ahzabin hizibin ኣህዛብን ህዝብን
- 1. ንቆጽሊ በሊዓ ሔዋን ዘምጽኣቶ ሞት
ብፍረ ማኅፀንኪ ተረኺቡ ሕይወት
ሰኣሊ ለነ ቅድስት ምሕረት ለምንልና
ካብ ፍቁር ወድኪ ካብ ልዑል ኣምላኽና (2)
ያዕቆብ ኣብ ሎዛ ብሕልሙ ርእዩኺ
ሰብን መላእኽትን ዝተራኸቡልኪ
መቕረቢት ናብ ኣምላኽ ጽዮን ማርያም ኢኺ
ኣማናዊት ኪዳን ጽዮን ማርያም ኢኺ (2)
ውዳሴ ናይ ኤፍሬም ዜማ ቅዱስ ያሬድ
ኦ ምልእተ ጸጋ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት
ብብሥራት ገብርኤል ኣምላኽ ዝወለድኪ
ንግሥቲ ኣርያም ምስጋና ንዓኺ (2)
ኣሕዛብን ሕዝብን
ኣሕዛብን ሕዝብን ዝተራኸቡልኪ
መና ካብ ሰማያት ኣምላኽ ዘውረደልኪ
ሰብን መላእክትን ስብሐት ዘብጽሑልኪ
ናይ ቅዱሳን ሕይወት ድንግል ማርያም ኢኺ (2)