ
ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ። እምበኣር ኣሕዋተየ፡ ምንም እኳ እዚ ክቡር
መስርሕ ምድሓን ንዓለም ዕሽነት እንተኾነ፡ ነቶም ነዚ መስርሕ
ምድሓን “ብሓቂ ብሉጽ ጥበብ እዩ ብምባል እተቐበልናዮን
ዝኣመንናዮን ዘበልና ግና፡ ምስቲ ነዚ መስርሕ ዘዳለወ ኣምላኽና ኴንና
ምኡዝ ህይወት ከነስተማቕር ኪዳኑ ጽኑዕ እዩ። ብዘይካ እዚ ድማ፡
እዚ ጥበብ እዚ፡ ኣምላኽ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኩሎም መገዲ
ክብረቶም ክኸውን ኢሉ ቅድሚ ዘመናት ኣዳለዎ። “እምብኣርስ ኣብ
ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ
ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ
ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም
ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና”(1ቆሮ2፡6-7)።
እምበኣር ኣሕዋተይ፡ ንኸምዚ ዝበለ ምኡዝ ህይወት ምስ ኣምላኽን
ክብሪ ዝህብ ጥበብን ኢና ተጸዊዕና እሞ ንምሕራይናን ጽውዓናን
ነስተብህለሉ። ጥበብ ናይ እዛ ዓለም ማራኽን ክቡር ዝመስልን እዩ፡
እንተኾነ ግና ሓላፊ እዩ። ከምቲ ንሽዑኡ ተራእዩ ዝበንን ጽገሬዳን
መሰረት ዘይብሉ ቀልጢፉ ዝሃምም ህንጻን እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ክቡር
ጥበብ ጥበብካዶ ክትገብሮ ትደሊ ኢኻ፧ ክትገብሮ እንተደለኻ ግርም
ገበርካ፡ ግናኸ ኣብ ዓለም ዓሻ ክትከውን ከድልየካ እዩ። መገድኻ
ሰሚሩልካ ክትርኢዶ ትደሊ ኢኻ፧ ሕጂውን ግርም ገበርካ፡ ግናኸ ወላ
ደኣ ዘይተጋገኻ ኩን፡ ብሚዛን ዓለምሲ መገዱ እተጋገየ ዓሻ ክትበሃል
ኢኻ። “...ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ
እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን”(1ቆሮ318-20)።
ስለዚ ኣምበኣር፡ መስቀል ጥበብ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ነዚ
ጥበብ’ዚ፡ ጥበብናን ክብርናን ንግበሮ።
ብሓው ሮቤል ኣብርሃ
32
32
ክርስትያናዊ
ህይወት

More Related Content

What's hot

Bibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw finalBibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw finalEngidaw Ambelu
 
Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5senbet
 
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]Henok Eshetie
 
Gxawie zemene tnsae_4semun
Gxawie zemene tnsae_4semunGxawie zemene tnsae_4semun
Gxawie zemene tnsae_4semunsenbet
 
Gxawie zemene tnsae_2semun
Gxawie zemene tnsae_2semunGxawie zemene tnsae_2semun
Gxawie zemene tnsae_2semunsenbet
 
Gxawie tri5 10
Gxawie tri5 10Gxawie tri5 10
Gxawie tri5 10senbet
 
Teawitka belwo ተዓዊትካ በልዎ
Teawitka belwo ተዓዊትካ በልዎTeawitka belwo ተዓዊትካ በልዎ
Teawitka belwo ተዓዊትካ በልዎsenbet
 

What's hot (12)

Orthodox christianfamilylesson12
Orthodox christianfamilylesson12Orthodox christianfamilylesson12
Orthodox christianfamilylesson12
 
Bibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw finalBibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw final
 
Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5
 
Benson commentary
Benson commentaryBenson commentary
Benson commentary
 
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
 
Is issa jesus f
Is issa jesus fIs issa jesus f
Is issa jesus f
 
Gxawie zemene tnsae_4semun
Gxawie zemene tnsae_4semunGxawie zemene tnsae_4semun
Gxawie zemene tnsae_4semun
 
Gxawie zemene tnsae_2semun
Gxawie zemene tnsae_2semunGxawie zemene tnsae_2semun
Gxawie zemene tnsae_2semun
 
Abews proverb
Abews proverbAbews proverb
Abews proverb
 
Gxawie tri5 10
Gxawie tri5 10Gxawie tri5 10
Gxawie tri5 10
 
Orthodox tewahedomarriage7wb
Orthodox tewahedomarriage7wbOrthodox tewahedomarriage7wb
Orthodox tewahedomarriage7wb
 
Teawitka belwo ተዓዊትካ በልዎ
Teawitka belwo ተዓዊትካ በልዎTeawitka belwo ተዓዊትካ በልዎ
Teawitka belwo ተዓዊትካ በልዎ
 

Similar to ጋዜጣ ቃል መስቀል ሳልሳይ ሕታም

Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfTigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfFilipino Tracts and Literature Society Inc.
 
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...Filipino Tracts and Literature Society Inc.
 
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)YiftaleamZerizgi1
 

Similar to ጋዜጣ ቃል መስቀል ሳልሳይ ሕታም (20)

TIGRINYA - JUDE.pdf
TIGRINYA - JUDE.pdfTIGRINYA - JUDE.pdf
TIGRINYA - JUDE.pdf
 
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfTigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
 
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdfTigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
 
Tigrinya - Testament of Dan.pdf
Tigrinya - Testament of Dan.pdfTigrinya - Testament of Dan.pdf
Tigrinya - Testament of Dan.pdf
 
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdfTIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
 
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdfTigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
 
Tigrinya - Judith.pdf
Tigrinya - Judith.pdfTigrinya - Judith.pdf
Tigrinya - Judith.pdf
 
Tigrinya - Tobit.pdf
Tigrinya - Tobit.pdfTigrinya - Tobit.pdf
Tigrinya - Tobit.pdf
 
Tigrinya - Testament of Joseph.pdf
Tigrinya - Testament of Joseph.pdfTigrinya - Testament of Joseph.pdf
Tigrinya - Testament of Joseph.pdf
 
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdfTigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
 
Tigrinya - Philemon.pdf
Tigrinya - Philemon.pdfTigrinya - Philemon.pdf
Tigrinya - Philemon.pdf
 
Tigrinya - Testament of Asher.pdf
Tigrinya - Testament of Asher.pdfTigrinya - Testament of Asher.pdf
Tigrinya - Testament of Asher.pdf
 
Tigrinya - Book of Baruch.pdf
Tigrinya - Book of Baruch.pdfTigrinya - Book of Baruch.pdf
Tigrinya - Book of Baruch.pdf
 
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
Tigrinya - The Gospel of Nicodemus formerly called The Acts of Pontius Pilate...
 
