SlideShare a Scribd company logo
1 of 2
Download to read offline
ሕታም ቁጽሪ 3/2014ሕታም ቁጽሪ 3/2014
ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail..comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን
ትሕዝቶ
1. ሓራ ኣውጺኡኒ
2. ሓይሊ ቃል
3. ድቃስ ዮናስን ሳዕቤናቱን
4.ዛንታ ርሳስ
ጎይታ የሱስ ካብ
ቤት ማእሰርቲ
ባንግላድሽ ብኢዳ ሒዙ ናይ
ዘውጽኣ ሊያ ማክዶናል ኣደናቒ
ታሪኽ (2ይ ክፋል)
ረቡዕ ናይ ምሸት ኣከባቢ እንዳሓንከስኩ ምስቲ ሓድሽ መርማርየይ
ተፋለጥኩ። ካብቲ ኮፍ ዝበለሉ ኩርሲ ብድድ ኢሉ ስሙ ነገረኒ እሞ
ናተይ ስም ድማ ሓተተኒ። ኣውያተይ ብዘንቕዖ ብዝላሕተተ ድምጸይ
ገይረ “ሊያ ማክዶናል ዜግነት ኣመሪካዊት” በልክዎ፡ ካብ ኣዒንተይ ድማ
ንብዓት ጀረብረብ ይብል ነበረ። ንሱ ድማ ፍሽኽ ብምባል “ንምንታይ
ትበኽዩ ኣለግኺ፧ ብነብሶም ዝተኣማመኑ ሰባት ነቓጻትን ንብዓት ኣልቦን
እዮም። እቶም በደለኛታት ግና ኩሉ ጊዜ በደሎም ብንብዓት ክሽፍንዎ
እዮም ዝፍትኑ። ስለዚ ምንባዕ ግደፍዮ እሞ እቲ ሓቂ ንዘራረብ” በለኒ።
ካብቲ ኮፍ ዝበለሉ ኩርሲ ተንሲኡ ናባይ ብምቕራብ ብርክኽ ኢሉ ክልተ
ኣእዳው ኣብ ኣብራኸይ ኣደጊፉ ገጸይ ንምርኣይ እንዳፈተነ “ሊያ ኣነ
ክሕግዘኪ ክቐትለኪ ክኣስረኪ ክፈትሓክን እዚ ኩሉ ድማ ካብዛ ፒሮይ
ብዝወጽእ ቁሩብ ቀለም ጥራይ ኣብዚ ወረቐት ብምፍራም ክፍጽሞ
እኽእል። ዝተኸሰስክሉ ክሲ ምምዝውዋር ሓሽሽ ዘይኮነስ ሃገር
ብምስላይ ገበን እዩ ዝብል፡ ስለያ ዘካይዱ ሰባት ድማ ጽቡቕ ሜላ
ኣለዎም። ቀዳማይ ዝተማህሩ ሰባት ወይ ድማ ከምዚ ናትኪ ዝበላ
ተፈጥሮ መልክዕ ዝዓደለን ፍሉያት ኣዋልድ እዮም ዝጥቐሙ” ብምባል
ዘረብኡ ቀጸለ። ገጸይ ብሓደ እዋን ጸለመ፡ ልበይ ህርመታ ደው ዘበለት
ኮይኑ ተሰመዓኒ፣ ምሉእ ኣካላይ ድማ በረድ ኮነ። ከም ገለ ኢለ ሓይለይ
ኣኻኺበ “ኣነ ዝተኸሰስኩሉ ክሲ ስለያ ዘይኮነ ምዝውዋር ሓሽሽ እዩ፡
ምናልባት ከምዚ ናተይ ሽም ዘለዋ ናተይ ሞኽሲ ኣብዚ ከይትህሉ፧”
በልክዎ። ንሱ ድማ ኣፍጢጡ ጠመተኒ እሞ ናይ ኣሽካዕላል ፍሽክታ
እንዳኣርኣየኒ “ዝተኸደንክዮ ክዳን ኩሉ ኮስትሞ ከይተረፈ ሓደ ብሓደ
ኣውጽእዮ” በለኒ። ቁሩብ ዕጥይጥይ በልኩ፡ ግና ኣይከኣልኩን ስለዚ ድማ
ኣምሪረ እንዳበኸኹ እቲ ዝኣዘዘኒ ጸፈምኩ። እምቢ ምባል ኣብ ቤት
ማእሰርቲ ባንግላድሽ ነብስኻ ምብዳል እንተዘይኮይኑ ፋይዳ የብሉን።
ኣነ ዝገመትክዎ ብጓልነተይ ክጥቀመለይ እዩ ዝኸውን ኢለ ክሓስብ
ከለኩ “ተኸተልኒ” በለኒ። ሓደ ማዕጾ ከፊቱ ብኮሮድዮ ሓሊፍና እንደገና
ሓደ ናይ ሓጺን ማዕጾ ከፈተ እሞ ኣብቲ ጸልማት ክፍሊ ደፊኡ ኣብቲ
ምድሪቤት ሰጥሓኒ። ነቲ መብራህቲ ምስ ኣብርሆ ድማ ኣብቲ ክፍሊ
ክሳዕ 20 ዝበጽሑ ረጎድትን ቀጠንትን ደቂ-ተባዕትዮ እሱራት ነበሩ፡
“ኣብ ማእከሎም ደው በሊ” በለኒ። ዝርእዮ ኣስካሕካሐኒ፡ ንሕፍረተይ
ብኢደይ ክሽፍን ፈተንኩ ግና ኣይተፈቕደለይን። ንፍርቂ ሰዓት ዝከውን
ደው ኢለ በኸኹ። ብድሕሪዚ ጸጉረይ ሒዙ ከም ዝተኣስረ ከልቢ
እንዳጓተተ ናብቲ መግረፊ ቦታ ወሰደኒ እሞ እቲ ልሙድ ዘስካሕክሕ
መግረፍቶም ቀጸልዎ። በብቕሩብ ኣካላተይ ደንዚዙ ዘልሓጥ በልኩ።
ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ መዓስን ብኸመይን ኣብኡ ከምዝደርበዩኒ
ከይፈለጥኩ ንነብሰይ ኣብ ማእከል ዝቦኾዐ ጭቃ ጥራይ ነብሰይ
ረኸብክዋ። ቁሪ የንቀጥቕጠኒ፡ ጨናኡ የጨንቐኒ ነበረ። ኣብ ከምዚ
ኩነታት ከለኹ ዙርያኡ ብዓቢ ናይ ብርሃን ጨረር ዝተኸበ ለውሃትን
ሓልዮትን ፍቕርን ዝመልኦ ፡ ህድኣት ሰላምን ርእሰ ምትእምማንን
ዝርኣይዎ ንውሕ ዝበለ ደስ ዘብል፣ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ፈታዊ ዓርኪ
ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩ ምልኩዕ ሰብ ናባይ ቅርብ ኢሉ ብክልተ
ኣእዳው ብመንኩበይ ሒዙ ሓፍ ኣበለኒ። ፍርሃት ስንባደ ምግራም
ተሓዋዊሱኒ ነቲ ዝደገፈኒ ኢድን ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ካብ
በረድን ጸባን ንላዕሊ ዝምጽዕዳው ኣንጸባራቒ ክዳንን ጸጉርን ዘለዎ፣
ካብ ኣዒንቱ ዝወጽእ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ድማ ፍሉይ ባህታ
ዘመሓላልፍ ክርእዮ ጀመርኩ። ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዓይነት ጥዑም
ድምጺ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ካብ ኣኽራን እንዳተወርወረ
ከምዝፈስስ ወሓዚ ከምኡ እንዳተቀበባለ ከም ዘቃልሕ ድምጺ
ንእዝነይን ልበይን ብፍሉይ ባህታ መልኦ። ካብ ዕቤት ናይቲ ድምጺ
ዝተላዕለ ሰማያት ካብ ጻት ክሳዕ ጻት ዘቃልሐ መሰለኒ። እቲ ኩሉ
ድኻም እቲ ኩሉ ቃንዛን ስቓይን ብኡብኡ ረሳዕክዎ። ሓይሊ
ተመሊአ ብድድ በልኩ። ናብ ሳልሳይ ገጽ ይቕጽል
“ልኡም ምላሽ ንቑጥዓ የህድእ ፡ ተሪር ቃል ግን ኩራ
የልዕል።” ምሳሌ 15፡1
ቃላት ምልኣት ሓይሊ ኣለዎም። ሓሳባትና ንገልጸሎም ጥራይ
ዘይኮኑ ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወትውን ዝተላበሱ እዮም። ቃላት
ዝምድናታት ይሃንጹ እዮም። ምስ ኣሕዋት ፡ ቤተሰብ ፡ ኣዕሩኽ ፡
መቕርብ ፡ ወከልቲ መንግስቲ ከምኡውን ምስ መሳርሕቲ
ዝምድናታት ይሃንጹ እዮም። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ፡
“ኣነ ግና ፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን
እሞ ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ
ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።’’
ማቴዎስ 12፡36-37።
ቃላት ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ምኽንያቱ እቲ ክንረዳዳኣሉ ደሊና
ዘለና ቃል ትርጉም ወይ ኣበሃህላ ብትኽክል እንተደኣ ተዘሪቡ በቶም
ዝሰምዕዎ ሰባት ብጽቡቕ መንፈስ ተቐባልነት ይረክብ። ብኣንጻሩ
ድማ ኣብቲ ኣዘራርባና ወይ ኣበሃህላና ዝኾነ ጌጋ ምስ ዝህሉ
ዝርርብና ዘይምርድዳእ የስዕብ ፡ ውጽኢቱ ኸኣ ምትሕርራቕ ወይ
ምቅይያም ይኸውን። ቃላት እሩማት ይኹኑ ግጉያት እንተደኣ
ብግጉይ ኣገባብ ተዘሪቦም ፡ ወይውን ካብ ኣፍና ወጺኦም ፡ ኣብ
ዝተፈላለዩ ወገን ማህሰይትን ክሳራን እዮም ዘስዕቡ። ንኣብነት
ሕውነትካ ወይ ዕርክነትካ ክጽሎ ይኽእል ፡ ልቢ ፈተውትኻ
ይትንከፍ ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምልጠካ ይኽእል ፡ ክሳዕ ደረጃ
መንግስታትውን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ከበላሹ ይኽእል።
ናብ ካልኣይ ገጽ ይቕጽል
መስከረም-2014 መስከረም-2014
ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ
ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን
ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18
ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ
ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን
ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18
ዓምዲ
ምስክርነት
14
4 1
ሓራ ኣውጺኡኒ !
ሓይሊ ቃል
ዓምድታት
ዓምዲ ምስክርነት
ክርስትያናዊ ህይወት
ካብዝን ካብትን
ዓምድታት
ዓምዲ ምስክርነት
ክርስትያናዊ ህይወት
ካብዝን ካብትን
ክርስትያናዊ
ህይወት
ድቃስ ዮናስን ............................
ካብ 2ይ ገጽ ዝቐጸለ
ክርድእዎን ክፈልጥዎን ሰለስተ ጊዜ ንቕሑን ጸልዩን በሎም። ንሳቶም
ንዝነበሮም ዕድል ከይተጠቕምሉ እታ የሱስ ዝተሓዘላን ዝስቐለላን
ዝሞተላን ጊዜ በጽሐት። ብድሕርዚ ኣብ ህይወቶምን እምነቶምን
ምዝንባል ኣስዒብሎም። ሎሚውን እቲ ምኽንያት ምዝንባል ኣብ
ህይወትናን እምነትናን ዘስዕብ ንጹር ፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና
ኸይፈለጥና ስለ ንድቅስ እዩ እሞ ከመይ ከምእነስተብህል ንጠንቀቕ።
መክ12፡1, ሮሜ13፡11
