Download free for 30 days
Sign in
Upload
Language (EN)
Support
Business
Mobile
Social Media
Marketing
Technology
Art & Photos
Career
Design
Education
Presentations & Public Speaking
Government & Nonprofit
Healthcare
Internet
Law
Leadership & Management
Automotive
Engineering
Software
Recruiting & HR
Retail
Sales
Services
Science
Small Business & Entrepreneurship
Food
Environment
Economy & Finance
Data & Analytics
Investor Relations
Sports
Spiritual
News & Politics
Travel
Self Improvement
Real Estate
Entertainment & Humor
Health & Medicine
Devices & Hardware
Lifestyle
Change Language
Language
English
Español
Português
Français
Deutsche
Cancel
Save
EN
Uploaded by
Gabani Computer Company
737 views
ጋዜጣ ቃል መስቀል ራብዓይ ሕታም
Spiritual
◦
Read more
0
Save
Share
Embed
Embed presentation
Download
Download to read offline
1
/ 2
2
/ 2
More Related Content
PDF
ቃል መስቀል ሓምሻይ ሕታም
by
Robi Abraha
PDF
ጋዜጣ ቃል መስቀል ቀዳማይ ሕታም
by
Gabani Computer Company
PDF
ጋዜጣ ቃል መስቀል ካልኣይ ሕታም
by
Gabani Computer Company
PDF
ጋዜጣ ቃል መስቀል ሳልሳይ ሕታም
by
Gabani Computer Company
PDF
መውሊድን በተመለከተ.pdf
by
Nuradin Sultan
PDF
የጅብሪል ሀዲስ ማብራሪያ
by
Nuradin Sultan
PDF
አህባሽ ማነው : ምንድ ነው ?
by
Nuradin Sultan
PDF
Orthodox christianfamilylesson12
by
DEBRE MARKOS UNIVERSITY
ቃል መስቀል ሓምሻይ ሕታም
by
Robi Abraha
ጋዜጣ ቃል መስቀል ቀዳማይ ሕታም
by
Gabani Computer Company
ጋዜጣ ቃል መስቀል ካልኣይ ሕታም
by
Gabani Computer Company
ጋዜጣ ቃል መስቀል ሳልሳይ ሕታም
by
Gabani Computer Company
መውሊድን በተመለከተ.pdf
by
Nuradin Sultan
የጅብሪል ሀዲስ ማብራሪያ
by
Nuradin Sultan
አህባሽ ማነው : ምንድ ነው ?
by
Nuradin Sultan
Orthodox christianfamilylesson12
by
DEBRE MARKOS UNIVERSITY
What's hot
PDF
Tqmti 21
by
senbet
PDF
Volume 1
by
Demis Aklilberhan
PDF
Orthodox tewahedo marriage 3 wb
by
DEBRE MARKOS UNIVERSITY
PPTX
Bibl study power point aragaw final
by
Engidaw Ambelu
PDF
Orthodox tewahedomarriage7wb
by
DEBRE MARKOS UNIVERSITY
PPTX
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
by
Henok Eshetie
PDF
Benson commentary
by
Teshome Dengiso
PPTX
Gxawie hdar1 5
by
senbet
Tqmti 21
by
senbet
Volume 1
by
Demis Aklilberhan
Orthodox tewahedo marriage 3 wb
by
DEBRE MARKOS UNIVERSITY
Bibl study power point aragaw final
by
Engidaw Ambelu
Orthodox tewahedomarriage7wb
by
DEBRE MARKOS UNIVERSITY
Bibl study power_point_aragaw_final[1]
by
Henok Eshetie
Benson commentary
by
Teshome Dengiso
Gxawie hdar1 5
by
senbet
Similar to ጋዜጣ ቃል መስቀል ራብዓይ ሕታም
PPTX
የመካኒሳ ሙሉወንጌል ቤተክርስቲያን.pptx
by
GetachewEndale
PPTX
Tigrinya Soul Winning Gospel Presentation - Only JESUS CHRIST Saves.pptx
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
PPT
A goal-oriented person typically exhibte
by
getamesayassefa
PPTX
Amharic Soul Winning Gospel Presentation - Only JESUS CHRIST Saves.pptx
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
PDF
Sibket geremew t
by
GeremewTefera1
PDF
ከቤተክርስቲያን አስተምህሮ ያፈነገጡ አስተሳሰቦችና መልሶቻቸው.pdf
by
Kalkidan Count
PDF
ተግበራዊ ክርስትና.pdf
by
zelalem13
PDF
Tigrinya - Poverty.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
PDF
Tigrinya - Tax and Tithe Biblical Principles.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
PPTX
Pastoral caring and counseling in the church
by
PetrosGeset
PDF
Bethne astekakel
by
habte84
PPT
ethhist-1-Cr.ppt for ethiopian prist in churhces
by
DinoserMidia
PDF
Tigrinya - Prisoners of Hope - Google Cloud Translation.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
PDF
Tigrinya - Tobit.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
PDF
Abews proverb
by
Hailay Hadush
PPTX
መሙቤቤት ህብረት.pptx
by
GetachewEndale
PDF
Tigrinya - Testament of Benjamin.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
PPTX
Soul Care for Hawassa by pastor Ashu at Hawassa
by
Minte19
PDF
Tigrinya - Testament of Dan.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
PPTX
ካህናት-ስልጠና-ኖላዊነት-.pptx for churches in eotc.
by
endawokeanmaw796
የመካኒሳ ሙሉወንጌል ቤተክርስቲያን.pptx
by
GetachewEndale
Tigrinya Soul Winning Gospel Presentation - Only JESUS CHRIST Saves.pptx
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
A goal-oriented person typically exhibte
by
getamesayassefa
Amharic Soul Winning Gospel Presentation - Only JESUS CHRIST Saves.pptx
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
Sibket geremew t
by
GeremewTefera1
ከቤተክርስቲያን አስተምህሮ ያፈነገጡ አስተሳሰቦችና መልሶቻቸው.pdf
by
Kalkidan Count
ተግበራዊ ክርስትና.pdf
by
zelalem13
Tigrinya - Poverty.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
Tigrinya - Tax and Tithe Biblical Principles.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
Pastoral caring and counseling in the church
by
PetrosGeset
Bethne astekakel
by
habte84
ethhist-1-Cr.ppt for ethiopian prist in churhces
by
DinoserMidia
Tigrinya - Prisoners of Hope - Google Cloud Translation.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
Tigrinya - Tobit.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
Abews proverb
by
Hailay Hadush
መሙቤቤት ህብረት.pptx
by
GetachewEndale
Tigrinya - Testament of Benjamin.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
Soul Care for Hawassa by pastor Ashu at Hawassa
by
Minte19
Tigrinya - Testament of Dan.pdf
by
Filipino Tracts and Literature Society Inc.
