ቃል መስቀል ሓምሻይ ሕታም
ጽኑዕ ግንቢ ኣብ ዙርያይ ከቢቦምኒ ዝነበሩ ፖሊስ ነቲ ኣነ ዝረኣኽዎ ስለዝርኣዩ ብፍርሃት ተመሊኦም ካብቲ ደው ዝበሉሉ ቦታ ንድሕሪት እንዳ ኣድሓርሓሩ ነቲ ሒዞሞ ዝነበሩ በትርን ብረትን እንዳደርበዩ ክሃድሙ ጀመሩ። ናበይ ከምዚኣተዉ ግና ኣይፈልጥን።
ንሱ ድማ ነቲ ብጭቃ ዝተለወሰን ጥራዩ ዘሎን ሰብነተይ ከይተጸየፈ ብየማናይ ኢዱ ብመንኩበይ ሒዙ ኣተንስኣኒ። በቲ ናይ ቅድም ዝዓይነቱ ድምጺ ገይሩ እንደገና ጸወዓኒ “ሊያ ንስኺ ናተይ ኢኺ፡ ብደመይ ዝዓደግኩኺ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጓለይ ኢኺ። ካብ ሎሚ ጀሚርኪ ካብቲ ኣነ ዝነገርኩኺ ቃል ናብ የማን ይኹን ናብ ጸጋም ኣይተብሊ። ምሳይ እንተተሰማማዕኪ ዘመንኪ ብሓጎስ ዕድሜኺ ድማ ብሰላም ክትውድእዮ ኢኺ። ብኣኺ ክሰርሖ ዝደልዮ ዓቢ ዕላማ ኣለኒ፡ ከኽብረኪ እየ፡ ክጥቀመልኪ ከኣ እየ። ግና ካብ ፍቃደይን ትእዛዛተይን ወጺእኪ ካብ መገደይ ርሒቕኪ ዳግማይ ሓጢኣት ኣይትግበሪ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝበይ ንምስክርነት ከቑመኪ እየ” እንዳበለኒ ሳልሳይ ካንሸሎ በጻሕና። እዚ ድማ ብዙሓት ወተሃደራት ፡ ፖላይስን ስቪል ዝተኸድኑ ዝተፈላለዩ ሰባት ዘለዉዎ ገፊሕ ካንሸሎ እዩ። በዚ ቀጽሪ ክንሓልፍ ከለና ካብዞም ኩሎም ሰባት ሓደ እኳ እንታይ ትገብሪ ኣለኺ፧ ምስ መን ትኸዲ ኣለኺ፧ መን ፈቒዱልኪ ናብዚ መጺእኪ፧ ኢሉ ዝሓተኒ ኣይነበረን።
ዋላ ሓደ ኣብ ሽግረይ ኣብ መከራይን ከይረደኣንን ከይበጸሓንን። ንሱ ግና ናብቲ ዘለኽዎ ቦታ እሞ ከኣ ካብ ሰማይ ሰማያት መጺኡ ካብ ጭቃ ከውጸኣኒ ኢዱ ክዝርግሓለይ ከሎ ተሓጎስኩ። ብኡብኡ ዘለኽዎ ኩነታት ረሲዐ ዝረድኣኒ ብምርካበይ ቀበጥበጥ ክብል ጀመርኩ። ዝነበረኒ ሽታን ጭቃን ርስሓተይን ከይተጸየፈ ኢዱ ዘርጊሑ ምዝዝ ኣቢሉ ኣውጽኒ። ወግዒ ከይተርፍ ንሕፍረተይ ብኢደይ ክሽፍን ፈተንኩ፣ ለካስ ንሱ ግና ብኸምዚ ኣይሕመን እዩ እሞ ጸኒሐ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢለ ክሓቶ ደለኹ፣ በየናይ ዓቕመይ ክሓቶ። ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ውሒጡ ክቀትለኒ ተባሂሉ ዝነበረ ጭቃ፣ ሕጂ ከም ጽርግያ ንቁጽ ኮይኑ ተሰመዓኒ እሞ ረጋጊጸዮ ክኸይድ ጀመርኩ። እቲ ኣዝ