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
 
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdfAmharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
 
Tigrinya - Obadiah.pdf
Tigrinya - Obadiah.pdfTigrinya - Obadiah.pdf
Tigrinya - Obadiah.pdf
 
Geez 1
Geez 1Geez 1
Geez 1
 
Tigrinya - The Epistle of Paul the Apostle to the Laodiceans.pdf
Tigrinya - The Epistle of Paul the Apostle to the Laodiceans.pdfTigrinya - The Epistle of Paul the Apostle to the Laodiceans.pdf
Tigrinya - The Epistle of Paul the Apostle to the Laodiceans.pdf
 
Tigrinya - Testament of Benjamin.pdf
Tigrinya - Testament of Benjamin.pdfTigrinya - Testament of Benjamin.pdf
Tigrinya - Testament of Benjamin.pdf
 

ጋዜጣ ቃል መስቀል ሳልሳይ ሕታም

  • 1. ሕታም ቁጽሪ 1/2014ሕታም ቁጽሪ 1/2014 ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail..comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱምሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ትሕዝቶ 1. መስቀል፡ጥበብኣምላኽ 2. ህይወት ብዓይኣምላኽ 3. ተስፋ ኣብ ክርስቶስ 4ኣሰርኤጳፍራስ 6.ካብዝን ካብትን ከም ኣዘራርባ ሰብ ንዕዮ መስቀል ካብ መጀመርትኡ ክሳዕ መወዳእትኡ ምስ እንምልከቶ፡ ንኣእምሮና ካብ ምኽባዱ እተላዕለ፡ ስለምንታይ እዚ ኩሉ፡ ካልእ መገዲ ኣይነበረን ድዩ፧ ዝብል ሕቶ ብምልዓል፡ ኣብቲ ዕዮ፡ ምኽሪ ወይ ርእይቶ ክንህብ ትንዕ ንብል ወይ ድማ ንምድሓን ዝኸውን ካልእ መገዲ ከምዘሎ ከነርኢ፡ እጅገና ሰብሲብና እቲ ቁኑዕ እዚ እዩ ኔሩ እናበልና፡ ንርእይቶና ከነስምረሉ፡ ምሉእ ሓይልን ትብዓትን ክሳዕ ዝህልወና ንኸውን። ከምዚ ዚዓይነቱ ኣመለኻኽታ ብምሓዝና ድማ ነቲ መስርሕ ዕዮ መስቀል፡ ብተግባርናን ብምኽርናን መገዲ ዕሽነት ከም ዚብሃል ንገብሮ። እቲ ዘገርም ግን ደቂ ሰባት ከምዚ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣረዳድኣ ብምሓዝና፡ እግዚኣብሄር ዝድነቕ ኣይኮነን። ከምኡውን እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበልና፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣረዳድኣ ክንሰምዕን ክንርእን እንከሎና፡ ከም ሓደ ሓድሽ ዝኾነ ነገር ኴንና ክንግረም ዝግባእ ኣይኮነን። እቲ ምንታይሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንምኽሪ እቶም ብርእሶም ጠቢባን ዝኾኑ ከጥፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከንቱ ክገብር ኢሉ እዩ፡ ነዚ ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ መገዲ ዝመረጸ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንጦስ ብምኽንያት ዝነበሮም ምፍልላይ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ክጽሕፈሎም እንከሎ፡ ብኸመይ ዝበለ ጽውዓ ከምእተጸውዑ ከብርሃሎም ምስ ደለየ፡ ንልዕለት ምኽሪ ኣምላኽ ምስ ሓሳብ ደቂ ሰብ እናኣነጻጸረ፡ እቲ ንዓለም ዕሽነት ብኣምላኽ ግና ጥበብ ዝኾነ ረዚን ውዕለት ከብራሃሎም እንከሎ ኢና ነስተውዕል። ነዚ ኩሉ ፍልጠት ብምስትውዓል ክርድኦ ዝኽአልውን መን ምዃኑ ብምግላጽ ድማ ንሕብረቶም ዝኸውን ሰረት ክስርቱ ብምምዓድ ትምህርቱ የቕርብ። ስለዚ እምበኣር ንልዕለት ምኽሪ ወይ ሓሳብ ኣምላኽ፡ ንፍሉይነት ኣሰራርሓኡን እቲ ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ ጥበብ ኣምላኽን ከፋፊልና ክንርእዮ። 1.ልዕለትምኽሪ ኣምላኽ ወይ ሓሳብ ኣምላኽ፦ ሓደ እዋን እስራኤላውያን ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም እንከለዉ እግዚኣብሄር ካብ ዮርሳሌም ብነቢይ ኤርምያስ “ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ኤር29:11 ብዝብል ቃል ተዛረቦም። እቲ ዝገርም ኣብ ምርኮ እንዳሃለኻ፡ እቶም ነፍስኻ እተኣመነቶም ነብያት ንዓኻ ጽቡቕ ዝመስል ነገር ክንበዩልካ እንክለዉን፡ ብኣንጻር ናይ’ዚ ድማ ኩሉ ነገር ክትረክብ እንከሎኻ ዝስመዓካ ስምዒት ከመይ ከም ዝመስል ንዝንግዖ ኢና ኣይብልን እየ። እቲ ኮይኑ እቲ ግና ልዕልና ምኽሩ ካብቲ ኩሉ በቲ ህዝቢ ዝወሃብ ዝነበረ ትንቢታትን መልእኽትታትን ከም ዝበልጽ ምእንቲ ከርኢ ብደብዳበ መልእኽቲ ተዋህቦም። እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ደብዳበ ብሰፊሑ ኣብቲ ሙሉእ መጽሓፍ ኤርምያስ 29 ንረኽቦ እኳ እንትኾንና ንምግላጹ ዝኣክል ግና፦ ሀ, ቤት ክሰርሑ እሞ ክነብርሉ ለ, ኣታኽልቲ ክተኽሉ እሞ ፍሪኡ ክበልዑ ሐ, ኣንስቲ ከእትዉ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን ክወልዱ መ, ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣተኣታትዮም ከኣ ክፈርዩን ክበዝሑን ሰ, ናይ እታ ዝነብሩላ ከተማ ደሓና ክደልዩን ስሊኣ ክልምኑን ቀንዲ ምኽንያት ናይ እዘን ክገብርወን ዝተቐበልወን ሓሙሽተ መምሪሕታት፡ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦን ዝመኸሮ ምኽርን ስለ ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ ኣባታቶም ዝመደቦ መደብ ወይ ዝመኸሮ ምኽሪ እንተኔሩ ን70 ዓመት ኣብታ ከተማ ከምዝቕመጡ ኣቐዲሙ ስለዝገበሮም እዩ። ወዮ ደኣ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ምርኮ ኴንካ ኣይተስተውዕሎን ኢኻ ወይ ኣይምችኣካን እዩ እምበር፡ ንሓሳብ ወይ ምኽሪ ኣምላኽ ብኹሉ ወገን ሓንጎፋይ ኢልካ ክትቅበሎ ኣዝዩ ሰናይ እዩ። ኣብ ቦታ እዞም ኣብ ምርኮ ዘለዉ እስራኤላውያን ኮይነ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ነዚ ብነቢይ ኤርምያስ እተላእከ መልእኽቲ ኣምላኽ ንኽቕበልዎ ዘኽእሎም ምቹእ ሃዋህው ኣሎ ኣይብልን እየ። እቲ ምንታይ፡ ቀዳማይ ኣብ ምርኮ ኣብ ዘይዓድኻ ክትህሉ ጣዕሚ ዝህብ ኣይኮነን። እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ምርኮ ሓራ ስለ ምውጽኦም ዝንበዩን ራእይ ዝርእዩን ከምኡውን ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ናብ ሳልሳይ ገጽ ይቕጽል .......... (ሳልሳይ ክፋል) 3.ህይወት ጉዕዞ እያ ህይወት ኣብ መዓልቲዊ ናብራ ዝካየድ ጉዕዞ እያ። ጉዕዞ ከም ምዃና መጠን ድማ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዋ እያ። ንህይወት ከም ኣብ ማእከል ባሕሪ እትጓዓዝ መርከብ ክንምስላ ንኽእል። ኣብ እብ11፡7 ኖህ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ሰርሐ ይብለና። በዛ መርከብ ጌሩ ድማ ነታ ናብ ጥፍኣት ናብ ሞት እተምርሕ ዝነበረት ዓለም ኮነና። ጳውሎስ ህይወት ጉዕዞ ምዃና ተረዲኡ ንጉዕዝኡ ከመይ ከምዝወድኦ ክዛረብ እንከሎ ኣብ2ጢሞ4፡7-8 ጽቡቕ ጌሩ ይገልጸልና። ጳውሎስ ይግዕዝ ኣለኹ ብምባሉ ክበጽሖ ዝጽበዮ ከምዘለዎ የብርሃልና። እዚ ድማ ክንዮ እዚ ምድራዊ መዕለቢኡ ወይ መፈጸምትኡ ካልእ ክንዮ እዚ ዘለዎ መዕለቢ ወይ መፈጸምታ ይጽበን ተስፋ ይገብርን ኔሩ። ኣብ ፊል3፡12-16 ድማ ኣብ ህይወት ንጉዕዝኡ ንምፍጻም ዝጠቕሙ ኣገደስቲ ነገራት ይጠቅስ። ሀ,መበገሲ ጉዕዞ ህይወቱ፦ ኣብ ፍቕዲ12 ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይጅምር፡- “ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ክረኽቦ፡ ወይ ኣብ ሓት “ክርስቶስ የሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ።… ብምባል ይግልጽ። እምበኣር ጳውሎስ መበገሲኡ ካብቲ ብየሱስ ክርስቶስ ምርካቡ ከምዝጅምር የብርህ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ካብ መስቀል ዝጅምር ርኽበት ምኻኑ ርዱእ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብ መስቀል እዩ ወሊዱና፡ ንሕናውን መበገሲናን ኣድራሻናን ኣብ መስቀል እዩ ዝጅምር። ናብ ካልኣይ ገጽ ይቕጽል..... ጥሪ 1-2014 ጥሪ 1-2014 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 መልእኽቲ መስቀል 14 4 1 መስቀል፡ ጥበብ ኣምላኽ ንምድሓን ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ ዓምድታት መልእኽቲ መስቀል ክርስትያናዊ ህይወት ካብዝን ካብትን ዓምድታት መልእኽቲ መስቀል ክርስትያናዊ ህይወት ካብዝን ካብትን ክርስትያናዊ ህይወት .....ካብ ካልኣይ ገጽ ዝቐጸለ ተስፋ ኣብ ............. እምነት ንተስፋ ትቅድማ ንእምነት ድማ ፍቅሪ ትቅድማ 1ይቆሮ 13:13 ” ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ። ተስፋን እምነትን ክህልዉና ናይ ግድን እዩ፡ ግናኸ ኣብ ናብራና ግቡእ ቦቶኦም ከነትሕዞም ይግባእ፡ ማለት ተስፋን እምነት ብተዛማዲ መገዲ ብሓደ እዮም ዝሰርሑ፡ ብዘይ እምነት ተስፋ ርጉጽ ኣይኮነን ብዘይ ተስፋ እምነት ኣይቅጽልን ። ብዘይ ተስፋ ምንባር ክትቅጽል ኣይክኣልን እዩ ሮሜ 15፡13 “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም”። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓጎስ፡ ስላም፡ ሓይሊ፡ ጽድቂ ጥራሕ ኣይኮነን ኣምላኽ ተስፋ’ውን እዩ። ስለዚ በምእማንካ ብሓጎስን ሰላምን ክትመልእ ከለኻ ከምኡ ድማ ብተስፋ መሊኡ ክፈሰካ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ኤፌ 2:12 “በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ኣብዚ እቶም ዝጠፍኡ ብዘይ ኣምላኽ፡ ብዘይ ክርስቶስን ብዘይ ተስፋን እዮም። እምበኣርከስ ተስፋ ካብ ምድሓንና ዘይንጸል መንፈሳዊ ባእታ እዩ። ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሎሴ 1:27 ብዛዕባ ዝተረድኦ ሚስጢር ውንጌል ክዛረብ ከሎ ጳውሎስ ከምዚ ይብል “ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጥ ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ። ወንጌል ብምሉኡ ንነብያት ፡ ለባማትን ዓበይቲ ናይ ቅድም ዘመናት ተሰዊሩ ዘነበረ ዓብይን ግሩምን ምስጢር ዘማእከለ እዩ፡፡ እዚ ሚስጢር ድማ ክርስቶስ ኣባና ምህላውን ንሱውን (ክርስቶስ) ተስፋ ክብርና ምዃኑን እዩ። እዚ ተስፋ ፍጻሜኡ ኣብ መጻኢ እዩ፡ እቲ ክርስቶስ ዘለዎ ሰብ ንመጻኢ ተስፋ ኣለዎ፡ እወ ክቡር፡ ብሩህን ርጉጽን ትጽቢት ዘልኣለማዊ ክብሪ ምስ እግዚኣብሄር ኣለዎ። ኣብ እብራውያን ብዛዕባ ርጉጽነት ተስፋ እምነትና ከምዚ ይብል “በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ አላትና።” እብ 6:18–20። እወ ተስፋና ጽኑዕን ርጉጽን መልህቕ ነፍስና እዩ፡ እዚ መልህቕ ንግዜን ዝመናትን ሓሊፉ ኣብ ዘልኣለማውነት ናብ ክርስቶስ እቲ ርእሰ ማኣዝን ዘመናት ፡ ሊቀ ካህናን ሓባሪ መጻኢን ዘብጽሓና እዩ። መርከብ መልህቕ የድልያ ንምንታይሲ ኣብ ዘይርጉእ ማያት ስለ ተንሳፍፍ፡ እዚ መልህቕ ድማ ነቲ ዘይርጉእ ማያት ሓሊፉ ናብቲ ጽኑዕ ከውሒ ምድሪ ባሕሪ ይወርድ በዚ ድማ እታ መርከብ ጸኒዓ ትሃድእ ። ልክዕ ከምዚ ድማ መልህቕካ(ተስፋኻ) ካብ ማይ(ግዜ) ኣሕሊፍካ ናብ ከውሒ (ዘልኣለማውነት) ምድሪ ባሕሪ ምስ እትሰዶ ውሑስ ተስፋ ትኸዉን ። ርእስኻ ናብቲ ምስ የሱስ ዘሎካ ዝምድና ምስ ተውፍራ ፡ መልህቕካ (ተስፋኻ) ናብቲ ናይቲ ዘመናት ከውሒ ርእሰ ማእዝን ኢኻ ተቁርን ዘለኻ እሞ ኩሉሞ ነፋሳትን ማዕበላትን ካብዚ ከውሒ (ክርስቶስ) ክፈልዩኻ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ኩሉ ሳዕ ርእስና ከነተስፉ ይግባእ፡ ኣብ ሂወተይ ብተስፋ ክኸዉን ከለኹን ካብ ተስፋ ክጎድል ከሎኹን ፍልልዩ ከም መዓልትን ለይትን እዩ። ንርእሰይ ብክርስቶስ ከተስፉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ዉጽኢቱ ድማ ዓቢ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።