ካህናት-ስልጠና-ኖላዊነት-.pptx for churches in eotc.
by
endawokeanmaw796
ጋዜጣ ቃል መስቀል ራብዓይ ሕታም
1.
ሕታም ቁጽሪ 2/2014ሕታም
ቁጽሪ 2/2014 ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail..comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሬማ እምነት ቤተክርስትያን ካርቱምሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ትሕዝቶ 1. ሓራ ኣውጺኡኒ 2. ህይወት ብዓይኒ ኣም 3. ድቃስ ዮናስን ሳዕቤናቱን ጎይታ የሱስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ብኢዳ ሒዙ ናይ ዘውጽኣ ሊያ ማክዶናል ኣደናቒ ታሪኽ ኣብ ህይወተይ ንዝመጸኒ ኩሉ ሽግርን ክፉእ መከራን፣ እግዚኣብሄር ዕላማ ነይርዎ ወይ ድማ ኩሉ ንሰናየይ እዩ ኢለ ክኣምን የሸግረኒ ነይሩ። እንተኾነ ግና ልዑል ኣምላኽ በብመዓልቱ ኣነ ኣብ ህይወትኪ ዕላማ ኣለኒ፣ ናይ ገዛእ ርእስኺ ሓሳብን መገድን ገዲፍኪ በቲ ኣነ ዘርእየኪ ክትመላለሲ ይደሊ ኣለኹ ይብለኒ ነይሩ። ድሕሪ እተን ኣርባዕተ ናይ ማእሰርትን ናይ መከራን ዓመታት ካብ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ ዝተላዕለ ግና እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ህይወተይ ዕላማ ከም ዝነበሮ ክርዳእ ክኢለ። እቲ ምእሳረይን ብመከራ ምሕላፈይን ናይ የሱስ ክርስቶስ ዓላማን ጸዳል ብርሃኑን ኣብ ህይወተይ ክበርህ፡ ኣነ ድማ ንጎይታ ክፈልጥን ብዝሓሸ ድማ ብጎይታ ክፍለጥን ኣኽኢሉኒ። እቲ ኣሸጋሪ ዝበሃል ኩነታት ኣብ የካቲት 1992 እዩ ጀሚሩ። ኤልዳ ሊያ ማክዶናል ከም ኩሉ ኣመሪካዊ 18 ዓመት ምስ መልአት ናይ ዕልተ ልደታ መዝሙር ተዘሚሩላ ካብ ቤተሰባ ወጽአት። እቲ ንጊዜኡ ኣብ ኢዳ ዝተዋህባ ናይ መፋነዊ ቸክ፣ ካብ ቤተሰባ ምስ ወጸት ብዙሕ ብምቾትን ብሓጎስን ከካይዳ ኣይከኣለን። ኣብ ልዕሊዚ ድማ ካብ ቤተሰባ ናጻ ብምዃና፣ በብዓይነቱ ሓድሽ ጅንስ እንዳተኸድነት ከምድላያ ብዘይ ተቖጻጻሪ ክትዘውርን መስተ ክትሰትን ምቹእ ኮነላ። ኣብዚ ጊዜ ሓደ ድምጺ ብቀጻሊ ልያ እዚ እትገብርዮ ዘለኺ ኩሉ ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ተመለሲ ዝብላ ኣብ ልባ ብዘይምቑራጽ ይመጻ ነበረ፡ እንተኾነ ግና እቲ ዝመጻ ዝነበረ ድምጺ ናይ መን ምዃኑ ፈልያ ኣየለለየቶን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከላ ኣብ ሓደ ናይ ክዳውንቲ ፋሽን ኮሌጅ ተማሂራ ክትምረቕ እሞ በቲ ስራሕ ነብሳ ከተማሓድር እንተወሰነት እኳ እቲ ናይ ኮሌጅ ክፍሊት ግና ልዕሊ ዓቕማ ማለት ሸሞንተ ሽሕ ዶላር ንወርሒ ኮና። እዚ ንልባ ዝሰብረ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ንመሓዝኣ ሲንዲ ምስ ኣማኸረታ ንሳ ድማ “እዚ መደብኪ ግደፍዮ፣ ኣነ ኣብ ወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር እትረኽብሉ ስራሕ ከተሓሕዘኪ እየ በለታ። ሊያ እዚ ምስ ሰምዐት፣ ኣድራሻን ስምን ናይቲ ትካል ክትሕብራ ንሲንዲ ሃወኸታ። ሲንዲ ግና እቲ “ናይቲ ትካል ስምን ንጥፈታቱን ብዓቢ ምስጢር ክትሕዝዮ ይግባእ፡ ሓንሳብ ምስ ኣተኽዮ ድማ ክትወጺ ፍጹም ከም ዘይከኣል ክትርድኢ ይግባእ ብምባል ገለጸትላ ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ምስ ተመያየጣ ድማ እቲ ስራሕ ኣልማዝ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምዝውዋር ምዃኑ ሓበረታ፡ ልያ ግና ክርደኣ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ሊያ ዝከፈልኩም እንተከፈልኩምኒ ሓሽሽ ኣየዘዋውርን እየ በለት። ናይዚ ምኽንያት ድማ ቕድሚ ሕጂ ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ከላ ሓደ እትፈልጦ መንእሰይ ብሰንኪ እዚ ሓሽሽ ተሓኒቑ ከም ዝሞተን ኣብ ቀብሩውን ብኣካል ተረኺባ ስለዝነበረትን እዩ። ሲንዲ ግና ብብዙሕ ጥዑም ቃላት ኣስደዓታ እሞ ምስቲ ቀንዲ ሰብኣይ ኣራኸበታ። ናይቲ ትካል ወናኒ ዝኾነ ሰብኣይ ህድእ ኢሉ “ሞራልክን ፍርሃትክን ከምኡውን ናብ ክፉእ ከይትኣትዊ ኢልኪ ዝገበርክዮ ጥንቃቀ ኩሉ የኽብረልኪ እየ። ንሕና ግና ኣዚና ኢና እንደልየኪ፡ መልክዕክን መንእሰይ ምዃንክን ንስራሕና ብዙሕ ይጠቕመና እዩ። ንመጀመርያ ጊዜ ናብቲ ኮኬይን ብመንግስቲ ብግልጺ ዝፍቀደሉ ናብ ኒውዝላንድ ክንልእኸኪ ኢና፡ ኣብኡ ዝሕዘኪ ይኹን ዝፍትሸኪ ፖሊስ የልቦን። ብዛዕባ ኣወሳስድኡን ኣቐማምጥኡን ዋላሓንቲ ኣይትጨነቂ ናባይ ግደፍዮ በላ። ሊያ ድማ በቲ ደጋጊሙ ዝነግራ ዝነበረን በቲ ድሕሪኡ ክትረኽቦ እትኽእል ሓጎስን እንዳሓሰበት ተሰማምዓት። ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ነብሳ ካብ ጸላእታ ክትከላኸለሉ ዘኽእላ ናይ ካራተ ትምህርቲ ስልጠና ወሰደት። ናብ ኒውዝላንድ ንምጉዓዝ ትኬትን ፓስፖርትን ተዳለወ። እቲ ጉዕዞ ድማ ብመዕርፎ ነፈርቲ ባንግላድሽ ኣቢልካ እዩ ዝሕለፍ ዝነበረ። ኣብቲ ጽንዑን ዓቢ ጥንቃቐን ዝሓትት ናይ መጀመርያ ተፍትሽ፣ ሊያ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተኸደነቶ ረቂቕን ጽቡቕን ክዳን ናይ ገጻ መልክዕን ንኹሉ ዝረኣያ ኣዝያ ማራኺት ስለዝነበረት ዋላ ሓደ ፖሊስ ከይፈተሻ ኩሎም ዓይኒ ዓይና እንዳረኣዩ ሕለፊ በልዋ። ናብ 3ይ ይቕጽል...... 4.ህይወት ዘላለማውነት እያ ኣብ ዘመናት ኩሉ ዝተራእየ ናይ ፍልስፍና መድረኻት፡ ኣምር ህይወት መበገሲ ብምግባር እዩ ርኽበታቱ ዘርኢ ዝነበርን ዘሎን። ብፍላይ ከኣ ህይወት ድሕሪ ሞት ዝብል ሕቶ ብምልዓል ንመርትዖታቱ በብእዋኑ ክገልጽ ይርአ። ክሳብ እዛ ሎሚ እዚኣ ብዓይኒ ፍልስፍና ሕቶ ህይወት ብምልኣት ክምለስ እኳ እንተዘይተኻእለ ዳህሳስ ካብ ምግባር ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ምንም እኳ ንኹሉ ፍልስፍናዊ መርትዖታት ብዘለዎ ከነቕርቦ ዓቐን ጋዜጣና ዘፍቅደልና ኣይኹን፡ ናበይ ዝኣንፈተ ምዃኑ ክንግምግን ግና ንኽእል ኢና። ብኣንጻር እዚ ናይ ፍልስፍና ርኽበታት ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ዘላለማዊት ምዃና ብንጹር እዩ መረዳእታኡ ዝህበና። ድሕሪ ብስጋ ሞት ዘላለማዊ ምንባር ከምዘሎ ብሓቅታቱ ብሩህ ይገብሮ። ደቂ ሰባት ንሓቅታት ዘላለማዊ ህይወት ብሓጎስ ክሓስብሉ ዘኽእሎም ምቹእ ባይታ ወይ ረቛሒ ብዘይምርካቦም ካብ ምሕሳቡ ክሃድሙን ንሓቅታቱ ክጉዕጽጹን ይረኣዩ። ምንም እኳ ዘላለማዊ ህይወትን ሞትን ዝብሉ ክልተ ዘይቀራረቡ ግና ዘይተርፉ መሰረታውያን ሓቅታት ኣብ ጽላት ልቢ ደቂ ሰባት ተወቂጦም ይሃልዉ፡ ንዘላለማዊ ህይወት ብሰንኪ ብቑዓት ዘይምዃኖም፡ ንዘላለማዊ ሞት ከኣ ዘስካሕክሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣብ ሓሳቦም ከቋጽርዎ ኣይተኻእሎምን። ካብ መጀመርትኡ’ውን እንተኾነ፡ እግዝኣብሄር ኣምላኽ ንሰብ ዘልኣለማዊ ኮይኑ ከነብር እዩ ፈጢርዎ። እንተስ ብህይወት ምስ ኣምላኽ እንተስ ብዘይ ኣምላኽ ኣብ ሞት ንዘልኣለም ምንባሩ ግና ዘይተርፍ እዩ። ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል..... ግንቦት 1-2014 ግንቦት 1-2014 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 1 : 18 ዓምዲ ምስክርነት 14 4 1 ሓራ ኣውጺኡኒ ! ህይወት ብዓይኒ ኣምላኽ (4ይክፋል) ዓምድታት ዓምዲ ምስክርነት ክርስትያናዊ ህይወት ካብዝን ካብትን ዓምድታት ዓምዲ ምስክርነት ክርስትያናዊ ህይወት ካብዝን ካብትን ክርስትያናዊ ህይወት ካብ 2ይ ገጽ ዝቐጸለ .... 1. ድቃስ ዮናስ ንንጹር ፍቃድ ኣምላኽ፡- ‘‘ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ። እከዮም ኣብ ቅድመይ ደይቡ እዩ እሞ ኣንጻራ ኣውጅ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ። ዮና 1፡1-2 ኣብዚ ጥቕሲ ከም እንርእዮ፡ ዮናስ ንጹርን ግሉጽን ቃል እግዚኣብሄር ዝሰምዐን ዝተረድአን ነቢይ እዩ ነይሩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንዕኡ ናብ ነነዌ ከይዱ ኣንጻራ ንምእዋጅ ዋላ እኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግና ነዚ ሸለል ብምባል ኣንፈቱ ናብ ተርሲስ ኣቢሉ ክሃድም ተላዒሉ። ኣብ ጥቕሲ ሰለስተ ምስ እንርኢ ድማ “ዋጋ ከፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ ይብል”። ተርሲስ ጫፍ ዓለም ኮይኑ ግዲ ተራእይዎ ክሕባእ ኢሉ ናብኣ ሃዲመ። ኩሉ ጊዜ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ክትሃድም ወይ’ውን ክትክወል ከሎኻ: ናብ ዕሽነት ኢኻ ተምርሕ። ሰገን ብዕሽነታ ክሳዳ ኣብ ሓመድ ቀቢራ ተሓቢኤ ኣለኹ ትብል፡ ኩሉ ኣካላታ ግን ቅሉዕ(ግሉጽ) እዩ፡፡ ዮናስ ድማ ዕሽነት ሰገን ክደግም ከሎ ኢና እንርኢ። ግናኸ ካብ ኣምላኽ ዝኽወል ወላ ሓደ እኳ የሎን። እቲ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝኾና የዒንቲ ዘለዎኦ፡ ጸልማት እኳ ዘይጽልምቶ፡ ጸልማትን ብርሃንን ንዕኡ ሓደ ዝኾነ ኣምላኽ ዝኽወሎ ነገር ኣሎ ድዩ፧ ዮናስ ግና ካብ ንጹር ፍቃድ ኣምላኽ ስለዝደቀሰ ነዚ ሓቂ እዚ ክርድኦ ኣይከኣለን። ንጉስ ዳዊት ግና ኣብ መዝሙሩ ከምዚ ኢሉ ዘሚሩ፦ “ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፡ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደይብኩ፡ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፡ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፡ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። ጸልማት