ለ.ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥካ ምድቃስ፡-
ናይዚ ኣብነት ዝኾነና ድቃስ ዮናስ ስለዝረኣና ሕጂ ክንዛረበሉ ኣየድልን
እዩ። እንትኾነ ግና ኣብ ህይወትና ንጹር ዝኾነ ክንገብሮ ዝተባህለልና
ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥና ሒዝናዮ ዝደቀስና ክንደይ ኢና፧ ልዕሊ ዝኾነ ነገር
እግዚኣብሄር ፍቓዱ ዘፍልጠና ንኸንቱ ኣይኮነን ወይ ሒዝናዮ ኮፍ
ክንብልውን ኣይኮነን። ኣምሳያኡ ፍቓዱ ዘፍልጠና ተንሲእና ክንዓዪ እዩ።
ስለዚ እምበኣር ኣሕዋተይ ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሄር ክሓተና ምዃኑ
ፈሊጥና ብምንቃሕ ክንህሉ ሰገጥ ክንብለሉ ዘይብልና ምዃንና ክንግዘብ
የድሊ።
ሐ.ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥካ ንዕኡ ትነብር ኔርካ ግና ከይወዳእኳዮ
ምድቓስ፡- 2ጢሞ4፡10 “ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ ሓደገኒ
ናብ ተሰሎንቄውን ከደ’’ ይብል። ብዙሓት ኣሕዋት ብዙሕ ንዕዮ ዝኸውን
ነገር ይቕበሉ፡ ተቐቢሎምውን እቲ ጉዕዞ ይጅምርዎ፡ እንተኾነ ግና ኣብ
ሞንጎ ብዝህብዎ ምኽኒት ክኹለፉ ንርእዮም። እዚ ነገር ዘሕዝን ምዃኑ
ንዝንግዖ ኣይመስለንን። ኤልያስ ብምፍርራሕ ኤዛቤል ጉዕዞ መገዱ
ኣቋሪጹ ንኣምላኽ ውሰደኒ ክብሎ እንከሎ ንዕዘብ። ዘይከም ኤልይስ
ኤልሳእ ግና ብደቂ ነብያት ንተልእኽኡ ክጎናደብ ንዝወሃቦ ዝነበረ፡ ካብ
ሓቂ ዝብገስ ወይ ሓልዮ ዘልዎ ዝመስል ሓሳብ ነጺጉ ክሳዕ መወዳእታ
ክጸንዕ እንከሎ ኢና እንዕዘቦ። ኣብ ከምዚ መድረኽ ዘለና ኣሕዋት ብዙሓት
ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዞም ኣብ ከምዚ ኩነታት ዘሎና ኣሕዋት ሓደ
ብስራት ኣለኒ፡ ማለት ምንም እኳ ነቲ ጉዕዞ ክትጅምሮ ክብድ ዝብል
ዝመስል እንተኾነ፡ ኣብ ኣምላኽ ግና ጌና ተስፋ ኣሎ፡፡ ቃል ኣምላኽ ከምዚ
ይብል “ንሕና እንተጠለምናዮ ንሱ ንርእሱ ክኽሕድ ኣይክእልን እዩ እሞ
እሙን ኮይኑ እዩ ዚነብር” 2ጢሞ2፡13። ስለዚ ኣብ እምንቶና ዘይኮነ ኣብ
እሙንነት ኣምላኽ ተወኪልና ዕዮና ዳግም ንምጅማር ንበገስ!
መ.ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥካ ንዕኡ ፈጺምካ ምሕላፍ፡- “ሰናይ ገድሊ
ተጋዲለ እቲ ጉያ ወዲኤ ነታ እምነት ሓሊየ ደጊምሲ ጎይታይ ንሱ እቲ ጻድቕ
ፈራዲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቒ ተነቢሩለይ ኣሎ።”2ጢሞ4፡ 7
ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝኽኣለ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ትእዛዝ ማለት ንኣምላኽ
ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን ብኹሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ፡
ንዓኣ እተመስላ ኸኣ ንብጻይካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ፡ ንዝብል ትእዛዝ ከም
መሪሕ ዕላማ ናይ ኣገልግሎቱ ገይሩ ይዓይ ስለ ዝነበረ፡ ብሰማይ ወገን ብፍቕሪ
ናይ ኣምላኽ ተማሪኹ፡ ብምድሪ ወገን ድማ ብፍቕሪ ኣሕዋት ተታሒዙ፡ ልቡ
ኩሉ ጊዜ ንፍቃድ ኣምላኽ ክነቅሕ ንምፍጻም ኩሉ ኣገልግሎቱ ድማ ትጉህ
ክኸውን ሓይሊ ረኸበ። ኣብ ፍቕሪ ኴንካ እትገብሮ ኣገልግሎት ንምሉእ ዘበን
ህይወትካ ንፍቃድ ኣምላኽ ፈጺምካ ክትሓልፍ ይገብረካ። ስለዚ ልብና ብፍቕሪ
ትታሒዙ ንዕዮ ጎይታ ጽኑዓትን ዘይንነቓነቕን ንኹን!
ኣብ መወዳእታ ኣሕዋተይ፡ ድቃስ ዮናስ መበገሲኡን ሳዕቤናቱን ርኢና ኣሎና።
ካብዚ ኩሉ ዝገለጽናዮ ልዕሊ ኩሉ ክንመሃሮ እንኽእል ብዙሕ እኳ እንተኾነ ፡
በቲ ዝነኣሰ መልክዕ ናይ ትምህርቱ እንወስዶ ግና፡ “ ድቃስ ንዮናስ ኣይጠቐሞን”
ዝብል እዩ። ስለዚ ካብ ድቃስ ንበራበር እሞ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ
ፈሊጥና ንዕዮ ንትጋህ። እቲ ምንታይ’ሲ “… እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና
ሒደት እዮም” ማቴ9:37።
ብሓውኹም ቴዎፍሎስ
ካብ inspirational stories ዝተወስድ
ዛንታ ርሳስ
ሓደ ግዜ እቲ መሃዚ ርሳስ፡ ንርሳስ ሰሪሑ ምስ ወድኣ፡ “ቅድሚ ናብ ዓለም ወጺእኪ
ዕላማኺ ምፍጻምኪ፡ ክትፈልጥዮም ዝግብኣኪ ሓሙሽተ(5) መምርሒታት ኣለዉ። ነዘን
ዝስዕባ ዕማማት እንተ’ደኣ ፈጺምኪ ዝበለጸት ርሳስ ክትኮኒ ኢኺ” በላ።
1. ዓበይቲ ነገራት ክትገብሪ ኢኺ። እዚ ዝኸውን ግን ኣብ ኢድ ሓደ ክትውነኒ ፍቓደኛ
ምስ እትኾኒ ጥራይ እዩ።
2. ቀጻሊ ብበሊሕ መላጸ ክትጽረቢ ኢኺ። እዚ ‘ድማ ብልሕኺ ኣጥፊእኪ ከይትጎድሚ
ከኽእለኪ እዩ።
3. ብትፍጽምዮ ጌጋ ከይትሰናበዲ። ንጌጋኺ መአረሚ መደምሰስ ገይረልኪ ኣለኹ።
4. እቲ ናትኪ ዝበለጸ ነገር እቲ ኣብ ውሽጥኺ ዘሎ ነገር ምኻኑ ፈጺምኪ ተረድኢ።
5. ዘለኽዮን ትሓልፍዮን ኩነታት ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝኣተኽዮ ስፍራ ኣሰር ክትገድፊ
ኢኺ’ሞ ምጽሓፍ ኣይተቋርጺ። ነዘን መምርሒ ሒዛ ተልእኾኣ ክትፍጽም ኣብ ባኮ
ተዓሺጋ ናብ ዓለም ከደት፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ዕዮ ኣላ ንብለኩም። ንዓና ‘ውን
ኣምላኽ ብዕላማን ንዕላማን ኢዩ ዝፈጠረና። ኣብ ዝኸድናዮ ስፍራ ሰናይ ኣሰር ወይ’ድማ
ፍረ ክንፈሪ ኢዩ ዝፈጠረና። እዚ ክዉን ንክኸውን ድማ መጀመርታ ብመንፈስ ቅዱስ
ክንውነን ፍቓድና ክኸውን ኣለዎ። ዘየድሊ ጨንፈር ምእንቲ ክጽልጸል ብግዲ ክንጽረብ
ከለና ዓቕሊ ኣይነጽብብ። ከመይ’ሲ መሊሱ ዘብልሓና ስለ ዝኾነ። ጌጋ ክንፍጽም ዝከኣል
እዩ። ንኹሉ ዝድምስስ ደም ክርስቶስ ስለ ዘሎና ግን ኣይንሰናበድ። ናትና ሰናይ ድማ፥
እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብነትና፥ማለት መንፈስና እምበር ዓሌትና፡
ብሄርና፡ ትምህርትና፡ ሃብትና፡ ሽመትና. . . ከምዘይኮነ ፈሊጥና ነቲ ብሉጻት ዝገበረና
ጎይታ ትሕት ኢልና ክብሪ ንሃቦ። በዚ ተጓዒዝና ብግዲ፥ ሰናይ ኣሰር እንዳገደፍና ዕላማና
ክንፍጽም ኢና።
ብኣገልጋሊ ኣቤል ካፈሊት
ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም
ሓይሊ ቃል
.....ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ
ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ ዝበጽሕ ድማ ኲናት ከስዕብ ይኽእል። ስለዚ
ምምዕባል ዓቕሚ ኣዘራርባና ወይ ኣጠቓቕማ ቃላትና ፡ ኣብ ሓድሕድና
ንዝህልወና ብሉጽ ዝምድና ንምዕቃብን ፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዘለዉ ሰባት
ዝህልወና ርክብን ፡ ሰላማዊ ንክኸውን ዝገብር ኣገዳሲ ነገር እዩ። ከም
ክርስትያናት ኣገባብ ኣዘራርባና ፡ ኣብ ዝምድናታትና ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ኣዩ
ዝጻወት። ምኽንያቱ መልእኽቲ ወንጌል ከነመሓላልፍ እንከለናውን
እንተኾነ ፡ ጎይታ ዝሕጎሰሉን ዝኸብረሉን ቃላት ተጠቒምና ከነማሓላልፍ
ስለዘሎና። ንጉስ ስለሙን ብዛዕባ ‘‘ኣገዳስነት ልኡም ምላሽ’’ ብዝግባእ
ምሂሩና ኣሎ። ብትኽክል ድማ ቅዱስ ትምህርቲ እዩ። እቲ ካብኡ
እንመሃሮ ምህሮ ኸኣ ፡ ልኡም ምላሽ ምምላስ ፡ ብዙሕ መኽሰብ ከም
እንረኽበሉ እዩ። ተጓዳእቲ ወይ ድማ መርዛማት ቃላት ኩራ ከለዓዕሉ
ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ሓሊፉ እውን ዝምድናታትካ ከዕንው ይኽእሉ
እዮም። ስለዚ ቅድሚ ምዝራብካ ክትሓስብ ይግባእ። ኣብ ዘረባኻ ይኹን
ንግግርካ ጥንቁቕ ንኽትከውን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሕረቱን
ጸጋኡን ከብዛሓልካ ክትልምን ይግባኣካ እዩ።
“ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ ፡ ንነፍሲ ጥዑም ፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና
እዩ’’ ምሳሌ 16፡24። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ፡ ልኡም ዘረባ ንዝምድናታትና
ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነት እትምህረና ፡ ኣብ ጥዕና እቲ ዝዛረብ ዘሎ
ሰብ ፡ ኣገዳሲ ጥቕምታት ከምዘለዎ ድማ ትነግረና እያ። ‘‘ነዕጽምቲ ከኣ
ጥዕና ይህብ’ ’ይብል። ስለዚ ካብ ልኡም ዘረባ ፡ እቲ ቀዳማይ ዝረብሕ
ሰብ ፡ ንሱ እቲ ተዛራቢ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ብኣንጻሩ ተጓዳኢ
ወይ መርዛም ቃላት ምጥቃም ፡ ሳዕቤኑ ኩራ ምልዕዓልን ዝምድናታት
ምብልሻውን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኣብቲ ዝዛረቦም ሰብ ፡ ዓቢ ጉድኣት
ከምዘስዕቡ ክንርዳእ ንኽእል። ስለዚ እንጥቀመሉ ቃላት ልኡምን ልዙብን
ምስዝኸውን ፡ ብሉጽ ዝኾነ ዝምድናን ጥዕና ዝመልኦ ህይወትን ክንውንን
ይሕግዘናእዩ።
‘’ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ
ኺበልዕ እዩ’’ ምሳሌ 18፡21። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ
ዘለዋ ኣዝየን ዝበለጻ ጥቕስታት ሓንቲ እያ። ሕመረት መልእኽቲ ናይዛ
ጥቕሲ እዚኣ ብዝግባኣ እንተደኣ ተረዲናዮ፡ ነቲ ኣብ ንሓድሕድና
ዝህልወና ዝርርብ ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ክሕግዘና እዩ። እትዛረቦ
ቃል ሞትን ህይወትን ከም ዘምጻኣልካ ክትሓስቦስ ክንደይ ኮን ዘገርም
እዩ! ስለዚ ኣብ ሞንጎ ዓወትን ውድቀትን ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ ኣመራርጻ
ቃላትና እዩ ዝምርኮስ ማለት እዩ። ዘይልኡም ቃላት ምስንጥቀም፡ ነቲ
ንእግዚኣብሄር እነገልግሎ ኣገልግሎት ፍጹምን ውጺኢታውን ንኸይከውን
ዝኽልክል ቀንዲ ባእታ እዩ። እስከ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል
ዝተዛረቦ ንርአ፦“ርአ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን ፡ ሞትን ክፉእን ኣብ
ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ’’ ዘዳግም 30፡15። እዚ ናይ ህይወትን ሞትን
ጉዳይ ፡ ኣብ ስልጣን መልሓስ ካብ ኮነ ፡ ምስ ብጾትና ኮነ ደቅና ዘለና
ዝምድናውን ከይተረፈ ፡ በቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃላት ኣዝዩ ኣገዳሲ
ምዃኑ ክንርድኦ ይግበኣና። ሕጽረት ማሕበራዊ ርትዒ ፡ ዋሕዲ ፍልጠት
ኣብዚ ጉዳይዚ ወይውን ዘይግቡእ ኣጠቓቅማ ቋንቋ ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ
ዝርርብን ምልውዋጥ ሓሳባትን ፡ ናብ ዘይተደለየ ነውጺ ከምርሑ
ይኽእሉ። ንኣብነት ቆልዑ ብመግናሕትን ጸቕጢ ብዘለዎ ኣገባብን
እንተደኣ ዓብዮም፡ ኣብ መጻኢ ህይወቶም ርኡይ ዝኾነ ዕንወት ክንጸባርቕ
ይኽእል እዩ። ንስኻ ርጉም ኢኻ፡ ንስኻ ተስፋ ዘለካ ኣይትመስልን ኢኻ፡
ስለምንታይ ከም ሓውኻ ህርኩት ዘይትኸውን᎒ ስለምንታይ ደኣ ሓፍትኻ
ንፍዕቲ ተምሃሪት ኮይና᎒ እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ምውድዳር መንፈስ
ዘለዎ ኣዘራርባ ፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣዕናዊ እዩ። ኣብ ሞንጎ ሰብኣይ
ምስ ሰበይቲ ከምኡውን ስድራቤት ምስ ውሉድ ዘሎ ዝምድናውን ሕማቕ
ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን
ውጽኢት እዩ ዘስዕብ። ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእስና ባህሪ ወይ ውህበት
ኣለና። ብጣዕሚ ዝተፈላለየ ኣፈጣጥራ ፡ ዝተፈላለየ ተውህቦን ክእለትን
ድማ ንውንን ። ስለምንታይ ደኣ እሞ ሓደ ምስቲ ሓደ ነወዳድር ፧ ነፍሲ
ወከፍ ድማ ከም ሓደ ፍሉይን ኣገዳስን ሰብ ክንርአ ይግባእ። ንሕና
ውጽኢት ናይቲ ክንምስራሕ ከለና ኣብ ልዕሌና እተዘርበ ቃል
ኢና።ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እንተደኣ ኣብ ቅድሚ ደቆም ንመጻምድቶም
ዝውንጅልዎም ወይ ዝከስዎም ኮይኖም ፡ ኣብ ኣእምሮ እቶም ቆልዑ
ማዕረ ክንደይ ነውጺ ከም ዝፍጠር ባዕልና ንገንዘቦ። እዚ ድማ ጭንቀትን
ዘይምርድዳእን ከስዕበሎም ይክእል። እምበኣር ቆልዑ ነዞም ግርጭታት
እዚኦም ከመይ ከም ዝፍትሑ ኣይፈልጡን እዮም፡ ምኽንያቱ ከምኡ
ዝሓስብ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም። እንታይ ደኣ፡ ዝኾነ ቆልዓ ነቡኡን
ነዲኡን ብማዕረ ከፍቅር እዩ ዝደሊ፡ ከምዚ ዝተገልጸ ነገር ምስ ረኣዩ ግን
ምስ ሓዲኦም ክውግኑ ይግደዱ።ስለዚ ካብ ኣፍና ዝወጹ ቃላት ካባና
ሓሊፎም ኣብ ካልኦት ሰባትውን ዘስዕብዎ ሓደገኛ ሳዕቤን ብዙሕ እዩ።
ዋላውን ብዕላል እንሰምዖን ከም ዛንታ እንፈልጦን ጎዳኢ ኣበሃህላ፡
ክንደግሞም እንከለና ኣብ እዝኒ ሰማዒ ዘይምቹእ ስምዒታት እዮም
ዝፈጥሩ። ይቕጽል
4. ድቃስ ዮናስ ኣንጻር ምድሓን ካልኦት፡ -
“እቲ ኣብ ሃገረይ ከለኹ እተዛረብክዎ እዚ’ዶ ኣይኮነን መሓርን ርሕሩሕን
ንኹራ ደንጓይን በዓል ዓቢይ ሳህልን ንእኩይ እትጥዓሰሉን ኣምላኽ
ከምዝኾንካ ስለዝፈለጥኩ ስለዚ እየ ኣቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሃደምኩ።”
ዮና 4፡ 2
ዮናስ አብ ህይወት ጉዕዝኡ እቲ ጽቡቕ ገይሩ እተመኮሮ ተመክሮ ምሕረት
ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ብእኩይ ዝጠዓስ ብዓል ዓቢ ሳህሊ፡ መሓሪ፡ ርሕሩሕ፡
ንኹራ ከኣ ደንጓዪ ምዃኑ ተሞኪርዎ እዩ። ንእግዚኣብሄር ብተሞኩሮኻ
ክትፈልጦ ክንደይ ሰናይ እዩ። ማንም ሰብ ኪሓኮ ዘይክእል ኣብ ልቢ ዝተጻሕፈ
ናይ ተሞኩሮ ትምህርቲ እዩ። ስለዚ ዮናስ ንኣምላኽ ብተሞክርኡ ከምዚ ምዃኑ
ስለዝፈልጦ፡ ካብ ክብረት ኣምላኹ ክብረት ርእሱ ድማ ስለዘቐደመ፡ ንሰብ ነነዌ
ከይድሕኑን ከይመሓሩን ክድቅስ እዩ መሪጹ። እግዚኣብሄር ከጥፍኦም እንተድኣ
ይሓስብ ኣሎ የጥፍኣዮም፡ ኣነ እንተኸድኩ ግና ከምባህሪኡ ክምሕሮም ይኽእል
እዩ ኢሉ ስለዝሓሰበ ከኣ ምህዳም መሪጹ። ኣብ መወዳእታ ተገዲዱ ከይዱ
ኣንጻራ ምስ ኣወጀ’ውን እግዚኣብሄር ነታ ከተማ ምሕረት ስለዝገበረላ ዮናስ
ኣዝዩ ተቖጥዐ። ኣምላኽና ግና ጸዋር ስለዝኾነ ነታ ብሓጢኣታን ብኣበስኣን
ዝተነስሓት ከተማ ነነዌ ምሕረት፡ ነቲ ብምድሓን ከተማ ነነዌ ዘይተሓጎሰ ዮናስ
ድማ ትምህርቲ ኣዳለወሎም። ብዘገርም ጥበቡ ብሓንቲ መዓልቲ ዝበቖለት
ንጽብሒቱ ግና ዝነቐጸት ጉልዒ ገይሩ ምሂርዎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ
ንኹላትና ዝኸውን ትሕዝቶ ኣለዎ፡ ሓንትስ ናብኡ ንቕረብ። እንተዘይኮነ ናብኡ
ብዘይ ምቕራብና ወይ’ውን ብምድቃስና ንኻልኦት ሰባት ንጥፍኣት ኢና
ንኸውን።
ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት ንሕናኸ ካብዚ ናይ ዮናስ ህይወት እንምሃሮ እንታይ እዩ፧
ህይወትናኸ ኣብ ምንታይ ኣላ፧ ኣብ ድቃስዶ ኣብ ምንቃሕ፧ ምንቃሕ ክንብል
እንከለና ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምሉእ ፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትናን ኣብ
ናብራናን ፈሊጥናን ተረዲእናን ንዕኡ ክንነብርን ክንግዛእን ከለና ማለትና እዩ።
ድቃስ ከኣ ብኣንጻር ናይ እዚ ንምንቃሕ ዝሃብናዮ ትርጉም እዩ። ካብዘን ዝስዕባ
ኣርባዕት ነጥብታት ህይወትና ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘላ እስኪ ንመርምር፡
ሀ.ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ከይፈለጥካ ምድቃስ፡ -ማቴ 26፡37-44
ኣብዚ ኸም እነንብቦ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌተሰማነ ነቒሑ ክጽሊ እንከሎ
ንንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ተረዲኡን ፈሊጡን ንምፍጻሙ ሓይሊ ካብ ሰማይ
እናተቐበለ፡ ንደቂ መዛሙርቱውን ነዚ ናይ ኣምላኽ ፍቓድን መደብን ምእንቲ
ናብ 4ይ ገጽ ይቕጽል
ሓራ ኣውጺኡኒ
..........ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ
ከም ጽኑዕ ግንቢ ኣብ ዙርያይ ከቢቦምኒ ዝነበሩ ፖሊስ ነቲ ኣነ ዝረኣኽዎ
ስለዝርኣዩ ብፍርሃት ተመሊኦም ካብቲ ደው ዝበሉሉ ቦታ ንድሕሪት