ንገዛእ ርእስኻ ምትስፋዉ ከተለማምዳ፡ ኩሉ ሳዕ ኣእምሮኻ ብቃል ኣምላኽ ምግዛእ ይሓትት። ስለዚ ቁራዕ ርእሲ(ቁራዕ ተስፋ) ንከደን፡ ሓሳብትና ንሓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ነግዝኣዮ። ትርጉም፡ ኣገልጋሊ ኣዳም ፍጹም 1. ኣቦ ኣብርሃም መን እዩ፧ 2. ንጢሞቴዎስ ኣዲኡን ዓባዩን መነ መን ይበሃላ፧ 3. ንያቆብ ካልኣይ ስሙ እንታይ እዩ፧ 4. እቲ ንሰብ ተሰሎንቄ ምሉኣትን ብኹሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ክኾኑ ብጸሎቱ ዝጋደለሎም ዝነበር መን ይበሃል፧ ሕቶታት ንህጻናት መልሲ 1.ታራ 2.ኣዲኡኤውኒቄ፡ዓባዩከኣሎኢስይበሃላ። 3.እስራኤል 4.ኤጳፍራስ መአረምታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና መልሲ ናይ ሕቶ ቁ.5 ተርሰስ ዘይኮነስ ነነዌ ምዃኑ ምስናይ ይቕሬታ ንሓትት።
  • 2. ሕታም ቁጽሪ 1/2014ሕታም ቁጽሪ 1/2014 ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail..comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱምሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ትሕዝቶ 1. መስቀል፡ጥበብኣምላኽ 2. ህይወት ብዓይኣምላኽ 3. ተስፋ ኣብ ክርስቶስ 4ኣሰርኤጳፍራስ 6.ካብዝን ካብትን ከም ኣዘራርባ ሰብ ንዕዮ መስቀል ካብ መጀመርትኡ ክሳዕ መወዳእትኡ ምስ እንምልከቶ፡ ንኣእምሮና ካብ ምኽባዱ እተላዕለ፡ ስለምንታይ እዚ ኩሉ፡ ካልእ መገዲ ኣይነበረን ድዩ፧ ዝብል ሕቶ ብምልዓል፡ ኣብቲ ዕዮ፡ ምኽሪ ወይ ርእይቶ ክንህብ ትንዕ ንብል ወይ ድማ ንምድሓን ዝኸውን ካልእ መገዲ ከምዘሎ ከነርኢ፡ እጅገና ሰብሲብና እቲ ቁኑዕ እዚ እዩ ኔሩ እናበልና፡ ንርእይቶና ከነስምረሉ፡ ምሉእ ሓይልን ትብዓትን ክሳዕ ዝህልወና ንኸውን። ከምዚ ዚዓይነቱ ኣመለኻኽታ ብምሓዝና ድማ ነቲ መስርሕ ዕዮ መስቀል፡ ብተግባርናን ብምኽርናን መገዲ ዕሽነት ከም ዚብሃል ንገብሮ። እቲ ዘገርም ግን ደቂ ሰባት ከምዚ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣረዳድኣ ብምሓዝና፡ እግዚኣብሄር ዝድነቕ ኣይኮነን። ከምኡውን እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበልና፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣረዳድኣ ክንሰምዕን ክንርእን እንከሎና፡ ከም ሓደ ሓድሽ ዝኾነ ነገር ኴንና ክንግረም ዝግባእ ኣይኮነን። እቲ ምንታይሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንምኽሪ እቶም ብርእሶም ጠቢባን ዝኾኑ ከጥፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከንቱ ክገብር ኢሉ እዩ፡ ነዚ ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ መገዲ ዝመረጸ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንጦስ ብምኽንያት ዝነበሮም ምፍልላይ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ክጽሕፈሎም እንከሎ፡ ብኸመይ ዝበለ ጽውዓ ከምእተጸውዑ ከብርሃሎም ምስ ደለየ፡ ንልዕለት ምኽሪ ኣምላኽ ምስ ሓሳብ ደቂ ሰብ እናኣነጻጸረ፡ እቲ ንዓለም ዕሽነት ብኣምላኽ ግና ጥበብ ዝኾነ ረዚን ውዕለት ከብራሃሎም እንከሎ ኢና ነስተውዕል። ነዚ ኩሉ ፍልጠት ብምስትውዓል ክርድኦ ዝኽአልውን መን ምዃኑ ብምግላጽ ድማ ንሕብረቶም ዝኸውን ሰረት ክስርቱ ብምምዓድ ትምህርቱ የቕርብ። ስለዚ እምበኣር ንልዕለት ምኽሪ ወይ ሓሳብ ኣምላኽ፡ ንፍሉይነት ኣሰራርሓኡን እቲ ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ ጥበብ ኣምላኽን ከፋፊልና ክንርእዮ። 1.ልዕለትምኽሪ ኣምላኽ ወይ ሓሳብ ኣምላኽ፦ ሓደ እዋን እስራኤላውያን ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም እንከለዉ እግዚኣብሄር ካብ ዮርሳሌም ብነቢይ ኤርምያስ “ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ኤር29:11 ብዝብል ቃል ተዛረቦም። እቲ ዝገርም ኣብ ምርኮ እንዳሃለኻ፡ እቶም ነፍስኻ እተኣመነቶም ነብያት ንዓኻ ጽቡቕ ዝመስል ነገር ክንበዩልካ እንክለዉን፡ ብኣንጻር ናይ’ዚ ድማ ኩሉ ነገር ክትረክብ እንከሎኻ ዝስመዓካ ስምዒት ከመይ ከም ዝመስል ንዝንግዖ ኢና ኣይብልን እየ። እቲ ኮይኑ እቲ ግና ልዕልና ምኽሩ ካብቲ ኩሉ በቲ ህዝቢ ዝወሃብ ዝነበረ ትንቢታትን መልእኽትታትን ከም ዝበልጽ ምእንቲ ከርኢ ብደብዳበ መልእኽቲ ተዋህቦም። እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ደብዳበ ብሰፊሑ ኣብቲ ሙሉእ መጽሓፍ ኤርምያስ 29 ንረኽቦ እኳ እንትኾንና ንምግላጹ ዝኣክል ግና፦ ሀ, ቤት ክሰርሑ እሞ ክነብርሉ ለ, ኣታኽልቲ ክተኽሉ እሞ ፍሪኡ ክበልዑ ሐ, ኣንስቲ ከእትዉ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን ክወልዱ መ, ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣተኣታትዮም ከኣ ክፈርዩን ክበዝሑን ሰ, ናይ እታ ዝነብሩላ ከተማ ደሓና ክደልዩን ስሊኣ ክልምኑን ቀንዲ ምኽንያት ናይ እዘን ክገብርወን ዝተቐበልወን ሓሙሽተ መምሪሕታት፡ እግዚኣብሄር ዝሓሰቦን ዝመኸሮ ምኽርን ስለ ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ ኣባታቶም ዝመደቦ መደብ ወይ ዝመኸሮ ምኽሪ እንተኔሩ ን70 ዓመት ኣብታ ከተማ ከምዝቕመጡ ኣቐዲሙ ስለዝገበሮም እዩ። ወዮ ደኣ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ምርኮ ኴንካ ኣይተስተውዕሎን ኢኻ ወይ ኣይምችኣካን እዩ እምበር፡ ንሓሳብ ወይ ምኽሪ ኣምላኽ ብኹሉ ወገን ሓንጎፋይ ኢልካ ክትቅበሎ ኣዝዩ ሰናይ እዩ። ኣብ ቦታ እዞም ኣብ ምርኮ ዘለዉ እስራኤላውያን ኮይነ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ነዚ ብነቢይ ኤርምያስ እተላእከ መልእኽቲ ኣምላኽ ንኽቕበልዎ ዘኽእሎም ምቹእ ሃዋህው ኣሎ ኣይብልን እየ። እቲ ምንታይ፡ ቀዳማይ ኣብ ምርኮ ኣብ ዘይዓድኻ ክትህሉ ጣዕሚ ዝህብ ኣይኮነን። እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ምርኮ ሓራ ስለ ምውጽኦም ዝንበዩን ራእይ ዝርእዩን ከምኡውን ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ናብ ሳልሳይ ገጽ ይቕጽል .......... (ሳልሳይ ክፋል) 3.ህይወት ጉዕዞ እያ ህይወት ኣብ መዓልቲዊ ናብራ ዝካየድ ጉዕዞ እያ። ጉዕዞ ከም ምዃና መጠን ድማ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዋ እያ። ንህይወት ከም ኣብ ማእከል ባሕሪ እትጓዓዝ መርከብ ክንምስላ ንኽእል። ኣብ እብ11፡7 ኖህ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ሰርሐ ይብለና። በዛ መርከብ ጌሩ ድማ ነታ ናብ ጥፍኣት ናብ ሞት እተምርሕ ዝነበረት ዓለም ኮነና። ጳውሎስ ህይወት ጉዕዞ ምዃና ተረዲኡ ንጉዕዝኡ ከመይ ከምዝወድኦ ክዛረብ እንከሎ ኣብ2ጢሞ4፡7-8 ጽቡቕ ጌሩ ይገልጸልና። ጳውሎስ ይግዕዝ ኣለኹ ብምባሉ ክበጽሖ ዝጽበዮ ከምዘለዎ የብርሃልና። እዚ ድማ ክንዮ እዚ ምድራዊ መዕለቢኡ ወይ መፈጸምትኡ ካልእ ክንዮ እዚ ዘለዎ መዕለቢ ወይ መፈጸምታ ይጽበን ተስፋ ይገብርን ኔሩ። ኣብ ፊል3፡12-16 ድማ ኣብ ህይወት ንጉዕዝኡ ንምፍጻም ዝጠቕሙ ኣገደስቲ ነገራት ይጠቅስ። ሀ,መበገሲ ጉዕዞ ህይወቱ፦ ኣብ ፍቕዲ12 ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይጅምር፡- “ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ክረኽቦ፡ ወይ ኣብ ሓት “ክርስቶስ የሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ።… ብምባል ይግልጽ። እምበኣር ጳውሎስ መበገሲኡ ካብቲ ብየሱስ ክርስቶስ ምርካቡ ከምዝጅምር የብርህ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ካብ መስቀል ዝጅምር ርኽበት ምኻኑ ርዱእ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብ መስቀል እዩ ወሊዱና፡ ንሕናውን መበገሲናን ኣድራሻናን ኣብ መስቀል እዩ ዝጅምር። ናብ ካልኣይ ገጽ ይቕጽል..... ጥሪ 1-2014 ጥሪ 1-2014 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 መልእኽቲ መስቀል 14 4 1 መስቀል፡ ጥበብ ኣምላኽ ንምድሓን ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ ዓምድታት መልእኽቲ መስቀል ክርስትያናዊ ህይወት ካብዝን ካብትን ዓምድታት መልእኽቲ መስቀል ክርስትያናዊ ህይወት ካብዝን ካብትን ክርስትያናዊ ህይወት .....ካብ ካልኣይ ገጽ ዝቐጸለ ተስፋ ኣብ ............. እምነት ንተስፋ ትቅድማ ንእምነት ድማ ፍቅሪ ትቅድማ 1ይቆሮ 13:13 ” ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ። ተስፋን እምነትን ክህልዉና ናይ ግድን እዩ፡ ግናኸ ኣብ ናብራና ግቡእ ቦቶኦም ከነትሕዞም ይግባእ፡ ማለት ተስፋን እምነት ብተዛማዲ መገዲ ብሓደ እዮም ዝሰርሑ፡ ብዘይ እምነት ተስፋ ርጉጽ ኣይኮነን ብዘይ ተስፋ እምነት ኣይቅጽልን ። ብዘይ ተስፋ ምንባር ክትቅጽል ኣይክኣልን እዩ ሮሜ 15፡13 “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም”። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓጎስ፡ ስላም፡ ሓይሊ፡ ጽድቂ ጥራሕ ኣይኮነን ኣምላኽ ተስፋ’ውን እዩ። ስለዚ በምእማንካ ብሓጎስን ሰላምን ክትመልእ ከለኻ ከምኡ ድማ ብተስፋ መሊኡ ክፈሰካ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ኤፌ 2:12 “በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ኣብዚ እቶም ዝጠፍኡ ብዘይ ኣምላኽ፡ ብዘይ ክርስቶስን ብዘይ ተስፋን እዮም። እምበኣርከስ ተስፋ ካብ ምድሓንና ዘይንጸል መንፈሳዊ ባእታ እዩ። ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሎሴ 1:27 ብዛዕባ ዝተረድኦ ሚስጢር ውንጌል ክዛረብ ከሎ ጳውሎስ ከምዚ ይብል “ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጥ ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ። ወንጌል ብምሉኡ ንነብያት ፡ ለባማትን ዓበይቲ ናይ ቅድም ዘመናት ተሰዊሩ ዘነበረ ዓብይን ግሩምን ምስጢር ዘማእከለ እዩ፡፡ እዚ ሚስጢር ድማ ክርስቶስ ኣባና ምህላውን ንሱውን (ክርስቶስ) ተስፋ ክብርና ምዃኑን እዩ። እዚ ተስፋ ፍጻሜኡ ኣብ መጻኢ እዩ፡ እቲ ክርስቶስ ዘለዎ ሰብ ንመጻኢ ተስፋ ኣለዎ፡ እወ ክቡር፡ ብሩህን ርጉጽን ትጽቢት ዘልኣለማዊ ክብሪ ምስ እግዚኣብሄር ኣለዎ። ኣብ እብራውያን ብዛዕባ ርጉጽነት ተስፋ እምነትና ከምዚ ይብል “በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ አላትና።” እብ 6:18–20። እወ ተስፋና ጽኑዕን ርጉጽን መልህቕ ነፍስና እዩ፡ እዚ መልህቕ ንግዜን ዝመናትን ሓሊፉ ኣብ ዘልኣለማውነት ናብ ክርስቶስ እቲ ርእሰ ማኣዝን ዘመናት ፡ ሊቀ ካህናን ሓባሪ መጻኢን ዘብጽሓና እዩ። መርከብ መልህቕ የድልያ ንምንታይሲ ኣብ ዘይርጉእ ማያት ስለ ተንሳፍፍ፡ እዚ መልህቕ ድማ ነቲ ዘይርጉእ ማያት ሓሊፉ ናብቲ ጽኑዕ ከውሒ ምድሪ ባሕሪ ይወርድ በዚ ድማ እታ መርከብ ጸኒዓ ትሃድእ ። ልክዕ ከምዚ ድማ መልህቕካ(ተስፋኻ) ካብ ማይ(ግዜ) ኣሕሊፍካ ናብ ከውሒ (ዘልኣለማውነት) ምድሪ ባሕሪ ምስ እትሰዶ ውሑስ ተስፋ ትኸዉን ። ርእስኻ ናብቲ ምስ የሱስ ዘሎካ ዝምድና ምስ ተውፍራ ፡ መልህቕካ (ተስፋኻ) ናብቲ ናይቲ ዘመናት ከውሒ ርእሰ ማእዝን ኢኻ ተቁርን ዘለኻ እሞ ኩሉሞ ነፋሳትን ማዕበላትን ካብዚ ከውሒ (ክርስቶስ) ክፈልዩኻ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ኩሉ ሳዕ ርእስና ከነተስፉ ይግባእ፡ ኣብ ሂወተይ ብተስፋ ክኸዉን ከለኹን ካብ ተስፋ ክጎድል ከሎኹን ፍልልዩ ከም መዓልትን ለይትን እዩ። ንርእሰይ ብክርስቶስ ከተስፉ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ዉጽኢቱ ድማ ዓቢ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።ንገዛእ ርእስኻ ምትስፋዉ ከተለማምዳ፡ ኩሉ ሳዕ ኣእምሮኻ ብቃል ኣምላኽ ምግዛእ ይሓትት። ስለዚ ቁራዕ ርእሲ(ቁራዕ ተስፋ) ንከደን፡ ሓሳብትና ንሓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ነግዝኣዮ። ትርጉም፡ ኣገልጋሊ ኣዳም ፍጹም 1. ኣቦ ኣብርሃም መን እዩ፧ 2. ንጢሞቴዎስ ኣዲኡን ዓባዩን መነ መን ይበሃላ፧ 3. ንያቆብ ካልኣይ ስሙ እንታይ እዩ፧ 4. እቲ ንሰብ ተሰሎንቄ ምሉኣትን ብኹሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ክኾኑ ብጸሎቱ ዝጋደለሎም ዝነበር መን ይበሃል፧ ሕቶታት ንህጻናት መልሲ 1.ታራ 2.ኣዲኡኤውኒቄ፡ዓባዩከኣሎኢስይበሃላ። 3.እስራኤል 4.ኤጳፍራስ መአረምታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና መልሲ ናይ ሕቶ ቁ.5 ተርሰስ ዘይኮነስ ነነዌ ምዃኑ ምስናይ ይቕሬታ ንሓትት።
  • 3. ህይወት ብዓይኒ........ ......ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ መበገሲና ምፍላጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ህይወት ካበይ ተበጊስካ ምስ እትፈልጥ መቐረታ ኣዚዩ እዩ ዝርድኣካ። ኣብቲ ምብጋስካ ናበይ ኢኻ፧ ብኸመይከ ክትከይድ ኢኻ፧ ዝብሉ ናይ ጉዕዞ መሰረታዊ ሕቶታት ክትምልስ የኽእለካ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ንእትህሉ መርከብ ካበይ ተብጊሳ ብብሩህ ዝኾነ መንገዲ ከተነጽሮ ኣገዳሲ እዩ። ምስ እተነጽሮ ድማ ጉዕዞኣ ብሩህን ንጽሩን ይኸውን። ናበይ ከምእትኸይድ ድማ ኣብ ምጅማራ እያ እትፈልጥ። ለ, ዕላማ ተልእኾ፡- ናበይ ገጽካ ትኸይድ ከምዘልኻ ምፍላጥ ካብቶም ንጉዕዞ ህይወትካ ዕውት ካብ ዝገብርዎ ቀንዲ ረቛሒታት እዩ። መርከብ ቅድሚ ምብጋሳ ናበይ ክትበጽሕ ትብገስ ምህላዋ ክትፈልጥ የድልያ። መወዳእታ ናይ ህይወት ከይተረደኣ እትጓዓዝ ነፍሲ ብሃሰሰለባም እያ እትኽይድ። ኣብ መንገዳ ድማ ዘጓንፋ ዘዝረኸባ እያ እትገብር። ንምንታይ ትነብርውን ህይወት ነዛ ነብሲ ብርህቲ ኣይኮነትን። ጳውሎስ ንመንገዱ ናበይ ገጹ እዩ፡ ከምኡ’ውን መወዳእትኡ ኣበይ ክበጽሕ እዩ ኣጸቢቑ ይርዳእ ኔሩ። ነዛ መወዳእታ ክረኽባ ድማ ብኹሉ ጻዕሩ ይጎዪ ኔሩ። ንሕና’ውን ኣሕዋተይ ካበይ ከምእተበገስና ብምርዳእ ናበይ እዩ መወዳእታና ኩሉ እዋን ኣብ ልብና እናሰኣልናዮ ክንከይድ ከገድሰና እዩ። ክርስትያናት ተብሂልና ክንስመ እንከለና እንታይ ክንረክብ ኢልና ኢና ከም ክርስትያናት ንጓዓዝ ዘለና፧ ጳውሎስ ነዛ ሕቶ ክምልስ ከምዚ ይብል፦ ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ክረኽቦ፡ንቕድሚት እደፍእ ኣለኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ከም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከምዝኾንኩ ኣይኮነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከምዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እንረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጎዪ ኣለኽ”ፊል3፡12-13። ከምኡ’ውን ኣብ 1ቆሮ9፡26, “ስለዚ ኣነ እጎዪ ኣለኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጎዪ ኣይኮንኩን። እምክት ኣለኹ፡ከምቲ ንንፋስ ዝወቅዕ ግና ኣይኮንኩን። ብምባል ንጹር ዝኾነ ዕላማ ህይወት ከምዘለዎ የብርህ። ሐ,ተልእኾ ጉዕዞ፦ እዚ ኣርእስቲ ነቲ ኣብቲ ጉዕዞ ኮይንና እንመላለሶ ዓይነት ምምልላስ ዘመልክት እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ 2ጢሞ2፡3 -6 ከምዚ ብምባል ኣብ ህይወት ጉዕዞኡ ከመይ ኢሉ ክመላለስ ከምዘለዎ ብተምሳልያዊ ኣብነት ይሕብሮ፡- 1.ንፉዕ ናይ የሱስ ክርስቶስ ዓቀይታይ ወይ ወትሃደር። መቸም ስለ ንፉዕ ወትሃደር ተምሳሉ ዝያዳ ካልእ ከም ህዝቢ ንዓና ኣጸቢቑ ይርድኣና። ካብተን ከም ወትሃደር ክኾነን ዘለዎ ኢሉ ክሕብሮ ከሎ ድማ፡- 1.1,ንመከራ ዝተዳልወ ይኸውን ነቲ ዝዓቀዮ ከስምር ኩሉ እዋን ዝሕልን ብናይ መነባብሮኡ ዘይጠላለፍ (ተወከስ- ዘዳ20፡5-8) 2,ኣብ ስፍራ መቃለሲ ኮይኑ ዚቃለስ ተቓላሳይ። እዚ ተቓላሳይ ከምቲ ሕጊ ናይ ቃልሲ ጌሩ እንተዘይ ተቓለሰ ወላ ተዓዊተ ክብል እንተኸኣለ ዓስቡ ግና ክቕበል ኣይክእልን እዩ። ካብ ሕጊ ወጻኢ ጌሩ ይቃለስ ስለዘሎ ካብ ጸወታ ወጻኢ ተብሂሉ ካብ ጸወታ ከምዝእለ እዩ ዝግበር። ከምኡ ከኣ ኣብ ህይወት ጉዕዞ ከምቲ ዝግባእ ኴንና ክንከይድ እንተዘይክኢልና ኣብቲ መወዳእታ ዓስቢ ኣይክህልወናን እዩ። ጳውሎስ ነቲ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ኮይኑ ዝቃለስ ተቓላሳይ ከመይ ጌሩ ክቃለስ ከምዘለዎ ከብርህ እንከሎ እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብኹሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ(ገዛእ ርእሱ መሊኹ) እዩ፡ ይብለና። ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን 3,ዝዓዪ ሓረስታይ( ። ጻዕራም ሓረስታይ ቅድም ካብቲ ብብዙሕ ጽዒሩ ዝዓየዮ ዕዮ ተረባሒ ወይ በዓል ዓስቢ ምዃኑ ተረዲኡ ብምልኣት ጻዕሩ ኣብቲ ሕርሽኡ እዩ ዘፍስስ። ከምኡ ድማ ንሕና ተልእኾ ህይወት ብዝህቦ ረብሓ ወይ ዓስቢ ተረባሕቲ ምዃንና ብምስትውዓል ንዕዮ እዚ ተልእኾ ክንጽዕትን ኣበርቲዕና ክንዓዪን ኣዝዩ ከድልየና እዩ። መ, መዕለቢ ወይ መፈጸምታ እቲ ጉዕዞ ፦ መዕለቢኡ ዘይፈልጥ ተጓዓዛይ ጉዕዞኡ ክፍጽም እዩ ኢለካ ክትሓስብ መቸም ዝከኣል ኣይመስለንን። ጳውሎስ ንኹሉ እቲ ጉዕዞ ህይወቱ ብጽቡቕ ወይ ብዓወት ክፍጽሞ ካብ ዘኽኣሎ ምኽንያት ሓደ ናበይ ይኸይድ ምንባሩ ይፈልጥ ስለዝነበር እዩ። ከምዚ ብምባል ከኣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ክረኽቦ ዝመጣጠሮ ዝነበረ ነገር ይገልጾ፦ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጎዪ ኣለኹ”ፊሊ3፡14። ከምኡውን ኣብ እብ11፡13-16 ንዘሎ ሓሳብ እንተድኣ ተመልኪትናዮ፡ እቶም ኣቦታት ናብ ሓደ መዕለቢ ዘለዎ ይጓዓዙ ከምዝነበሩ ንርዳእ። መዕለቢኦም ድማ ካብዛ ምድራዊ ዝበለጸት ከተማ፡ ዝበለጸ መዕረፍን ቦታን ናብ ዝረኽብሉ እዮም ዝኸዱ ኔሮም። ኣምላኽ ዝበለጸት ከተማ ኣዳልዩሎም እዩ እሞ ናይ ኣምላኽ ክበሃሉ ፈጺሞም ኣይሓፍሩን። ስለዚ ድማ ንርእስኦም ኣብዛ ምድሪ ከም ግዚያውያን፡ ከምስደተኛታትን ኣጋይሽን ቆጺሮም ዝጓዓዙ ዝነበሩ። እምበኣር ኣሕዋተይ ንርእስና፡ ንህይወት ጉዕዞና፡ ኣብቲ ዘይጽምሉ ዘይረክስ ተስፋ ዘለዎ ቦታ ንግበረላ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ካባና ዘይፍለያ ኩሉ ግዜ ምሳና ክንማለአን ዘለና ወይ ምሳና ክህልዋ ዘለወን ሰለስተ ነገራት ኣለዋ። እዘን ሰልስተ ነገራት ድማ ኣብ ፊሊ3፡12-21 ብጽቡቕ ተገሊጸን ንረኽበን። ንሳተን ድማ፡- 1.ተስፋ፦ ቁ. 14 ናብቲ ዓስቢ ዓወት። ቁ. 20-21 “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ ኣሎና። ንሱ በቲ ንኹሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመሲል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።” 2.እምነት፦ቁ.13 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጥርኩ፡” 3.ፍቕሪ ፦ቁ. 15-16 እምበኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ኩሉና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተኾይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ። እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ። ይቕጽል ብሓው ሮቤል ኣብርሃ ተስፋ ኣብ ክርስቶስ (ካልኣይ ክፋል) ስለዚ ተስፋ ይሃሉኻ ተስፋ ሓደ ካብቲ ግሩም ዝኾነ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ።ኣብ ሮሜ 4:18 ኣብርሃም ካብ እግዚኣብሄር ተስፋ ዉሉድ ማለት ይስሓቕ ከምተቐበለ ንርኢ፡ እዚ ተስፋ ድማ ኣብርሃም ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሳራን ኣሪጎም ስግኦም ደኺሙ ክወልዱ ኣብዘይክእልሉ ክፍሊ ዕድሚኦም ከለው እዩ ተዋሂብዎ፡: ኣብርሃም ግና ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ”ሮሜ 4:18 ፡ ኣመነ ስለዚ ድማ ተስፋ ገበረ። ኣብዚ ቅድም እምነት ድሕሪኡ ድማ ተስፋ ወይ ድማ ተስፋ ውጽኢት(ፍረ) ምእማን ከም ዝኾነ ንርኢ፡ እዚ እብ እብ 11:1 “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ።” ግልጽ ኢሉ ንርእዮ። ስለዚ እምነት መሰረት ርጉጽነት ተስፋ እያ፡ በዚ ድማ ተስፋ ኣብ እምነት ትሙርከስ። ናብ ራብዓይ ገጽ ይቕጽል...... ...........ጥበብ ኣምላኽ ንምድሓን ..........ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ ሕልሚ ሓሊምና ኣለና እሞ ሓራ ምውጻእና ቀረባ እዩ ዝብሉ ነብያትን ጠንቆልትን ብዙሓት ብምንባሮም እዩ። ኣብዚ ከምዚ እዋን እምበኣር እዩ እቲ ልዑል ዝኾነ ሓሳብ ኣምላኽ እተገልጸ። ልዕልና ምኽሪ ኣምላኽ ካብ ካልኦት ምኽርታት ወይ ሓሳባት ኣብ ብዙሕ ክዝርዘሩ ዝኽእሉ ምኽንያታት ምርኩስ ከምዝገብር ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ጽሙቕ ኣቢልና ግና ኣብ ሓቅነቱን ከኣልነቱን ወይውን እሙኑነቱን እዩ ሰረት ዝገበር ኢልና ክንጥቕልሎ ንኽእል። ምናልባት ከም ኣዘራርባ ወይ ኣጠማምታ ሰብ እሞ ኣብ ንስጋኻ ክምችኦ ዘይክእል ቦታ ኴንካ “ምኽሪ ኣምላኽ ልዑል እዩ ክትብል ከቢድ እዩ። ግናኸ ሓቅነቱን እሙኑነቱን እንተደኣ ተረዲኡካን ተገንዚብካዮን ንልዕልናኡ ክትገልጽ ወይ ክትእውጅ ክቐለልካ እዩ። ስለዚ እምበኣር እዩ ዓለም ወይ እቶም ለባማት ኢና በሃልቲ ንዕዮ መስቀል ንምድሓን “እዚ ምኽሪ ልዑል እዩ ብምባል ንልዕልናኡ ክቕበሉ ዘየኽእሎም። ኣምሳይኡ ናይ ኩሉ ሰብ ሓጢያት ኣብ ሓደ ሰብ ክትፍደዮ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል መርትዖታቶም የቕርቡ እሞ ንሓሳብ መልእኽቲ መስቀልን፡ ንዕዮን ተግባርን መስቀል ከንቱ ሙዃኑ ብትምህርታቶምን ተግባራቶምን ከርእዩ ብዙሕ ይጽዕሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ንእተቐበሎ ዘበለ ኩሉ ብሓቂ ልዑል ምኽሪ እዩ እሞ ምድሓን ክህቦ ብቑዕ እዩ። 