ይኸውለኒ፡ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፡ እንተ በልኩ፡ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፡ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፡ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። መዝ 139፡ 7 ኣብ ንጹር ምግላጽ ዘለዎ ፍቓድ ኣምላኽ ምንባር እዩ ዝሕሸና። ምኽንያቱ ኣብኡ ዕረፍቲ፡ ሰላም፡ ሓጎስ፡ ሓርነት፡ ህድኣት ኩሉ መንፈሳውን ስጋውን በረኸት ኣለዎ። ስለዚ ካብ ንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ምድቃስ ካብዚ ኩሉ በረኸት ምርሓቕ እዩ። ዮናስ እምበኣር ብምድቃሱ ነዚ ኹሉ እዩ ስኢኑ። 2. ድቃስ ዮናስ ንጥፍኣት መጋይሽቱ፦ “ንሓድሕዶም ድማ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ ንዑ ዕጭ ነውድቕ ተበሃሀሉ። ዕጭ ኣውደቑ እታ ዕጭውን ናብ ዮናስ በጽሐት። . . . ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ከም ዝሀደመ ባዕሉ ስለዝነገሮም ፈለጡ፡ ዓብይ ፍርሃት’ውን ፈርሁ እሞ ስለምንታይ እዚ ገበርካ፡ ከአ በልዎ። እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዔ ይኸይድ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ከአ ባሕሪ ኺሀድኣልና እንታይ ንግበረካ፧ በልዎ። . . . እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ክምለሱ ብምቕዛፍ ይጋደሉ ነበሩ። ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለዝኸደ ኣይኮነሎምን። ሽዑ ዎ እግዚኣብሄር ንልምነካ ኣሎና ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ዮና 1፡ 7,10,13-14 ኣሕዋተየ ንንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ዕሽሽ ምባል ወይ’ውን ምድቃስ ንጥፍኣት እቶም ምሳኻ ዘለዉ ሰባትውን እዩ። ብርግጽ እዚ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ዘይጊዜኡ እዩ ዝመጾም ዘሎ፡ ምኽንያቱ ንሓድሕዶም እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን እዩ መጺኡና እዮም ተበሃሂሎም። ዕጭ ብምውዳቕ ድማ ነቲ ጠንቂ ንጥፍኣት መጋይሽቱ ዝኾነ ዮናስ ረኺቦምዎ። (ምሳ16፡ 33) ከድሕንዎ ኢሎም እኳ ብኹሉ ሓይሎም ይጋደሉ እንተነበሩ ግናኸ ኣይኮነሎምን። ምኽንያቱ “ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ ኣምላኽ ይፈርዶ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደሎ ግና መን የማልድ”1ይሳሙ 2፡ 25 ኣምላኽ እንተ ተላዕለካ ከድሕነካ ዝኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። 3. ድቃስ ዮናስ ንጥፍኣት ገዛእ ርእሱ፡ - “ንሱ ድማ እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝበጽሓኩም እፈልጥ ኣሎኹ እሞ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፡ እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ፡ በሎም። ዮና 1፡ 12 ንንጹር ፍቓድ ኣምላኽ ምድቃስ ንገዛእ ርእስኻ ንጥፍኣት ኢኻ ትውፍያ። ኩሉ ጊዜ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ህይወት ንጥፍኣትን ንሞትን ኣዝዩ ቀረባ እዩ። ከም ኣብነት ዝኾነና ድማ ንይሁዳ ኣስቖሮታዊ እንተረአና፡ ገጹ ካብ ጎይታ ስለ ዝመለሰ ንጎይታ የሱስ ኣሕሊፉ ክህብን ንገዛእ ርእሱ ከጥፍእን ሰጋእ ኣይበለን። ከምኡውን ዮናስ ገጹ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመለሰ ንጥፍኣት ገዛእ ርእሱ “ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ ክብል ኢና ንርኢ። ከምኡ’ውን ኣብ ምዕራፍ 4፡ 3 ደጊሙ ከምዚ ኢሉ ወሲኹ “ዎ እግዚኣብሄር እምበኣር ሕጂ ካብ ብህይወት ምንባር ሙሟት ይሕሸኒ እሞ፡ እልምነካ ኣለኹ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ።” ኣሕዋተየ፡ እግዚኣብሄር ግና ብቓሉ ከምዚ ይብል “ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ፡ ተመለሱ ብህይወት ከአ ንበሩ።” .............. ይቕጽል ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። ቆሎሴ 2:13-14
2.