እንዳ ኣድሓርሓሩ ነቲ ሒዞሞ ዝነበሩ በትርን ብረትን እንዳደርበዩ
ክሃድሙ ጀመሩ። ናበይ ከምዚኣተዉ ግና ኣይፈልጥን።
ንሱ ድማ ነቲ ብጭቃ ዝተለወሰን ጥራዩ ዘሎን ሰብነተይ ከይተጸየፈ
ብየማናይ ኢዱ ብመንኩበይ ሒዙ ኣተንስኣኒ። በቲ ናይ ቅድም ዝዓይነቱ
ድምጺ ገይሩ እንደገና ጸወዓኒ “ሊያ ንስኺ ናተይ ኢኺ፡ ብደመይ
ዝዓደግኩኺ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጓለይ ኢኺ። ካብ ሎሚ ጀሚርኪ ካብቲ
ኣነ ዝነገርኩኺ ቃል ናብ የማን ይኹን ናብ ጸጋም ኣይተብሊ። ምሳይ
እንተተሰማማዕኪ ዘመንኪ ብሓጎስ ዕድሜኺ ድማ ብሰላም ክትውድእዮ
ኢኺ። ብኣኺ ክሰርሖ ዝደልዮ ዓቢ ዕላማ ኣለኒ፡ ከኽብረኪ እየ፡
ክጥቀመልኪ ከኣ እየ። ግና ካብ ፍቃደይን ትእዛዛተይን ወጺእኪ ካብ
መገደይ ርሒቕኪ ዳግማይ ሓጢኣት ኣይትግበሪ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ
ህዝበይ ንምስክርነት ከቑመኪ እየ” እንዳበለኒ ሳልሳይ ካንሸሎ በጻሕና።
እዚ ድማ ብዙሓት ወተሃደራት ፡ ፖላይስን ስቪል ዝተኸድኑ ዝተፈላለዩ
ሰባት ዘለዉዎ ገፊሕ ካንሸሎ እዩ። በዚ ቀጽሪ ክንሓልፍ ከለና ካብዞም
ኩሎም ሰባት ሓደ እኳ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፧ ምስ መን ትኸዲ ኣለኺ፧
መን ፈቒዱልኪ ናብዚ መጺእኪ፧ ኢሉ ዝሓተኒ ኣይነበረን።
ዋላ ሓደ ኣብ ሽግረይ ኣብ መከራይን ከይረደኣንን ከይበጸሓንን። ንሱ ግና
ናብቲ ዘለኽዎ ቦታ እሞ ከኣ ካብ ሰማይ ሰማያት መጺኡ ካብ ጭቃ
ከውጸኣኒ ኢዱ ክዝርግሓለይ ከሎ ተሓጎስኩ። ብኡብኡ ዘለኽዎ ኩነታት
ረሲዐ ዝረድኣኒ ብምርካበይ ቀበጥበጥ ክብል ጀመርኩ። ዝነበረኒ ሽታን
ጭቃን ርስሓተይን ከይተጸየፈ ኢዱ ዘርጊሑ ምዝዝ ኣቢሉ ኣውጽኒ።
ወግዒ ከይተርፍ ንሕፍረተይ ብኢደይ ክሽፍን ፈተንኩ፣ ለካስ ንሱ ግና
ብኸምዚ ኣይሕመን እዩ እሞ ጸኒሐ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢለ ክሓቶ
ደለኹ፣ በየናይ ዓቕመይ ክሓቶ። ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ውሒጡ
ክቀትለኒ ተባሂሉ ዝነበረ ጭቃ፣ ሕጂ ከም ጽርግያ ንቁጽ ኮይኑ ተሰመዓኒ
እሞ ረጋጊጸዮ ክኸይድ ጀመርኩ። እቲ ኣዝየ ዝበቀሉ ዝነበርኩ ጻዕዳ
ክዳኑ ከየርስሖ ብምባል ካብኡ ፍንትት ኢለ ክኸይድ ፈተንኩ፡ ንሱ ግና
ብየማነይቲ ኢዱ ከም ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ኣብ ጎኑ ሕቁፍ ኣበለኒ። ቀስ
ኢለ ብጭቃ ዝተበላሸወ ክዳኑ ንምርኣይ ፈተንኩ፡ እንተኾነ ግና ዋላ
ሓንቲ ጭቃ ኣይነበሮን። ምስኡ ተጣቢቀ እንዳሰጎምኩ ከለኹ ንክዳኑ
ከም ዘየርሳሕኩሉ ምስ ፈለጥኩ ድማ ዝበለጸ ናብኡ ጥብቕ ኢለ ምስቲ
ሓድሽ መድሓኒየይ ጉዕዞ ጀመርና።ንስኻ ግና መን ኢኻ፧” በልክዎ።
ጎይታይ ድማ ትኩር ኢሉ እንዳጠመተኒ “ኣይትፈልጥንን ዲኺ?፧ ኣነ
ዝተዓጽወ ዝኸፍት፡ ንእሱራት ሓራ ዘውጽእ ንዝተጨነቑን ጾር
ንዝኸበዶምን ዘዕርፍ፡ ዎ ኣምላኸይ ኢልኪ ዝጸዋዕክኒ ኣምላኽ ኣብርሃም
ይስሃቕ ያእቆብ እየ” በለኒ። መሊሰ ድማ “ ናብ ዝኸድክዎ ዘበለ ኩሉ
ክምስክረልካ ከለኹ እቲ ነዚ ዝገበረልኪ ስሙ መን ይበሃል፧ ንሱኸ መን
እዩ፧ ኢሎም እንተሓተቱኒ መን ክብሎም፧” ብምባል ሓተትክዎ። ንሱ
ድማ “ኩሉ ዝኽእል” በልዮም “ ንስኺ ክትምስክሪ ከለኺ ኣነ ድማ
ምሳኺ ስለ ዘለኸውን ንሳቶም ብኣኺ ገይሮም ክርእዩኒን ክፈልጡንን
ክስዕቡንን ክሰምዑኺውን እዮም። ኣነ ከምቲ ቀደም ዝገበርክዎ ሕጂውን
እገብር ኣለኹ” በለኒ።
ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማ ኣእጋሩ በቲ ጭቃ እንዳሰጎማ እቲ ጭቃ ግና ነቲ
ምጽዕዳው ከም ጸባ አረ እንታይ ከም ጸባ ጥራይ ዘይኮነስ ምጽዕዳው
ንበረድ ዝመስል ካብዚ ንላዕሊውን ዋላ ደበና እንተበልክዎ ኣብ ቅድሚኡ
ደበና ጽሩይ ዘይኮነ፡ ንክዳኑ እቲ ጭቃ ከርስሖ ኣይከኣለን። ዝኾነ ኮይኑ
እቲ ገይርዎ ዝነበረ ክዳን ምጽዕዳው ብምድራዊ ቋንቋ ክግለጽ ዝከኣል
ኣይኮነን።ብጣዕሚ ተጸጊዑኒ የማነይቲ ኢዱ ብምዝርጋሕ “ኤልዳ” ኢሉ
ብዘፍርህን ዘሰንብድን ጸወዓኒ። ለካስ ንስመይ ይፈልጦ እዩ! ስመይ
ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ኣቦይ ብቕብጥሮት ዝጽውዓኒ ዝነበረ ናይ ገዛ
ስመይ ገይሩ ክጽውዓኒ ከሎ ፍሉይ ነገር ተሰመዓኒ። ተስፋይ ተሓዱሱ፡
ሓይልን ብርታዐን ተመላእኩ። “ እንተወሓደ ናይ ገዛ ስመይ ዝፈልጥ
እንተኾይኑስ ንክፋእ ነገር ኣይጭክነለይን እዩ፡ ዘለኽዎ ኩነታት ርእዩ
ድማ ይርሕርሐለይ ይኸውን” ብዝብል ሓሳብ ድማ ተጸናናዕኩ። እቲ
ዘገርም ድማ ኣነን እዚ ኢዱ ኣብ መንኩበይ ገይሩ ዝኸይድ ዘሎ ሰብን
ክልቴና ልክዕ ከም በዓል ስልጣን ኢና እንስጉም ዝነበርና እምበር
ብምዝውዋር ሓሽሽን ስለያን ብዝብል ገበን ተኸሲሳ ዝተተሓዘት ጓል
ኣይመስልን ነበርኩ። ነቲ ካልኣይ ማዕጾ ሓሊፍና ክንወጽእ ከለና ናብቲ
ናይ መወዳእታ ማዕጾ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ በጻሕና። ኣብዚ ቦታ
ንሓለዋ ዝተዳለዉ ብረት ዝሓዙ ኣብ በሪኽ ቦታ ኮይኖም ዝሕልው
ዋርድያታት፣ ኣብ ውሽጢቲ ካንሸሎ ድማ ካብዝን ናብትን ዝብላ ናይ
ፖሊስ መካይን ረኣኹ። በቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ኣድናቖትን ምግራምን
ተመሊአ ናብቲ ብመንኩበይ ሒዙ ብስቕታ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ፡ ነታ
ናይ ቀደም ሊያ ቀይሩ ሓዳሽ ሊያ ዝገበረኒ፡ ደጊመ ቅንዕ ኢለ ክርእዮ
ደሌኹ። እቲ ካብ ገጹን ካብ ዓይኑን ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን ግና
መንነቱ ክርኢ ኣየኽኣለንን። ብኸምዚ ኩነታት ኮይንና ማዕጾ እቲ ኣብ
ዓለም ጽኑዕ፡ ከቢድን ነዊሕን ዝተባህለሉ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ
ፈሊጢ ባዕሉ ጋህ ኢሉ ተኸፈተልና። ኣነ ድማ ምስቲ ሓቢሩኒ ዝጉዓዝ
ዘሎ በዓል ጽቡቐይ ኣብ ትሕቲ ሕቑፉ ሽኩዕ ኢለ ነቲ በዓል ዘፈርፈር
ክዳን ሕቑኡን ሓቑፈ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ደገ ወጺእና ቅሩብ
ስጉምቲ ምስ ከድና፣ እቲ ኣብ ጎነይ ዝነበረ ካብ ጭቃ ዘልዓለኒ በዓል
ጽቡቐይ፣ ናይ መወዳእታ ቃሉ ከምዚ ክብል ተዛረበኒ “ካብቲ ኣብ
ኢድኪ ዝነብረ ሰንሰለት ሎሚ ፈቲሐኪ። እንተኾነ ግና ኣን ጓለይ
ኣይትፍርሂ፡ እንሆ ኣነ ምሳኺ እየ” በለኒ እሞ ሓንቲ ቃል ከየተንፈስኩ
ከለኹ እንዳረኣኽዎ ናብ ላዕሊ ዓረገ፡ ኣዒንተይ ምርኣይ ክሳዕ ዝሰእንኦ
ናብ ላዕሊ ርሒቑ ተሰወረኒ።
ብድሕረይ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ማዕጾ ብቕድመይ ድማ ናይ
ባንግላድሽ ናይ በረኻ መገዲ፣ ኣብቲ ማእከል ንበይነይ ተረፍኩ።
ፍርሃት ተሰመዓኒ እሞ ብኡብኡ ግን እቲ ድምጺ ኣብ እዝነይ ደወለ
“ሊያ ኣይትፍርሂ” ዝብል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ ኣዒንተይ
ኣማዕድየ እንተጠመትኩ ካብ ርሑቕ ዕትሮ ዝመስል ነገር ኣብ ሕቖኣ
ተሰኪማ ቆልዓ ድማ ኣብ ኢዳ ሒዛ ብማእከል እቲ ቆጥቋጥ እትጉዓዝ
ሓንቲ ሰበይቲ ረኣኹ። ድሕሪ ቁሪብ ስጉምትታት ድማ ናብቲ ዘለኽዎ
ቦታ መጺኣ ኣብ ጥቓይ ደው በለት። ኣብ ገጸይ ናይ ፍርሃትን ናይ
ስንባደን ነገር ይረአ ነበረ። “ኤሽ ትከለም ኣንትያ” በለትኒ።ኣብቲ ናይ
ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ቤት ማእሰርቲ ዘመነትይ ቁሩብ ዓረበኛ ፈሊጠ
ስለዝነበርኩ ኮልተፍተፍ እንዳበልኩ ንብዓት ብዘጠልቐዮም ኣዒንተይ
ገይረ ክትርደኣኒ ለመንክዋ። ንሳ ድማ ነቲ ተሸኪማቶ ዝነብረት ዕትሮ
ኣውሪዳ ብምድናቕ እንዳረኣየትኒ ቅርብ ኢላ ብኢደይ ሒዛ ናብቲ
ቆጥቛጥ ሒዛትኒ ብምእታው ካብቲ ዕትሮኣ ማይ እንዳቐድሓት
ነብሰይ ክትሓጽበኒ ጀመረት። በቲ ናይ ዕትሮ ማይ ናይ ሰብነተይ ጭቃ
ምስ ሓጸበትኒ ማይ ስለዝተወደአ ካልእ ማይ ከተምጽእ ደልያ “ኣስተኒ
ሽዋያ ያ ሓቢቢ” (ቁሩብ ተጸበይኒ ጽብቕተይ) ብምባል ተመሊሳ ከም
ህጻን ቆልዓ ክትጎይ እንዳፈተነት ማይ ከተምጽእ ናብቲ ሩባ ወረደት።
እቲ ዝኾነ ነገር እንዳዘከርኩ እዚ ዝፍጸም ዘሎ ሕልሚ ኮይኑ
እንዳተሰመዓኒ ምእማንን ዘይምእማንን ተደራሪቡኒ ክድነቕ ጀመርኩ።
ይቕጽል
32
32
ክርስትያናዊ
ህይወት ድቃስ ዮናስን ሳዕቤናቱን
2ይ ክፋል