2.ፍሉይነት ኣሰራርሓ ኣምላኽ፦ ንፍሉይነት ኣሰራርሓ ኣምላኽ ካብ ኩሉ ዓይነት ኣሰራርሓ ንምግላጽ ብብዙሕ ኣመላኻኽታን ስፍሕ ዝበለ ቦታን ዘድሊ ምዃኑ ከይረሳዕና፡ ንምርድኡ ዝኣክል ግና ብሓንቲ መገዲ ክንርኢ ኢና። ኣብ ኩሉ ዘመናትን ታሪኽን እተራእየ ናይ ፍልስፍና መድረኻትን ብሓድሽ ቋንቋን ኣመለኻኽታን እተገልጸ እንተኔሩ የሱስ ጥራይ እዩ። ተግባሩን ቋንቅኡን ብሓደ ዓይነት ስራሕን ድምጽን ብዓውታን ብግሉጽን “ፍቕሪ ዝብል ዋሕዚ ናይ ህይወት ዘለዎ ሓረግ ብምምጻእ ንልቢ ብዙሓት ኣረስረሰ። መግለጺ ፍቕሩ ክንዮ ቃላቱ ተግባሩ ዓዚዙ፡ ተግባሩ ኣብ መስቀል ብርእዮ ብምዃኑ፡ ንፍጡር ዘበለ ኣገረመ እሞ ስለ ተግባር ፍቕሩ ድማ ምስክሩ ንዘላለም ጽኑዕ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ፍቕሩ ካብ ተግባራዊ ምዃኑ ሓሊፉ ዘይቅድመ-ኩነታዊ ንኹሉ ስለዝኾነ፡ ኣብ መኣዲ ፍቕሩ ዝሓብሩ ብዙሓትን ካብ ዝተፈላለየን እዮም። ንዘለኣም ዝኸውን ፍቕሪ ስለዘለዎ ድማ ብትብዓትን ተኣማንነትን ኣብ ደምበ መጓሴኡ ብሓጎስን ብብቕዓትን ንምንባር ንኹሉ የኽእሎ። ዘገርም ፍሉይ ኣሰራርሓ ምዃኑ ግዲ ተረዲኦም፡ ኣሕዋትና ዘመርቲ ዮናታንን ሶስናን “ኣሰራርሓኻ ፍሉይ ብምባል ዝደረስሉ። እቶም ኣብ ኣእጋር የሱስ ኮይኖም እተማህሩ ደቀ መዛምርቱ እንተኾኑውን ብፍሉይነት ኣሰራርሓን ኣነባብራን መምህሮም ብፍሉይ ናይ ባህርን ናይ ኣረዳድኣን ለውጢ ክገብሩ እንከለዉ ኢና እንዕዘብ። መን ኣሎ ብዳርባ እምኒ እናተጨፍጨፈ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እናበለ ምሕረት ስለ እቶም ቀተልቱ ናብ ኣምላኽ ዝልምን፧ መን ኣሎ ገበን ዘይብሉ ክንሱ ኣብ መጋባኣያ እናተኾነነ ብታሕጓስ ገጹ በሪሁ ዝወጽእ፧ መን ኣሎ ተኸትኪቱ ብመቑሕ ተኣሲሩ እናሃለወ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽ ዝስውእ፧ ብሓቂ እቶም ንፍሉይነት ኣሰራርሓ ኣምላኽ እተረዱ ጥራይ እዮም። ክንዮ እዚ ዝበልናዮ ብዙሕ ካልእ ክንብል ንኽእል ኔርና ኢና፡ እንተኾነ ከም መጠን ዓቕሚ ትሕዝቶ ጋዜጣና በዛ ናይ ሃ.ጳውሎስ ስለ ኣሰራርሓ ኣምላኽ መግለጺ ዝሃባ ንንኡስ ኣርእስትና ክንዛዝሞ፡ “ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዝፍደዮ፧ ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን (ሮሜ11፡33-36)። 3.ጥበብ ኣምላኽ ዕሽነት ንዓለም፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ክልተ ዓይነት ጥበብ ከምዘለዋ ይዛረብ። ንሳተን ድማ፡ እታ ቀዳመይቲ ኣምላኻዊት ወይ ሰማያዊት ወይውን ናይ ላዕሊ ተብሂላ እትፍለጥ እያ። እታ ካልኣይቲ ድማ ሰይጣናዊት ወይ ምድራዊት ወይውን ስጋዊት እያ (ያእ3፡15-16)። ኣብታ ቀዳመይቲ ማለት ሰማያዊት ኴንካ ነታ ካልኣይቲ ማለት ምድራዊት ንተግባራ ዕሽነት እዩ ኢልካ ክትኩንኖ ቀሊል እዩ። ከምኡ ድማ ኣብታ ምድራዊት ኴንካ ነታ ሰማያዊት ዝኾነት ጥበብ ናይ ሓቂ ጥበብ ኮይና ንምድሓን ክትኮነልካ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣምላኽ ብኣሰራርሕእኡ ፍሉይ ስለዝኾነን ኩሉ ፍጥረቱ ኣብ ኣሰራርሕእኡ ክእመን ስለዝደልዮን ካብ ትጽቢት ኩሉ ኣእምሮ ዝኾነ መገዲ ክጥቀም ኢና ንርእዮ። ንኣብነት እቶም ብገዛእ ርእሶም ለባማትን ፈላጣትን ምዃኖም ዝእመኑ፡ ንኽሓፍሩ፡ ኣምላኽ ንዓታቶም ዕሽነት ብዝኾነ መገዲ ንናይ ምድሓን መስርሕ ከም ዝፍጽሞ ገበረ(1ቆሮ3፡18- 20, እዮ5፡13)። ብገዛእ ርእስኻ ጥበብኛ ከም ዝኾንካ ትሓስብ እንተደኣ ኴንካ ንናይ ኣምላኽ መስርሕ ምድሓን ማለት መስቀል ክትቅበል ክኸብደካ እዩ። ነዚ እዩ ሃ.ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝጸሓፈ፡ “ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም”(1ቆሮ2፡8)። ኣብ ካልእ ጽሑፍውን ከምዚ ክብል ንርጉጽነት ናይዚ ንብሎ ዘለና ሓሳብ ከስምረሉ ከሎ ንርኢ። ከምዚ ብምባል፦ “ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ (1ቆሮ1፡20-21) ። ስለዚ ድማ እዩ እዚ ከምዚ ዝበለ ክብሩን ሰፊሕን ጥበብ ኣምላኽ ንዓለም ዕሽነት ዝኾነ። እምበኣር ኣሕዋተየ፡ ምንም እኳ እዚ ክቡር መስርሕ ምድሓን ንዓለም ዕሽነት እንተኾነ፡ ነቶም ነዚ መስርሕ ምድሓን “ብሓቂ ብሉጽ ጥበብ እዩ ብምባል እተቐበልናዮን ዝኣመንናዮን ዘበልና ግና፡ ምስቲ ነዚ መስርሕ ዘዳለወ ኣምላኽና ኴንና ምኡዝ ህይወት ከነስተማቕር ኪዳኑ ጽኑዕ እዩ። ብዘይካ እዚ ድማ፡ እዚ ጥበብ እዚ፡ ኣምላኽ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኩሎም መገዲ ክብረቶም ክኸውን ኢሉ ቅድሚ ዘመናት ኣዳለዎ። “እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና”(1ቆሮ2፡6-7)። እምበኣር ኣሕዋተይ፡ ንኸምዚ ዝበለ ምኡዝ ህይወት ምስ ኣምላኽን ክብሪ ዝህብ ጥበብን ኢና ተጸዊዕና እሞ ንምሕራይናን ጽውዓናን ነስተብህለሉ። ጥበብ ናይ እዛ ዓለም ማራኽን ክቡር ዝመስልን እዩ፡ እንተኾነ ግና ሓላፊ እዩ። ከምቲ ንሽዑኡ ተራእዩ ዝበንን ጽገሬዳን መሰረት ዘይብሉ ቀልጢፉ ዝሃምም ህንጻን እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ክቡር ጥበብ ጥበብካዶ ክትገብሮ ትደሊ ኢኻ፧ ክትገብሮ እንተደለኻ ግርም ገበርካ፡ ግናኸ ኣብ ዓለም ዓሻ ክትከውን ከድልየካ እዩ። መገድኻ ሰሚሩልካ ክትርኢዶ ትደሊ ኢኻ፧ ሕጂውን ግርም ገበርካ፡ ግናኸ ወላ ደኣ ዘይተጋገኻ ኩን፡ ብሚዛን ዓለምሲ መገዱ እተጋገየ ዓሻ ክትበሃል ኢኻ። “...ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን”(1ቆሮ318-20)። ስለዚ ኣምበኣር፡ መስቀል ጥበብ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ነዚ ጥበብ’ዚ፡ ጥበብናን ክብርናን ንግበሮ። ብሓው ሮቤል ኣብርሃ 32 32 ክርስትያናዊ ህይወት