ህይወት ብዓይኒ........ ......ካብ 1ይ
ገጽ ዝቐጸለ ስለዚ ካብ ብሞት ብዘላለም ህይወት ምስ ኣምላኽ ምርጫና ይኹን (ዮሃ6፣35, 4፣13-14)። ስለዚ ድማ እዩ ካብ በቲ ሓላፊ ንሞት በቲ ሰማይዊ ዘይሓልፍ ንህይወት ክንደሊ ክንሓስብ ክንህሉን ቃል ኣምላኽ ዝምዕደና፡ ከምዚ ብምባል፡ “ሽዑ ጴጥሮስ፥ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዅሉ ሐዲግና ስዒብናካ አሎና፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም” ሉቃ18፣28። ንህይወት መቐረታ ካብቲ ንዘልኣለም ዘንብር ማይ ህይወት ምስ እትሰቲ እዩ(ዮሃ4፣10)። ስለዚ እምበኣር፡ ንህይወት በየናይ ዓይኒ’ኮን ንርድኣ ንኸውን፧ ብዓይኒ ኣምላኽ ክንጥምታን ክንርድኣን እንተደኣክኢልና፡ ብሓቂ ተረባሕቲ ኢና እሞ ነስተውዕል ደኣ። 5.ህይወት ቤት ትምህርቲ እያ ህይወት ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዝርከብ ትምህርቲ ወይ ፍልጠት እናደለበት እትንበር ቤት ትምህርቲ እያ።ከምቲ ቆልዓ ምስ ተወልደ ገለ ዘይብሉ ዝውለድ እሞ መዓልቲ እናወሰኸ ምስዝኸደ መጠን እናተማህረን እናፈለጠን ዝዓቢ ከምኡ ድማ ንሕና ብፍልጠት እናዓበናን እናደልብናን ኢና እንኸይድ።(1ቆሮ13፣11 ተወከስ) ከምቲ ኣብመዝ19፣2 ዝገልጾ ህይወት መዓልታዊ እናፈለጥካ እትነብራ መድረኽ እያ። እንተስ ምድራዊ ፍልጠት ንግዚኡ እንተስ ሰማያዊ ፍልጠት ንዘልኣለም እናፈልጥና እንነብር ፍጡራት ኢና። ህይወት ክሳዕ ዘላ ትምህርቲ ኣይከቋርጽን እዩ። ህይወት ናይ ፍልጠት መዝገብ እያ፣ ብሃብቲ ፍልጠት ዝመልአት ድማ እያ። ኣየናይ ዓይነት ፍልጠት ንሓሪ ድማ ናትና ግድ እዩ። የሱስ ኣብ ማቴ13፣52 ንሱ ከኣ፣ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ኹሉ ጸሓፊ ኻብ መንዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል። ይብል፣ እምበኣር ንመን ኢልና ንመሃር ኣገዳሲ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሕና ህዝቡ ብዘይ ፍልጠት ክንከውን ኣይፈቱን እዩ። እቲ ብመዓልቲ ምድሓን እተዋህበና ሓድሽ ሰብ ኩሉ እዋን ብፍልጠት እናተሓደሰ ዝነብር ሓድሽ ሰብ ኢና ለቢስና ዘሎና። ስለዚ ኩሉ እዋን ብፍልጠት እናመላእና ክንህሉ እዩ ዝግብኣና። ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ክትህሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይፈቱን እዩ። ክንዮ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላክ ከነገልግሎ ወይ ክንስውኣሉ ኢልና እንዓጥኖ መስዋእቲ፡ ፍልጠት ኣምላኽ ይዓቢ። ሆሴ6፣6 ተወከስ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንህዝቡ ዝምህረሉ መንገድታት ኣዝዩ ብዙሕን ዝተፈላለየን እዩ። ብመንገድታቱ እናተመሃርና ክንከይድ ድማ ጽን ዝብላ ኣእዛንን ክፉት ልብን የድልየና። ክንዮ ዝሓርር መስዋእትናን መስዋእቲ ሕሩድናን ንደሃዩ ጽን ኢልና ክንሰምዕ እዩ ዝደልየና።1ሳም15፣22 ተወከስ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንህዝቡ ዝምህረሉ መንገድታት ኣዝዩ ብዙሕን ዝተፈላለየን እዩ። ብመንገድታቱ እናተመሃርና ክንከይድ ድማ ጽን ዝብላ ኣእዛንን ክፉት ልብን የድልየና። ክንዮ ዝሓርር መስዋእትናን መስዋእቲ ሕሩድናን ንደሃዩ ጽን ኢልና ክንሰምዕ እዩ ዝደልየና።1ሳም15፣22 ተወከስ። መንገድታት ትምህርቱ ከምከምዘድልየና እምበር ናይ ግድን ሓደ ምሕላፍ ብምሕላፍ ዝኸውን ኣይኮነን።ከምቲ ውዑይ ማይ ንድንሽ ዘፍኩሶ ንእንቃቕሖ ከኣ ዘትርሮ ንዓና ድማ ከከም ዓይነት ልብና እዩ ዝህበና።ነዚ ንምርዳእ ናይ ዝተፈላለዩ ስባት ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ክንርኢ ኢና። ኣብርሃም፦ ብሓቂ ድዩ ልቢ ኣብርሃም ምስ እግዚኣብሄር ኔሩ መታን ክፈልጥ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ንወዱ ይስሃቕ ክስውኦ ተነግሮ።ዘፍ22፣1-12። ህዝቢ እስራኤል፦ ብእንጌራ ጥራይ ከምዘይንበር መታን ከርእዮም ብበረኻ ን40ዓመት ኣሕለፎም።ዘዳ8፣2-4። ቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comቁጽሪ ሳ. ፖስታ 8100 e-mail kalmeskel@gmail.comሬማ እምነት ቤተክርስትያን ሬማ እምነት ቤተክርስትያንሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን ሬማ ማእከል ሜድያን ሓበሬታን እዮብ፦ በቲ ኩሉ ምሕላፉ ኣብ ሂወቱ ኣዝያ ዓባይ ነገር ተማህረ።