More Related Content

What's hot

What's hot (8)

Volume 1
Volume 1Volume 1
Volume 1
 
Orthodox tewahedo marriage 3 wb
Orthodox tewahedo marriage   3 wbOrthodox tewahedo marriage   3 wb
Orthodox tewahedo marriage 3 wb
 
Tqmti 21
Tqmti 21Tqmti 21
Tqmti 21
 
Orthodox tewahedomarriage7wb
Orthodox tewahedomarriage7wbOrthodox tewahedomarriage7wb
Orthodox tewahedomarriage7wb
 
Bibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw finalBibl study power point aragaw final
Bibl study power point aragaw final
 
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]Bibl study power_point_aragaw_final[1]
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
 
Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5Gxawie hdar1 5
Gxawie hdar1 5
 
Benson commentary
Benson commentaryBenson commentary
Benson commentary
 

Similar to ቃል መስቀል ሓምሻይ ሕታም

Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfTigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfFilipino Tracts and Literature Society Inc.
 
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)YiftaleamZerizgi1
 

Similar to ቃል መስቀል ሓምሻይ ሕታም (20)

Tigrinya - Testament of Dan.pdf
Tigrinya - Testament of Dan.pdfTigrinya - Testament of Dan.pdf
Tigrinya - Testament of Dan.pdf
 
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdfTigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
Tigrinya - Joseph and Asenath by E.W. Brooks.pdf
 
Tigrinya - Testament of Joseph.pdf
Tigrinya - Testament of Joseph.pdfTigrinya - Testament of Joseph.pdf
Tigrinya - Testament of Joseph.pdf
 
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdfTigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
Tigrinya - The First Gospel of the Infancy of Jesus Christ.pdf
 
Tigrinya - Tobit.pdf
Tigrinya - Tobit.pdfTigrinya - Tobit.pdf
Tigrinya - Tobit.pdf
 
TIGRINYA - JUDE.pdf
TIGRINYA - JUDE.pdfTIGRINYA - JUDE.pdf
TIGRINYA - JUDE.pdf
 
Tigrinya - Testament of Asher.pdf
Tigrinya - Testament of Asher.pdfTigrinya - Testament of Asher.pdf
Tigrinya - Testament of Asher.pdf
 
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdfTIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
TIGRINYA - The Book of the Prophet Nahum.pdf
 
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdfTigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
Tigrinya - The Epistles of Paul the Apostle to Seneca, with Seneca's to Paul.pdf
 
Tigrinya - Obadiah.pdf
Tigrinya - Obadiah.pdfTigrinya - Obadiah.pdf
Tigrinya - Obadiah.pdf
 
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdfTigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
Tigrinya - The Book of Prophet Zephaniah.pdf
 
Geez 1
Geez 1Geez 1
Geez 1
 
Amharic - Prayer of Manasseh.pdf
Amharic - Prayer of Manasseh.pdfAmharic - Prayer of Manasseh.pdf
Amharic - Prayer of Manasseh.pdf
 
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)ውዳሴ ማርያም ( ሰኑይ-ሰንበት)
 
Tigrinya - Judith.pdf
Tigrinya - Judith.pdfTigrinya - Judith.pdf
Tigrinya - Judith.pdf
 
Tigrinya - Book of Baruch.pdf
Tigrinya - Book of Baruch.pdfTigrinya - Book of Baruch.pdf
Tigrinya - Book of Baruch.pdf
 
Tigrinya - Testament of Benjamin.pdf
Tigrinya - Testament of Benjamin.pdfTigrinya - Testament of Benjamin.pdf
Tigrinya - Testament of Benjamin.pdf
 
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdfAmharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
Amharic - The Blood of Jesus Christ.pdf
 
Tigrinya - Letter of Jeremiah.pdf
Tigrinya - Letter of Jeremiah.pdfTigrinya - Letter of Jeremiah.pdf
Tigrinya - Letter of Jeremiah.pdf
 
Tigrinya - Dangers of Wine.pdf
Tigrinya - Dangers of Wine.pdfTigrinya - Dangers of Wine.pdf
Tigrinya - Dangers of Wine.pdf
 

ቃል መስቀል ሓምሻይ ሕታም

  • 1. ሕታም ቁጽሪ 3/2014ሕታም ቁጽሪ 3/2014 ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail..comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ትሕዝቶ 1. ሓራ ኣውጺኡኒ 2. ሓይሊ ቃል 3. ድቃስ ዮናስን ሳዕቤናቱን 4.ዛንታ ርሳስ ጎይታ የሱስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ብኢዳ ሒዙ ናይ ዘውጽኣ ሊያ ማክዶናል ኣደናቒ ታሪኽ (2ይ ክፋል) ረቡዕ ናይ ምሸት ኣከባቢ እንዳሓንከስኩ ምስቲ ሓድሽ መርማርየይ ተፋለጥኩ። ካብቲ ኮፍ ዝበለሉ ኩርሲ ብድድ ኢሉ ስሙ ነገረኒ እሞ ናተይ ስም ድማ ሓተተኒ። ኣውያተይ ብዘንቕዖ ብዝላሕተተ ድምጸይ ገይረ “ሊያ ማክዶናል ዜግነት ኣመሪካዊት” በልክዎ፡ ካብ ኣዒንተይ ድማ ንብዓት ጀረብረብ ይብል ነበረ። ንሱ ድማ ፍሽኽ ብምባል “ንምንታይ ትበኽዩ ኣለግኺ፧ ብነብሶም ዝተኣማመኑ ሰባት ነቓጻትን ንብዓት ኣልቦን እዮም። እቶም በደለኛታት ግና ኩሉ ጊዜ በደሎም ብንብዓት ክሽፍንዎ እዮም ዝፍትኑ። ስለዚ ምንባዕ ግደፍዮ እሞ እቲ ሓቂ ንዘራረብ” በለኒ። ካብቲ ኮፍ ዝበለሉ ኩርሲ ተንሲኡ ናባይ ብምቕራብ ብርክኽ ኢሉ ክልተ ኣእዳው ኣብ ኣብራኸይ ኣደጊፉ ገጸይ ንምርኣይ እንዳፈተነ “ሊያ ኣነ ክሕግዘኪ ክቐትለኪ ክኣስረኪ ክፈትሓክን እዚ ኩሉ ድማ ካብዛ ፒሮይ ብዝወጽእ ቁሩብ ቀለም ጥራይ ኣብዚ ወረቐት ብምፍራም ክፍጽሞ እኽእል። ዝተኸሰስክሉ ክሲ ምምዝውዋር ሓሽሽ ዘይኮነስ ሃገር ብምስላይ ገበን እዩ ዝብል፡ ስለያ ዘካይዱ ሰባት ድማ ጽቡቕ ሜላ ኣለዎም። ቀዳማይ ዝተማህሩ ሰባት ወይ ድማ ከምዚ ናትኪ ዝበላ ተፈጥሮ መልክዕ ዝዓደለን ፍሉያት ኣዋልድ እዮም ዝጥቐሙ” ብምባል ዘረብኡ ቀጸለ። ገጸይ ብሓደ እዋን ጸለመ፡ ልበይ ህርመታ ደው ዘበለት ኮይኑ ተሰመዓኒ፣ ምሉእ ኣካላይ ድማ በረድ ኮነ። ከም ገለ ኢለ ሓይለይ ኣኻኺበ “ኣነ ዝተኸሰስኩሉ ክሲ ስለያ ዘይኮነ ምዝውዋር ሓሽሽ እዩ፡ ምናልባት ከምዚ ናተይ ሽም ዘለዋ ናተይ ሞኽሲ ኣብዚ ከይትህሉ፧” በልክዎ። ንሱ ድማ ኣፍጢጡ ጠመተኒ እሞ ናይ ኣሽካዕላል ፍሽክታ እንዳኣርኣየኒ “ዝተኸደንክዮ ክዳን ኩሉ ኮስትሞ ከይተረፈ ሓደ ብሓደ ኣውጽእዮ” በለኒ። ቁሩብ ዕጥይጥይ በልኩ፡ ግና ኣይከኣልኩን ስለዚ ድማ ኣምሪረ እንዳበኸኹ እቲ ዝኣዘዘኒ ጸፈምኩ። እምቢ ምባል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ነብስኻ ምብዳል እንተዘይኮይኑ ፋይዳ የብሉን። ኣነ ዝገመትክዎ ብጓልነተይ ክጥቀመለይ እዩ ዝኸውን ኢለ ክሓስብ ከለኩ “ተኸተልኒ” በለኒ። ሓደ ማዕጾ ከፊቱ ብኮሮድዮ ሓሊፍና እንደገና ሓደ ናይ ሓጺን ማዕጾ ከፈተ እሞ ኣብቲ ጸልማት ክፍሊ ደፊኡ ኣብቲ ምድሪቤት ሰጥሓኒ። ነቲ መብራህቲ ምስ ኣብርሆ ድማ ኣብቲ ክፍሊ ክሳዕ 20 ዝበጽሑ ረጎድትን ቀጠንትን ደቂ-ተባዕትዮ እሱራት ነበሩ፡ “ኣብ ማእከሎም ደው በሊ” በለኒ። ዝርእዮ ኣስካሕካሐኒ፡ ንሕፍረተይ ብኢደይ ክሽፍን ፈተንኩ ግና ኣይተፈቕደለይን። ንፍርቂ ሰዓት ዝከውን ደው ኢለ በኸኹ። ብድሕሪዚ ጸጉረይ ሒዙ ከም ዝተኣስረ ከልቢ እንዳጓተተ ናብቲ መግረፊ ቦታ ወሰደኒ እሞ እቲ ልሙድ ዘስካሕክሕ መግረፍቶም ቀጸልዎ። በብቕሩብ ኣካላተይ ደንዚዙ ዘልሓጥ በልኩ። ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ መዓስን ብኸመይን ኣብኡ ከምዝደርበዩኒ ከይፈለጥኩ ንነብሰይ ኣብ ማእከል ዝቦኾዐ ጭቃ ጥራይ ነብሰይ ረኸብክዋ። ቁሪ የንቀጥቕጠኒ፡ ጨናኡ የጨንቐኒ ነበረ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ ዙርያኡ ብዓቢ ናይ ብርሃን ጨረር ዝተኸበ ለውሃትን ሓልዮትን ፍቕርን ዝመልኦ ፡ ህድኣት ሰላምን ርእሰ ምትእምማንን ዝርኣይዎ ንውሕ ዝበለ ደስ ዘብል፣ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ፈታዊ ዓርኪ ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩ ምልኩዕ ሰብ ናባይ ቅርብ ኢሉ ብክልተ ኣእዳው ብመንኩበይ ሒዙ ሓፍ ኣበለኒ። ፍርሃት ስንባደ ምግራም ተሓዋዊሱኒ ነቲ ዝደገፈኒ ኢድን ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ካብ በረድን ጸባን ንላዕሊ ዝምጽዕዳው ኣንጸባራቒ ክዳንን ጸጉርን ዘለዎ፣ ካብ ኣዒንቱ ዝወጽእ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ድማ ፍሉይ ባህታ ዘመሓላልፍ ክርእዮ ጀመርኩ። ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዓይነት ጥዑም ድምጺ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ካብ ኣኽራን እንዳተወርወረ ከምዝፈስስ ወሓዚ ከምኡ እንዳተቀበባለ ከም ዘቃልሕ ድምጺ ንእዝነይን ልበይን ብፍሉይ ባህታ መልኦ። ካብ ዕቤት ናይቲ ድምጺ ዝተላዕለ ሰማያት ካብ ጻት ክሳዕ ጻት ዘቃልሐ መሰለኒ። እቲ ኩሉ ድኻም እቲ ኩሉ ቃንዛን ስቓይን ብኡብኡ ረሳዕክዎ። ሓይሊ ተመሊአ ብድድ በልኩ። ናብ ሳልሳይ ገጽ ይቕጽል “ልኡም ምላሽ ንቑጥዓ የህድእ ፡ ተሪር ቃል ግን ኩራ የልዕል።” ምሳሌ 15፡1 ቃላት ምልኣት ሓይሊ ኣለዎም። ሓሳባትና ንገልጸሎም ጥራይ ዘይኮኑ ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወትውን ዝተላበሱ እዮም። ቃላት ዝምድናታት ይሃንጹ እዮም። ምስ ኣሕዋት ፡ ቤተሰብ ፡ ኣዕሩኽ ፡ መቕርብ ፡ ወከልቲ መንግስቲ ከምኡውን ምስ መሳርሕቲ ዝምድናታት ይሃንጹ እዮም። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ፡ “ኣነ ግና ፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።’’ ማቴዎስ 12፡36-37። ቃላት ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ምኽንያቱ እቲ ክንረዳዳኣሉ ደሊና ዘለና ቃል ትርጉም ወይ ኣበሃህላ ብትኽክል እንተደኣ ተዘሪቡ በቶም ዝሰምዕዎ ሰባት ብጽቡቕ መንፈስ ተቐባልነት ይረክብ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብቲ ኣዘራርባና ወይ ኣበሃህላና ዝኾነ ጌጋ ምስ ዝህሉ ዝርርብና ዘይምርድዳእ የስዕብ ፡ ውጽኢቱ ኸኣ ምትሕርራቕ ወይ ምቅይያም ይኸውን። ቃላት እሩማት ይኹኑ ግጉያት እንተደኣ ብግጉይ ኣገባብ ተዘሪቦም ፡ ወይውን ካብ ኣፍና ወጺኦም ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወገን ማህሰይትን ክሳራን እዮም ዘስዕቡ። ንኣብነት ሕውነትካ ወይ ዕርክነትካ ክጽሎ ይኽእል ፡ ልቢ ፈተውትኻ ይትንከፍ ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምልጠካ ይኽእል ፡ ክሳዕ ደረጃ መንግስታትውን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ከበላሹ ይኽእል። ናብ ካልኣይ ገጽ ይቕጽል መስከረም-2014 መስከረም-2014 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 ዓምዲ ምስክርነት 14 4 1 ሓራ ኣውጺኡኒ ! ሓይሊ ቃል ዓምድታት ዓምዲ ምስክርነት ክርስትያናዊ ህይወት ካብዝን ካብትን ዓምድታት ዓምዲ ምስክርነት ክርስትያናዊ ህይወት ካብዝን ካብትን ክርስትያናዊ ህይወት ድቃስ ዮናስን ............................ ካብ 2ይ ገጽ ዝቐጸለ ክርድእዎን ክፈልጥዎን ሰለስተ ጊዜ ንቕሑን ጸልዩን በሎም። ንሳቶም ንዝነበሮም ዕድል ከይተጠቕምሉ እታ የሱስ ዝተሓዘላን ዝስቐለላን ዝሞተላን ጊዜ በጽሐት። ብድሕርዚ ኣብ ህይወቶምን እምነቶምን ምዝንባል ኣስዒብሎም። ሎሚውን እቲ ምኽንያት ምዝንባል ኣብ ህይወትናን እምነትናን ዘስዕብ ንጹር ፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኸይፈለጥና ስለ ንድቅስ እዩ እሞ ከመይ ከምእነስተብህል ንጠንቀቕ። መክ12፡1, ሮሜ13፡11 ለ.ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥካ ምድቃስ፡- ናይዚ ኣብነት ዝኾነና ድቃስ ዮናስ ስለዝረኣና ሕጂ ክንዛረበሉ ኣየድልን እዩ። እንትኾነ ግና ኣብ ህይወትና ንጹር ዝኾነ ክንገብሮ ዝተባህለልና ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥና ሒዝናዮ ዝደቀስና ክንደይ ኢና፧ ልዕሊ ዝኾነ ነገር እግዚኣብሄር ፍቓዱ ዘፍልጠና ንኸንቱ ኣይኮነን ወይ ሒዝናዮ ኮፍ ክንብልውን ኣይኮነን። ኣምሳያኡ ፍቓዱ ዘፍልጠና ተንሲእና ክንዓዪ እዩ። ስለዚ እምበኣር ኣሕዋተይ ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሄር ክሓተና ምዃኑ ፈሊጥና ብምንቃሕ ክንህሉ ሰገጥ ክንብለሉ ዘይብልና ምዃንና ክንግዘብ የድሊ። ሐ.ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥካ ንዕኡ ትነብር ኔርካ ግና ከይወዳእኳዮ ምድቓስ፡- 2ጢሞ4፡10 “ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ ሓደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ’’ ይብል። ብዙሓት ኣሕዋት ብዙሕ ንዕዮ ዝኸውን ነገር ይቕበሉ፡ ተቐቢሎምውን እቲ ጉዕዞ ይጅምርዎ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ሞንጎ ብዝህብዎ ምኽኒት ክኹለፉ ንርእዮም። እዚ ነገር ዘሕዝን ምዃኑ ንዝንግዖ ኣይመስለንን። ኤልያስ ብምፍርራሕ ኤዛቤል ጉዕዞ መገዱ ኣቋሪጹ ንኣምላኽ ውሰደኒ ክብሎ እንከሎ ንዕዘብ። ዘይከም ኤልይስ ኤልሳእ ግና ብደቂ ነብያት ንተልእኽኡ ክጎናደብ ንዝወሃቦ ዝነበረ፡ ካብ ሓቂ ዝብገስ ወይ ሓልዮ ዘልዎ ዝመስል ሓሳብ ነጺጉ ክሳዕ መወዳእታ ክጸንዕ እንከሎ ኢና እንዕዘቦ። ኣብ ከምዚ መድረኽ ዘለና ኣሕዋት ብዙሓት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዞም ኣብ ከምዚ ኩነታት ዘሎና ኣሕዋት ሓደ ብስራት ኣለኒ፡ ማለት ምንም እኳ ነቲ ጉዕዞ ክትጅምሮ ክብድ ዝብል ዝመስል እንተኾነ፡ ኣብ ኣምላኽ ግና ጌና ተስፋ ኣሎ፡፡ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል “ንሕና እንተጠለምናዮ ንሱ ንርእሱ ክኽሕድ ኣይክእልን እዩ እሞ እሙን ኮይኑ እዩ ዚነብር” 2ጢሞ2፡13። ስለዚ ኣብ እምንቶና ዘይኮነ ኣብ እሙንነት ኣምላኽ ተወኪልና ዕዮና ዳግም ንምጅማር ንበገስ! መ.ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥካ ንዕኡ ፈጺምካ ምሕላፍ፡- “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ እቲ ጉያ ወዲኤ ነታ እምነት ሓሊየ ደጊምሲ ጎይታይ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቒ ተነቢሩለይ ኣሎ።”