እዮ42፣2 እምበኣር እንሓልፎም ኩሎም ንትምህርትና ኣዚዮም ኣገደስትን ቀንድን እዮም። ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ውን ነቲ ዝመጽእ ወሎዶ መዝገብ ፍልጠት ኢናእንኸውን። ኣብ መደምደምታ፦ ከምቲ ጳውሎስ ህይወት ተረዲእዎ ንህይወት ክገልጻ እንከሎ ዝበሎ ንምባል ክንክእል መታን ንመትከሉ ክንርዳእ ጽቡቕ ይመስለኒ። ብክልተ ድማ ክንፈልዮ ኢና። እዚ ድማ ክርስቶስ ህይወቱ ዝኾነሉ መንገዲ ብኸመይ ምኻኑ እዩ:- 1. ክርስቶስ ንህይወት ጳውሎስ ህይወቱ ብምኽፋል ህይወት ኮኖ። ፊሊ1:21 2. ጳውሎስ ንክርስቶስ ህይወቱ ስለዘግዘአ። ገላ2:19-20 እምበኣር ንሕናኽ ህይወት ማለት ብኸመይ ንርድኣ? ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎዶ ህይወት ማለት ንዓና ክርስቶስ እዩ? ብሓው ሮቤል ኣብርሃ ‘‘ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ። እከዮም ኣብ ቅድመይ ደይቡ እዩ እሞ ኣንጻራ ኣውጅ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ ። ዮና 1፡1-2 እዚ ንጹርን ግሉጽን ዝኾነ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ዮናስ መጸ። ዮናስ ግና ምስ’ዚ ቃል እግዚኣብሄር ኣይተሰማምዐን: ብኣንጻሩ ድኣ ናብ ተርሲስ ክሃድም ወሲኑ። ናይ ጉዕዞኡ ዋጋ ከፊሉ ድማ ናብ መርከብ ኣትዩ። እታ መርከብ ድማ ጉዕዞኣ ምስ ጀመረት ከኣ እግዚኣብሄር ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ: እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ ትቐርብ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ። እዚ ብዘይምእዛዝ ዮናስ ዝሰዓበ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ: ነቶም ባሕረኛታት ዓቢ ፍርሃት ኣስዓበሎም። እቶም ባሕረኛታት ድማ ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ምእንቲ ጽዕነት ናይታ መርከብ ምእንቲ ክፈኹሰሎም ከአ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቑሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። እንተኾነ ግና እቲ ምኽንያት ንሱ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ባሕሪ ክሃድእ ኣይከኣለን። እቲ ሓለቓ መርከብ መፍትሒ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን: ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ መርከብ ሓደ ዘይተጸበዮ ፍጻመ ረኸበ። ንሱ ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ብርቱዕ ማዕበል ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ኩሎም ተናዊጾም እንከለዉ ንዮናስ ደቂሱ ክረኽቦ እንከሎ እዩ። እቲ እብራዊ ዘይኮነ ካብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ሓለቓ መርከብ: ብነድሪ ተላዒሉ ንዮናስ ከምዚ ኢሉ ሰበኸሉ፡-“ኣታ ደቃሲ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧ ተንስእ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽ ከይንጠፍእ እንተሓሰበናስ፡ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል! በሎ። ደሕሪ’ዚ ዮናስ ካብ ድቃሱ ተንስአ፡ ንኣምላኹ ከም ዝበደለ ድማ ተረድኦ። ናብ ባሕሪ ክድረበ(ክድርብይዎ) ከኣ ወሰነ። ኣብ ውሽጢ ከብዲ ዓሳ ኮይኑ ምስ ተማህለለ ድማ ኣምላኽ ንጸሎቱ ሰምዐ። ስለዚ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ መደብ ውሑስ ከምዘይኮነ ብሓፈሽኡ ተማሂርና ኣሎና። እምበኣር ኣሕዋተይ፡ እዚ ዮናስ ዝጓዓዞ ዝነበረ ጉዕዞ ውሑስ ኣይነበረን ካብ በልና ጉዕዞና ውሑስ ክንገብሮ ነስተብህል! ምኽንያቱ ኣብ ዓለም እቲ ውሑስ ቦታ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ምንባር ጥራይ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት ቀጺልና ካብ ድቃስ ዮናስ እንምሃሮ ኣርባዕተ ነጥብታት ክንምልከት ኢና፡- ኣብ 4ይ ገጽ ይቕጽል..... ሓራ ኣውጺኡኒ ..........ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ናይ መዕረፊ ኣጋይሽ ሰድያ ኮፍ ክትብል ከላ ሓንቲ ጓል-ኣነስተይቲ ፖሊስ ኩሉ ነገራታ ደስ ስለ ዘይበላ ናብ ሊያ ቅርብ ኢላ ነቲ ሒዛቶ ዘላ ሻንጣ ክትፍትሾ ምዃና ብትሕትና ሓበረታ። ሊያ ግና ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ኣብ መወዳእታ ድማ ከምቲ ዝሓሰበቶ ዘይኮነስ ጽዑቕ ተፍትሽ ተኻይዱላ። ኣብ ረቂቕ ጻዕዳ ፕላስቲክ ዝተዓሸገ 28 ኪሎ ዝምዘን ኣልማዝ(ኮኬይን) ካብ ሻንጣኣን ምሉእ ኣካላታን ተለቒሙ ወጸ። ጉድ ተባሂሉ። ሊያ ማክዶናል ናታ ከምዘይኮነ እንዳበኸየት ተማሕጸነት። ቪዛይ ከይሓረኒ በጃኩም ፈንውኒ ብምባል ኣብ መሬት እንዳንገርገረት ልመንኣ ቀጸለት። እታ ዝሓዘታ ጓል ኣነስተይቲ ፖሊስ ግና ብናይ ሕጫጨ ኣዘራርባ “ናትና ኣመሪካዊት፡ ናይ ዓድኹም እኳ እንተዘይፈለጥናዮ ኣብ ባንግላድሽ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ንምእታው ቪዛ ኣይድልን እዩ ብምባል ንክልቲኡ ኣእዳዋ ብምጥዋይ ብሰንሰለት (ፌሮ) ኣሰረታ። ናይ ሊያ ብኽያትን ኣውያትን ድማ ጸጥ በለ። ተታሒዛ ድማ ናብቲ ብኽፍኣቱ ዝተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ከም ኣቕሓ ተሰንደወት እሞ ዘላቶ ቦታ ተሓዋወሳ። ብዙሓት ደቀ-ኣንስትዮ ዝርከባሉ መንደቁ ዝፈራረሰ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ናይ ሓባር ሽቓቕ ዘለዎ ቦታ ኣተወት። ሽራፍ ብኬሪ፡ ኣብ ማእከሉ ክልተ ቀዳድ ዘለዎ ነቓዕ ናይ ፕላስቲክ ሸሓኒ፡ ሓንቲ ንእሽተይ ማንካ፡ ሓንቲ ኣናጹ ዝቐደድኣ ተንኮበትን ሓንቲ ዝተሸራረፈት ባዞን ልክዕ ከም ሓደ ዓቢ ህያብ ፊርማ ካብቲ ካቦ ተቐበለት። ዘላቶ ኩነታትን እትርእዮ ዘላ ነገርን ኩሉ ምርዳእ ኣበያ። ነብሳ ንምክልኻልን ናይ እሱር መሰላ ንክሕለወላን ብዙሕ ጸዓረት። እንተኾነ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ መልሲ ረሳሕ ማይ ኣብ ልዕሊኣ ክድፍኣ ምሉእ መዓልቲ ቀጽሪ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ክተጽሪ ፡ ለይቲ እተን እሱራት ክሸናሉ ዝሓደራ ዝመረተ ጥስቲ ንግሆ ተንሲእካ ምድፋእ ሽልማታ ኮነ። ስለዚ ድማ ምእንቲ ነብሳ ከተጸናንዕ ምጭዳርን ምድራፍን ኮነ ስርሓ። ኩሎም ዓቢዳ እያ ኢሎም ተሰማምዑ። ክልተ ጊዜ ዝኸውን ድማ እሱራት፡ መርመርቲ ፖሊስ ተመሲሎም ንክዕምጽዋ መሊቖም ክኣትዉ ጀመሩ። ካብዚ ዝተላዓለ ንድሕነታ ተባሂሉ ሓንቲ ንእሽተይ ክፍሊ ተዋህበታ። እታ ክፍሊ ኣብ ጎኒ ሽቓቕ ኮይና መንደቓ ዝፈራረሰትን ጨናዊትን እያ። ሓደ መዓልቲ ብዙሓት ኣወዳት እሱራት ናብ ሽቓቕ ዝኣትው መሲሎም ናብ ክፍሊ ሊያ ኣትዮም ብኢዳን እግራን ብምሓዝ ክዕምጽዋ ክፍትኑ ከለዉ በቲ ዝተመሃረቶ ካራተ ጌይራ ነቶም ጥሜትን ጽምእን ዘጥቖዖም እሱራት ሓደ ብሓደ ብምዝራር ንኹሎም ጎቲታ ናብ ደገ ኣውጺኣ ደረበየቶም። ኣብ መወዳእታ ድማ ደኺማ ኮፍ ኢላ እንዳበኸየት ከላ ሓደ ድምጺ ሰመዓት፡ “ኣጆኪ ገለ ኣይትኾንን ኢኺ ኣነ ምሳኺ እየ፡ ዋላ ሓደ ገለ ክገብረኪ ኣይክእልን እዩ፡ ንስኺ ናተይ ኢኺ ኣነ ድማ ናትኪ እየ ዝብል ድምጺ ስመዐት፣ ናይ መን ምዃኑ ከይፈለጠት ንስኻ’ኸ መን ኢኻ፧ ኣበይ ኮይንካ ኢኻኸ ትዛረብ ዘለኻ፧ ንስኻኸ ከምዚ ናይ ብጾትካ ዕጫ ከጋጥመካዶ ትደሊ ኢኻ፧ ብምባል በቲ ዝተመሃረቶ ካራተ ናብ የማንን ጸጋምን ክትዘልል ጀመረት። እቲ ድምጺ ግና ኣየቋረጸን፡ ደጋጊሙ ናብኣ ክመጽእ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዓቢ ስንባድ ኮይና “ንስኻ መን ኢኻ፧ ኣምላኸይ በጃካ ርድኣኒ! ብምባል ፊቕ ኢላ ክትበኪ ጀመረት። እቲ ዓቢ ድምጺ ሕጂውን ነታ ገዛ መልኣ። ምሉእ ዓለም ክሰምዖ ዝኽእል ክሳዕ ዝመስል ብዓው ዝበለ ድምጺ “ኣነ እቲ ኣምላኸይ ኢልኪ ንረድአትኪ ዝጸዋዕክኒ ኣምላኽኪ እየ። ካብዚ ዘለክዮ ማእሰርቲ ነጻ ከውጸኣኪ እየ መጺአ። ናባይ ገጽኪ ጠምቲ በላ። ንሳ ግና ፍርሃትን ስንባደን ጭንቀትን ዓሲልዋ ስለዝነበረ እቲ ዝዛረባ ዝነበረ ድምጺ ናይ የሱስ ክርስቶስ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢላ ክትኣምን ኣጸገማ። ስለዚ ድማ “ኣነ ንዋላሓደ ኣይደልን እየ፡ ናይ ዋላ ሓደ ክኸውን ኣይደልን እየ፡ ዋላ ሓደ ድማ ናተይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ በለት። ሊያ ታሪኻ ባዕላ ከምዚ ብምባል ትቕጽሎ፦ “ሓደ መዓልቲ ንግሆ ብግምት ከባቢ ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ክኸውን ከሎ፣ ነቲ ተኖኮኡ ዝፈራረሰ መንደቅ ናይቲ ክፍለይ እንዳጠመትኩ ዝን ኢለ ከለኹ፣ ሓንቲ ንእሽተይ ኣንጭዋ ኣብ ሓደ ጸግዒ ናይቲ ክፍሊ ብዝነበረ ቀዳድ ዝተቖራረጸት ወረቐት ከተሕልፍ ብኣስናና ክትቃለስ ከላ ረኣኽዋ። እታ ንእሽተይ ኣንጭዋ ኣነ ምስተንቀሳቐስኩ ፈሪሃ ነታ ወረቐት ገዲፋታ ናብ ጉድጓድ ኣተወት። ኣነ ድማ ጽግዕ ኢለ ነታ ካብታ ኣንጭዋ ዝተረፈት ወረቐት ኣልዒለ ገላቢጠ ኣንበብክዋ። እቲ ጽሑፍ “JESUS IS LORD” ዝብል ክልተ ፊደላት ተቐዲዶም ዝጠፍእዋ፣ ብቀይሕ ቀለም ዝተጻሕፈ ኣርእስቲ ዘለዋ ንእሽተይ ደብዳቤ ኮይና ጸንሓትኒ። ኣብዚ መከራ፡ ጭንቀት፡ ጥምየት፡ ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ዝበዝሖ ቤት ማእሰርቲ ባንግላድሽ ዘመድ ዓርኪ ቤተሰብ ክበጽሓካ ኣይክእልን ይኸውን። ካብዚ ኩሉ ዝበለጸ ግና ካብ እስትንፋስካ ንላዕሊ ክቐርበካ ዝኽእል ወዲ ኣምላኽ የሱስ ክስርቶስ ኣለካ። ናብኡ እንተተጸጋዕካ የዋጻካ እዩ። ምናልባሽ ንስካ/ንስኺ እላም ክትኮኑ ትክእሉ ኢኹም እንተኾነ ግና የሱስ እቲ ሓቐኛ ጎይታ ናይ ነብስኻን ናይ ግልኻ ጎይታን ጌርካ ተቐበሎ እሞ ጽምዋኻ ብሓጎስ ከብቅዕ እዩ። ስሌኻ/ኺ ኣብ መስቀል እተሰቕለ፡ እቲ ሓቐኛ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ጥራይ እዩ። ስለዚ. . . ኣብ ዝብል ቃል ምስ በጻሕኩ ገጸይ ብንብዓት ተሓጽበ። ከምዚ ኢለ ተመሲጠ ከለኹ ክልተ ደቀ-ኣንስትዮ ፖሊስ ክሓልፋ ከለዋ ብመስኮት ስለዝረኣያኒ ናይ ክፍለይ ማዕጾ ብሓይሊ ከፊተን ብምእታው ብጸጉረይ ጎቲተን ዕውንውን ክሳዕ ዝብለኒ ጸፍዓኒ። ብእግረይ እንዳጎተታ ናብቲ ኩላትና እሱራት እንጸልኦን ዘስካሕክሕን፡ መንደቁ ድማ ብደም ዝተለኽየ ዝመስል መግረፊ ክፍሊ ኣእትየን ኣእዳወይን ኣእጋረይን ኣጽኒዐን ብምእሳር ብበትርን ብሓለግን ገረፋኒ። እቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ቁስለይ ኣጸቢቁ ከይሓወየ ሎሚ ድማ ብጭካነ ብዘይምቁራጽ ንብዙሕ ደቓይቅ ገረፋኒ። ካብ ብዝሒ ኣውያተይን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣፈይ ዝተሰጎደ ጨናዊ ጨርቅን ዝተላዕለን ጎሮሮይ ነቕዐ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ ድማ ካብቲ መግረፍተይ ቃንዛ ናይ ቁስለይ ዝተላዕለ ህይወተይ ኣብ ሞንጎ ሞትን ህይወትን ተንጠልጠለት። እቲ ዝዛረበኒ ድማ ልክዕ ሓደ ሰብ ኣብ ርሑቕ ከም ዝዛረበኒ ዘሎ ኮይኒ ይስመዓኒ። “ተዛረቢ ንመን ኢኺ ዝጸሓፍክዮ ወይ ድማ መን እዩ ዝጸሓፈልኪ፧ ተዛረቢ ይብለኒ። በየናይ ዓቕመይ፡ በየናይ መልሓሰይ ክምልሰ፡ ብዙሕ ድሕሪ ምግዓረይ ደም ካብ እግረይ ፈሰሰኒ። እዚ ንከይርኢ ኢለ ኣዒንተይ ዓመትክወን፡ ንሳተን ድማ ሃለዋተይ ከም ዘጥፋእኩ ምስ ፈለጣ ከይሞተን ፈሪሀን ስመይ ደጋጊመን ብምጽዋዕ ኣውሪደን ኣብቲ ስሚንቶ ሰጥሓኒ። በቲ ካብ ኣፈይ ዝወጽእ ዝነበረ ዓፍራ ከም ዝተዳኸምኩ ፈለጣ። ንሳተን ግና ሻሂን ማይን ሒዘን ካብ ግንባረይ ንዝፈስስ ረሃጽ ብመንዲል ይጸርጋ ነበራ። ኩላተን ንምርኣየይ እንዳተጸየፋኒ ደጋጊፈን ኣብቲ መንደቅ ኮፍ ኣበላኒ። በየናይ መንኩበይ ክኢለ ኮፍ ክብል፧ ነቲ ብመግረፍቲ ዝደኸመ ሕቖይ መሊሰ ኣብቲ ምድሪ ቤት ተደፋእኩ። ብኣስተርጓምየይ እንዳተሓገዝኩ እቲ ዝኾነ ኩሉ ክነግር ጀመርኩ። ቁስለይ እንዳደረዝኩ ከለኹ ሓንቲ ንእሽተይ ኣንጭዋ በቲ ቀዳድ ነቲ ወረቐት ከምዘምጽኣቶን ኣንቢበ ገና ከይወዳእኩ ከለኹ ድማ ፖሊስ ከም ዝመጻንን ተጎቲተ ድማ ናብዚ ከምዝመጻእኩን ክገልጽ ፈተንኩ። እዚ ኩሉ ቃለይ ግና ፍረን እምነትን ኣይረኸበን። ናይ ክርስትና እምነት ከተስፋሕፍሕ ተረኺባ ብዝብል ካልእ ክሲ ተመስሪቱኒ ነቲ መከራይ ኣግደዶ። በብእዋኑ እንዳተመላለስኩ ሕቖይ ብሓለንጊ ክግረፍ ጀመርኩ። ካልእ መዓልቲ ድማ እቲ መርማርየይ ከም ዝተቐየረ ተሓበረኒ እሞ ምናልባት ካብቶም ክፍኣትን ኣረሜንን ዝኾኑ ሰባት እንተ ተገላጊለስ ሕጂ ይርሕርሑለይ ይኾኑ ኢለ ተጸናናዕኩ። ይቕጽል 32 32 ክርስትያናዊ ህይወት ድቃስ ዮናስን ሳዕቤናቱን
Download