2ጢሞ4፡ 7 ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝኽኣለ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ትእዛዝ ማለት ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን ብኹሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ፡ ንዓኣ እተመስላ ኸኣ ንብጻይካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ፡ ንዝብል ትእዛዝ ከም መሪሕ ዕላማ ናይ ኣገልግሎቱ ገይሩ ይዓይ ስለ ዝነበረ፡ ብሰማይ ወገን ብፍቕሪ ናይ ኣምላኽ ተማሪኹ፡ ብምድሪ ወገን ድማ ብፍቕሪ ኣሕዋት ተታሒዙ፡ ልቡ ኩሉ ጊዜ ንፍቃድ ኣምላኽ ክነቅሕ ንምፍጻም ኩሉ ኣገልግሎቱ ድማ ትጉህ ክኸውን ሓይሊ ረኸበ። ኣብ ፍቕሪ ኴንካ እትገብሮ ኣገልግሎት ንምሉእ ዘበን ህይወትካ ንፍቃድ ኣምላኽ ፈጺምካ ክትሓልፍ ይገብረካ። ስለዚ ልብና ብፍቕሪ ትታሒዙ ንዕዮ ጎይታ ጽኑዓትን ዘይንነቓነቕን ንኹን! ኣብ መወዳእታ ኣሕዋተይ፡ ድቃስ ዮናስ መበገሲኡን ሳዕቤናቱን ርኢና ኣሎና። ካብዚ ኩሉ ዝገለጽናዮ ልዕሊ ኩሉ ክንመሃሮ እንኽእል ብዙሕ እኳ እንተኾነ ፡ በቲ ዝነኣሰ መልክዕ ናይ ትምህርቱ እንወስዶ ግና፡ “ ድቃስ ንዮናስ ኣይጠቐሞን” ዝብል እዩ። ስለዚ ካብ ድቃስ ንበራበር እሞ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ፈሊጥና ንዕዮ ንትጋህ። እቲ ምንታይ’ሲ “… እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም” ማቴ9:37። ብሓውኹም ቴዎፍሎስ ካብ inspirational stories ዝተወስድ ዛንታ ርሳስ ሓደ ግዜ እቲ መሃዚ ርሳስ፡ ንርሳስ ሰሪሑ ምስ ወድኣ፡ “ቅድሚ ናብ ዓለም ወጺእኪ ዕላማኺ ምፍጻምኪ፡ ክትፈልጥዮም ዝግብኣኪ ሓሙሽተ(5) መምርሒታት ኣለዉ። ነዘን ዝስዕባ ዕማማት እንተ’ደኣ ፈጺምኪ ዝበለጸት ርሳስ ክትኮኒ ኢኺ” በላ። 1. ዓበይቲ ነገራት ክትገብሪ ኢኺ። እዚ ዝኸውን ግን ኣብ ኢድ ሓደ ክትውነኒ ፍቓደኛ ምስ እትኾኒ ጥራይ እዩ። 2. ቀጻሊ ብበሊሕ መላጸ ክትጽረቢ ኢኺ። እዚ ‘ድማ ብልሕኺ ኣጥፊእኪ ከይትጎድሚ ከኽእለኪ እዩ። 3. ብትፍጽምዮ ጌጋ ከይትሰናበዲ። ንጌጋኺ መአረሚ መደምሰስ ገይረልኪ ኣለኹ። 4. እቲ ናትኪ ዝበለጸ ነገር እቲ ኣብ ውሽጥኺ ዘሎ ነገር ምኻኑ ፈጺምኪ ተረድኢ። 5. ዘለኽዮን ትሓልፍዮን ኩነታት ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝኣተኽዮ ስፍራ ኣሰር ክትገድፊ ኢኺ’ሞ ምጽሓፍ ኣይተቋርጺ። ነዘን መምርሒ ሒዛ ተልእኾኣ ክትፍጽም ኣብ ባኮ ተዓሺጋ ናብ ዓለም ከደት፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ዕዮ ኣላ ንብለኩም። ንዓና ‘ውን ኣምላኽ ብዕላማን ንዕላማን ኢዩ ዝፈጠረና። ኣብ ዝኸድናዮ ስፍራ ሰናይ ኣሰር ወይ’ድማ ፍረ ክንፈሪ ኢዩ ዝፈጠረና። እዚ ክዉን ንክኸውን ድማ መጀመርታ ብመንፈስ ቅዱስ ክንውነን ፍቓድና ክኸውን ኣለዎ። ዘየድሊ ጨንፈር ምእንቲ ክጽልጸል ብግዲ ክንጽረብ ከለና ዓቕሊ ኣይነጽብብ። ከመይ’ሲ መሊሱ ዘብልሓና ስለ ዝኾነ። ጌጋ ክንፍጽም ዝከኣል እዩ። ንኹሉ ዝድምስስ ደም ክርስቶስ ስለ ዘሎና ግን ኣይንሰናበድ። ናትና ሰናይ ድማ፥ እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብነትና፥ማለት መንፈስና እምበር ዓሌትና፡ ብሄርና፡ ትምህርትና፡ ሃብትና፡ ሽመትና. . . ከምዘይኮነ ፈሊጥና ነቲ ብሉጻት ዝገበረና ጎይታ ትሕት ኢልና ክብሪ ንሃቦ። በዚ ተጓዒዝና ብግዲ፥ ሰናይ ኣሰር እንዳገደፍና ዕላማና ክንፍጽም ኢና። ብኣገልጋሊ ኣቤል ካፈሊት ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም
  • 2. ሓይሊ ቃል .....ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ ዝበጽሕ ድማ ኲናት ከስዕብ ይኽእል። ስለዚ ምምዕባል ዓቕሚ ኣዘራርባና ወይ ኣጠቓቕማ ቃላትና ፡ ኣብ ሓድሕድና ንዝህልወና ብሉጽ ዝምድና ንምዕቃብን ፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዘለዉ ሰባት ዝህልወና ርክብን ፡ ሰላማዊ ንክኸውን ዝገብር ኣገዳሲ ነገር እዩ። ከም ክርስትያናት ኣገባብ ኣዘራርባና ፡ ኣብ ዝምድናታትና ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ኣዩ ዝጻወት። ምኽንያቱ መልእኽቲ ወንጌል ከነመሓላልፍ እንከለናውን እንተኾነ ፡ ጎይታ ዝሕጎሰሉን ዝኸብረሉን ቃላት ተጠቒምና ከነማሓላልፍ ስለዘሎና። ንጉስ ስለሙን ብዛዕባ ‘‘ኣገዳስነት ልኡም ምላሽ’’ ብዝግባእ ምሂሩና ኣሎ። ብትኽክል ድማ ቅዱስ ትምህርቲ እዩ። እቲ ካብኡ እንመሃሮ ምህሮ ኸኣ ፡ ልኡም ምላሽ ምምላስ ፡ ብዙሕ መኽሰብ ከም እንረኽበሉ እዩ። ተጓዳእቲ ወይ ድማ መርዛማት ቃላት ኩራ ከለዓዕሉ ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ሓሊፉ እውን ዝምድናታትካ ከዕንው ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ቅድሚ ምዝራብካ ክትሓስብ ይግባእ። ኣብ ዘረባኻ ይኹን ንግግርካ ጥንቁቕ ንኽትከውን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሕረቱን ጸጋኡን ከብዛሓልካ ክትልምን ይግባኣካ እዩ። “ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ ፡ ንነፍሲ ጥዑም ፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ’’ ምሳሌ 16፡24። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ፡ ልኡም ዘረባ ንዝምድናታትና ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነት እትምህረና ፡ ኣብ ጥዕና እቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ፡ ኣገዳሲ ጥቕምታት ከምዘለዎ ድማ ትነግረና እያ። ‘‘ነዕጽምቲ ከኣ ጥዕና ይህብ’ ’ይብል። ስለዚ ካብ ልኡም ዘረባ ፡ እቲ ቀዳማይ ዝረብሕ ሰብ ፡ ንሱ እቲ ተዛራቢ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ብኣንጻሩ ተጓዳኢ ወይ መርዛም ቃላት ምጥቃም ፡ ሳዕቤኑ ኩራ ምልዕዓልን ዝምድናታት ምብልሻውን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኣብቲ ዝዛረቦም ሰብ ፡ ዓቢ ጉድኣት ከምዘስዕቡ ክንርዳእ ንኽእል። ስለዚ እንጥቀመሉ ቃላት ልኡምን ልዙብን ምስዝኸውን ፡ ብሉጽ ዝኾነ ዝምድናን ጥዕና ዝመልኦ ህይወትን ክንውንን ይሕግዘናእዩ። ‘’ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ ፡ እቲ ዜፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ’’ ምሳሌ 18፡21። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘለዋ ኣዝየን ዝበለጻ ጥቕስታት ሓንቲ እያ። ሕመረት መልእኽቲ ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዝግባኣ እንተደኣ ተረዲናዮ፡ ነቲ ኣብ ንሓድሕድና ዝህልወና ዝርርብ ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ክሕግዘና እዩ። እትዛረቦ ቃል ሞትን ህይወትን ከም ዘምጻኣልካ ክትሓስቦስ ክንደይ ኮን ዘገርም እዩ! ስለዚ ኣብ ሞንጎ ዓወትን ውድቀትን ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ ኣመራርጻ ቃላትና እዩ ዝምርኮስ ማለት እዩ። ዘይልኡም ቃላት ምስንጥቀም፡ ነቲ ንእግዚኣብሄር እነገልግሎ ኣገልግሎት ፍጹምን ውጺኢታውን ንኸይከውን ዝኽልክል ቀንዲ ባእታ እዩ። እስከ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ዝተዛረቦ ንርአ፦“ርአ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን ፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ’’ ዘዳግም 30፡15። እዚ ናይ ህይወትን ሞትን ጉዳይ ፡ ኣብ ስልጣን መልሓስ ካብ ኮነ ፡ ምስ ብጾትና ኮነ ደቅና ዘለና ዝምድናውን ከይተረፈ ፡ በቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃላት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክንርድኦ ይግበኣና። ሕጽረት ማሕበራዊ ርትዒ ፡ ዋሕዲ ፍልጠት ኣብዚ ጉዳይዚ ወይውን ዘይግቡእ ኣጠቓቅማ ቋንቋ ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ዝርርብን ምልውዋጥ ሓሳባትን ፡ ናብ ዘይተደለየ ነውጺ ከምርሑ ይኽእሉ። ንኣብነት ቆልዑ ብመግናሕትን ጸቕጢ ብዘለዎ ኣገባብን እንተደኣ ዓብዮም፡ ኣብ መጻኢ ህይወቶም ርኡይ ዝኾነ ዕንወት ክንጸባርቕ ይኽእል እዩ። ንስኻ ርጉም ኢኻ፡ ንስኻ ተስፋ ዘለካ ኣይትመስልን ኢኻ፡ ስለምንታይ ከም ሓውኻ ህርኩት ዘይትኸውን᎒ ስለምንታይ ደኣ ሓፍትኻ ንፍዕቲ ተምሃሪት ኮይና᎒ እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ምውድዳር መንፈስ ዘለዎ ኣዘራርባ ፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣዕናዊ እዩ። ኣብ ሞንጎ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ከምኡውን ስድራቤት ምስ ውሉድ ዘሎ ዝምድናውን ሕማቕ ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ውጽኢት እዩ ዘስዕብ። ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእስና ባህሪ ወይ ውህበት ኣለና። ብጣዕሚ ዝተፈላለየ ኣፈጣጥራ ፡ ዝተፈላለየ ተውህቦን ክእለትን ድማ ንውንን ። ስለምንታይ ደኣ እሞ ሓደ ምስቲ ሓደ ነወዳድር ፧ ነፍሲ ወከፍ ድማ ከም ሓደ ፍሉይን ኣገዳስን ሰብ ክንርአ ይግባእ። ንሕና ውጽኢት ናይቲ ክንምስራሕ ከለና ኣብ ልዕሌና እተዘርበ ቃል ኢና።ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እንተደኣ ኣብ ቅድሚ ደቆም ንመጻምድቶም ዝውንጅልዎም ወይ ዝከስዎም ኮይኖም ፡ ኣብ ኣእምሮ እቶም ቆልዑ ማዕረ ክንደይ ነውጺ ከም ዝፍጠር ባዕልና ንገንዘቦ። እዚ ድማ ጭንቀትን ዘይምርድዳእን ከስዕበሎም ይክእል። እምበኣር ቆልዑ ነዞም ግርጭታት እዚኦም ከመይ ከም ዝፍትሑ ኣይፈልጡን እዮም፡ ምኽንያቱ ከምኡ ዝሓስብ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም። እንታይ ደኣ፡ ዝኾነ ቆልዓ ነቡኡን ነዲኡን ብማዕረ ከፍቅር እዩ ዝደሊ፡ ከምዚ ዝተገልጸ ነገር ምስ ረኣዩ ግን ምስ ሓዲኦም ክውግኑ ይግደዱ።ስለዚ ካብ ኣፍና ዝወጹ ቃላት ካባና ሓሊፎም ኣብ ካልኦት ሰባትውን ዘስዕብዎ ሓደገኛ ሳዕቤን ብዙሕ እዩ። ዋላውን ብዕላል እንሰምዖን ከም ዛንታ እንፈልጦን ጎዳኢ ኣበሃህላ፡ ክንደግሞም እንከለና ኣብ እዝኒ ሰማዒ ዘይምቹእ ስምዒታት እዮም ዝፈጥሩ። ይቕጽል 4. ድቃስ ዮናስ ኣንጻር ምድሓን ካልኦት፡ - “እቲ ኣብ ሃገረይ ከለኹ እተዛረብክዎ እዚ’ዶ ኣይኮነን መሓርን ርሕሩሕን ንኹራ ደንጓይን በዓል ዓቢይ ሳህልን ንእኩይ እትጥዓሰሉን ኣምላኽ ከምዝኾንካ ስለዝፈለጥኩ ስለዚ እየ ኣቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሃደምኩ።” ዮና 4፡ 2 ዮናስ አብ ህይወት ጉዕዝኡ እቲ ጽቡቕ ገይሩ እተመኮሮ ተመክሮ ምሕረት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ብእኩይ ዝጠዓስ ብዓል ዓቢ ሳህሊ፡ መሓሪ፡ ርሕሩሕ፡ ንኹራ ከኣ ደንጓዪ ምዃኑ ተሞኪርዎ እዩ። ንእግዚኣብሄር ብተሞኩሮኻ ክትፈልጦ ክንደይ ሰናይ እዩ። ማንም ሰብ ኪሓኮ ዘይክእል ኣብ ልቢ ዝተጻሕፈ ናይ ተሞኩሮ ትምህርቲ እዩ። ስለዚ ዮናስ ንኣምላኽ ብተሞክርኡ ከምዚ ምዃኑ ስለዝፈልጦ፡ ካብ ክብረት ኣምላኹ ክብረት ርእሱ ድማ ስለዘቐደመ፡ ንሰብ ነነዌ ከይድሕኑን ከይመሓሩን ክድቅስ እዩ መሪጹ። እግዚኣብሄር ከጥፍኦም እንተድኣ ይሓስብ ኣሎ የጥፍኣዮም፡ ኣነ እንተኸድኩ ግና ከምባህሪኡ ክምሕሮም ይኽእል እዩ ኢሉ ስለዝሓሰበ ከኣ ምህዳም መሪጹ። ኣብ መወዳእታ ተገዲዱ ከይዱ ኣንጻራ ምስ ኣወጀ’ውን እግዚኣብሄር ነታ ከተማ ምሕረት ስለዝገበረላ ዮናስ ኣዝዩ ተቖጥዐ። ኣምላኽና ግና ጸዋር ስለዝኾነ ነታ ብሓጢኣታን ብኣበስኣን ዝተነስሓት ከተማ ነነዌ ምሕረት፡ ነቲ ብምድሓን ከተማ ነነዌ ዘይተሓጎሰ ዮናስ ድማ ትምህርቲ ኣዳለወሎም። ብዘገርም ጥበቡ ብሓንቲ መዓልቲ ዝበቖለት ንጽብሒቱ ግና ዝነቐጸት ጉልዒ ገይሩ ምሂርዎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኹላትና ዝኸውን ትሕዝቶ ኣለዎ፡ ሓንትስ ናብኡ ንቕረብ። እንተዘይኮነ ናብኡ ብዘይ ምቕራብና ወይ’ውን ብምድቃስና ንኻልኦት ሰባት ንጥፍኣት ኢና ንኸውን። ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት ንሕናኸ ካብዚ ናይ ዮናስ ህይወት እንምሃሮ እንታይ እዩ፧ ህይወትናኸ ኣብ ምንታይ ኣላ፧ ኣብ ድቃስዶ ኣብ ምንቃሕ፧ ምንቃሕ ክንብል እንከለና ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምሉእ ፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትናን ኣብ ናብራናን ፈሊጥናን ተረዲእናን ንዕኡ ክንነብርን ክንግዛእን ከለና ማለትና እዩ። ድቃስ ከኣ ብኣንጻር ናይ እዚ ንምንቃሕ ዝሃብናዮ ትርጉም እዩ። ካብዘን ዝስዕባ ኣርባዕት ነጥብታት ህይወትና ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘላ እስኪ ንመርምር፡ ሀ.ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ከይፈለጥካ ምድቃስ፡ -ማቴ 26፡37-44 ኣብዚ ኸም እነንብቦ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌተሰማነ ነቒሑ ክጽሊ እንከሎ ንንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ተረዲኡን ፈሊጡን ንምፍጻሙ ሓይሊ ካብ ሰማይ እናተቐበለ፡ ንደቂ መዛሙርቱውን ነዚ ናይ ኣምላኽ ፍቓድን መደብን ምእንቲ ናብ 4ይ ገጽ ይቕጽል ሓራ ኣውጺኡኒ ..........ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ ከም ጽኑዕ ግንቢ ኣብ ዙርያይ ከቢቦምኒ ዝነበሩ ፖሊስ ነቲ ኣነ ዝረኣኽዎ ስለዝርኣዩ ብፍርሃት ተመሊኦም ካብቲ ደው ዝበሉሉ ቦታ ንድሕሪት እንዳ ኣድሓርሓሩ ነቲ ሒዞሞ ዝነበሩ በትርን ብረትን እንዳደርበዩ ክሃድሙ ጀመሩ። ናበይ ከምዚኣተዉ ግና ኣይፈልጥን። ንሱ ድማ ነቲ ብጭቃ ዝተለወሰን ጥራዩ ዘሎን ሰብነተይ ከይተጸየፈ ብየማናይ ኢዱ ብመንኩበይ ሒዙ ኣተንስኣኒ። በቲ ናይ ቅድም ዝዓይነቱ ድምጺ ገይሩ እንደገና ጸወዓኒ “ሊያ ንስኺ ናተይ ኢኺ፡ ብደመይ ዝዓደግኩኺ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጓለይ ኢኺ። ካብ ሎሚ ጀሚርኪ ካብቲ ኣነ ዝነገርኩኺ ቃል ናብ የማን ይኹን ናብ ጸጋም ኣይተብሊ። ምሳይ እንተተሰማማዕኪ ዘመንኪ ብሓጎስ ዕድሜኺ ድማ ብሰላም ክትውድእዮ ኢኺ። ብኣኺ ክሰርሖ ዝደልዮ ዓቢ ዕላማ ኣለኒ፡ ከኽብረኪ እየ፡ ክጥቀመልኪ ከኣ እየ። ግና ካብ ፍቃደይን ትእዛዛተይን ወጺእኪ ካብ መገደይ ርሒቕኪ ዳግማይ ሓጢኣት ኣይትግበሪ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝበይ ንምስክርነት ከቑመኪ እየ” እንዳበለኒ ሳልሳይ ካንሸሎ በጻሕና። እዚ ድማ ብዙሓት ወተሃደራት ፡ ፖላይስን ስቪል ዝተኸድኑ ዝተፈላለዩ ሰባት ዘለዉዎ ገፊሕ ካንሸሎ እዩ። በዚ ቀጽሪ ክንሓልፍ ከለና ካብዞም ኩሎም ሰባት ሓደ እኳ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፧ ምስ መን ትኸዲ ኣለኺ፧ መን ፈቒዱልኪ ናብዚ መጺእኪ፧ ኢሉ ዝሓተኒ ኣይነበረን። ዋላ ሓደ ኣብ ሽግረይ ኣብ መከራይን ከይረደኣንን ከይበጸሓንን። ንሱ ግና ናብቲ ዘለኽዎ ቦታ እሞ ከኣ ካብ ሰማይ ሰማያት መጺኡ ካብ ጭቃ ከውጸኣኒ ኢዱ ክዝርግሓለይ ከሎ ተሓጎስኩ። ብኡብኡ ዘለኽዎ ኩነታት ረሲዐ ዝረድኣኒ ብምርካበይ ቀበጥበጥ ክብል ጀመርኩ። ዝነበረኒ ሽታን ጭቃን ርስሓተይን ከይተጸየፈ ኢዱ ዘርጊሑ ምዝዝ ኣቢሉ ኣውጽኒ። ወግዒ ከይተርፍ ንሕፍረተይ ብኢደይ ክሽፍን ፈተንኩ፣ ለካስ ንሱ ግና ብኸምዚ ኣይሕመን እዩ እሞ ጸኒሐ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢለ ክሓቶ ደለኹ፣ በየናይ ዓቕመይ ክሓቶ። ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ውሒጡ ክቀትለኒ ተባሂሉ ዝነበረ ጭቃ፣ ሕጂ ከም ጽርግያ ንቁጽ ኮይኑ ተሰመዓኒ እሞ ረጋጊጸዮ ክኸይድ ጀመርኩ። እቲ ኣዝየ ዝበቀሉ ዝነበርኩ ጻዕዳ ክዳኑ ከየርስሖ ብምባል ካብኡ ፍንትት ኢለ ክኸይድ ፈተንኩ፡ ንሱ ግና ብየማነይቲ ኢዱ ከም ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ኣብ ጎኑ ሕቁፍ ኣበለኒ። ቀስ ኢለ ብጭቃ ዝተበላሸወ ክዳኑ ንምርኣይ ፈተንኩ፡ እንተኾነ ግና ዋላ ሓንቲ ጭቃ ኣይነበሮን። ምስኡ ተጣቢቀ እንዳሰጎምኩ ከለኹ ንክዳኑ ከም ዘየርሳሕኩሉ ምስ ፈለጥኩ ድማ ዝበለጸ ናብኡ ጥብቕ ኢለ ምስቲ ሓድሽ መድሓኒየይ ጉዕዞ ጀመርና።ንስኻ ግና መን ኢኻ፧” በልክዎ። ጎይታይ ድማ ትኩር ኢሉ እንዳጠመተኒ “ኣይትፈልጥንን ዲኺ?፧ ኣነ ዝተዓጽወ ዝኸፍት፡ ንእሱራት ሓራ ዘውጽእ ንዝተጨነቑን ጾር ንዝኸበዶምን ዘዕርፍ፡ ዎ ኣምላኸይ ኢልኪ ዝጸዋዕክኒ ኣምላኽ ኣብርሃም ይስሃቕ ያእቆብ እየ” በለኒ። መሊሰ ድማ “ ናብ ዝኸድክዎ ዘበለ ኩሉ ክምስክረልካ ከለኹ እቲ ነዚ ዝገበረልኪ ስሙ መን ይበሃል፧ ንሱኸ መን እዩ፧ ኢሎም እንተሓተቱኒ መን ክብሎም፧” ብምባል ሓተትክዎ። ንሱ ድማ “ኩሉ ዝኽእል” በልዮም “ ንስኺ ክትምስክሪ ከለኺ ኣነ ድማ ምሳኺ ስለ ዘለኸውን ንሳቶም ብኣኺ ገይሮም ክርእዩኒን ክፈልጡንን ክስዕቡንን ክሰምዑኺውን እዮም። ኣነ ከምቲ ቀደም ዝገበርክዎ ሕጂውን እገብር ኣለኹ” በለኒ። ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ድማ ኣእጋሩ በቲ ጭቃ እንዳሰጎማ እቲ ጭቃ ግና ነቲ ምጽዕዳው ከም ጸባ አረ እንታይ ከም ጸባ ጥራይ ዘይኮነስ ምጽዕዳው ንበረድ ዝመስል ካብዚ ንላዕሊውን ዋላ ደበና እንተበልክዎ ኣብ ቅድሚኡ ደበና ጽሩይ ዘይኮነ፡ ንክዳኑ እቲ ጭቃ ከርስሖ ኣይከኣለን። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ገይርዎ ዝነበረ ክዳን ምጽዕዳው ብምድራዊ ቋንቋ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን።ብጣዕሚ ተጸጊዑኒ የማነይቲ ኢዱ ብምዝርጋሕ “ኤልዳ” ኢሉ ብዘፍርህን ዘሰንብድን ጸወዓኒ። ለካስ ንስመይ ይፈልጦ እዩ! ስመይ ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ኣቦይ ብቕብጥሮት ዝጽውዓኒ ዝነበረ ናይ ገዛ ስመይ ገይሩ ክጽውዓኒ ከሎ ፍሉይ ነገር ተሰመዓኒ። ተስፋይ ተሓዱሱ፡ ሓይልን ብርታዐን ተመላእኩ። “ እንተወሓደ ናይ ገዛ ስመይ ዝፈልጥ እንተኾይኑስ ንክፋእ ነገር ኣይጭክነለይን እዩ፡ ዘለኽዎ ኩነታት ርእዩ ድማ ይርሕርሐለይ ይኸውን” ብዝብል ሓሳብ ድማ ተጸናናዕኩ። እቲ ዘገርም ድማ ኣነን እዚ ኢዱ ኣብ መንኩበይ ገይሩ ዝኸይድ ዘሎ ሰብን ክልቴና ልክዕ ከም በዓል ስልጣን ኢና እንስጉም ዝነበርና እምበር ብምዝውዋር ሓሽሽን ስለያን ብዝብል ገበን ተኸሲሳ ዝተተሓዘት ጓል ኣይመስልን ነበርኩ። ነቲ ካልኣይ ማዕጾ ሓሊፍና ክንወጽእ ከለና ናብቲ ናይ መወዳእታ ማዕጾ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ በጻሕና። ኣብዚ ቦታ ንሓለዋ ዝተዳለዉ ብረት ዝሓዙ ኣብ በሪኽ ቦታ ኮይኖም ዝሕልው ዋርድያታት፣ ኣብ ውሽጢቲ ካንሸሎ ድማ ካብዝን ናብትን ዝብላ ናይ ፖሊስ መካይን ረኣኹ። በቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ኣድናቖትን ምግራምን ተመሊአ ናብቲ ብመንኩበይ ሒዙ ብስቕታ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ፡ ነታ ናይ ቀደም ሊያ ቀይሩ ሓዳሽ ሊያ ዝገበረኒ፡ ደጊመ ቅንዕ ኢለ ክርእዮ ደሌኹ። እቲ ካብ ገጹን ካብ ዓይኑን ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን ግና መንነቱ ክርኢ ኣየኽኣለንን። ብኸምዚ ኩነታት ኮይንና ማዕጾ እቲ ኣብ ዓለም ጽኑዕ፡ ከቢድን ነዊሕን ዝተባህለሉ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ፈሊጢ ባዕሉ ጋህ ኢሉ ተኸፈተልና። ኣነ ድማ ምስቲ ሓቢሩኒ ዝጉዓዝ ዘሎ በዓል ጽቡቐይ ኣብ ትሕቲ ሕቑፉ ሽኩዕ ኢለ ነቲ በዓል ዘፈርፈር ክዳን ሕቑኡን ሓቑፈ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ደገ ወጺእና ቅሩብ ስጉምቲ ምስ ከድና፣ እቲ ኣብ ጎነይ ዝነበረ ካብ ጭቃ ዘልዓለኒ በዓል ጽቡቐይ፣ ናይ መወዳእታ ቃሉ ከምዚ ክብል ተዛረበኒ “ካብቲ ኣብ ኢድኪ ዝነብረ ሰንሰለት ሎሚ ፈቲሐኪ። እንተኾነ ግና ኣን ጓለይ ኣይትፍርሂ፡ እንሆ ኣነ ምሳኺ እየ” በለኒ እሞ ሓንቲ ቃል ከየተንፈስኩ ከለኹ እንዳረኣኽዎ ናብ ላዕሊ ዓረገ፡ ኣዒንተይ ምርኣይ ክሳዕ ዝሰእንኦ ናብ ላዕሊ ርሒቑ ተሰወረኒ። ብድሕረይ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ማዕጾ ብቕድመይ ድማ ናይ ባንግላድሽ ናይ በረኻ መገዲ፣ ኣብቲ ማእከል ንበይነይ ተረፍኩ። ፍርሃት ተሰመዓኒ እሞ ብኡብኡ ግን እቲ ድምጺ ኣብ እዝነይ ደወለ “ሊያ ኣይትፍርሂ” ዝብል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ ኣዒንተይ ኣማዕድየ እንተጠመትኩ ካብ ርሑቕ ዕትሮ ዝመስል ነገር ኣብ ሕቖኣ ተሰኪማ ቆልዓ ድማ ኣብ ኢዳ ሒዛ ብማእከል እቲ ቆጥቋጥ እትጉዓዝ ሓንቲ ሰበይቲ ረኣኹ። ድሕሪ ቁሪብ ስጉምትታት ድማ ናብቲ ዘለኽዎ ቦታ መጺኣ ኣብ ጥቓይ ደው በለት። ኣብ ገጸይ ናይ ፍርሃትን ናይ ስንባደን ነገር ይረአ ነበረ። “ኤሽ ትከለም ኣንትያ” በለትኒ።ኣብቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ቤት ማእሰርቲ ዘመነትይ ቁሩብ ዓረበኛ ፈሊጠ ስለዝነበርኩ ኮልተፍተፍ እንዳበልኩ ንብዓት ብዘጠልቐዮም ኣዒንተይ ገይረ ክትርደኣኒ ለመንክዋ። ንሳ ድማ ነቲ ተሸኪማቶ ዝነብረት ዕትሮ ኣውሪዳ ብምድናቕ እንዳረኣየትኒ ቅርብ ኢላ ብኢደይ ሒዛ ናብቲ ቆጥቛጥ ሒዛትኒ ብምእታው ካብቲ ዕትሮኣ ማይ እንዳቐድሓት ነብሰይ ክትሓጽበኒ ጀመረት። በቲ ናይ ዕትሮ ማይ ናይ ሰብነተይ ጭቃ ምስ ሓጸበትኒ ማይ ስለዝተወደአ ካልእ ማይ ከተምጽእ ደልያ “ኣስተኒ ሽዋያ ያ ሓቢቢ” (ቁሩብ ተጸበይኒ ጽብቕተይ) ብምባል ተመሊሳ ከም ህጻን ቆልዓ ክትጎይ እንዳፈተነት ማይ ከተምጽእ ናብቲ ሩባ ወረደት። እቲ ዝኾነ ነገር እንዳዘከርኩ እዚ ዝፍጸም ዘሎ ሕልሚ ኮይኑ እንዳተሰመዓኒ ምእማንን ዘይምእማንን ተደራሪቡኒ ክድነቕ ጀመርኩ። ይቕጽል 32 32 ክርስትያናዊ ህይወት ድቃስ ዮናስን ሳዕቤናቱን 2ይ ክፋል